Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ወገናውነት ንምልኪ ውሑዳት

By   /  April 30, 2016  /  Comments Off on ወገናውነት ንምልኪ ውሑዳት

    Print       Email

3783298671_96def3a797ኤርትራ፡ ሉኣላዊት ሃገር ካብ እትኸውን 25 ዓመታት እተቝጽረሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ህላወኣ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ግዜ ዘጋጠመ ንላዕሊ ኣብ ዝኸፍእ ሓደጋ ይርከብ። ነቶም መድሓንቲ ህዝባ ምዃኑ እናተመክሑ ዘጥፍእዋ ዘለዉ፡ ህዝባ ብስደት ተዘሪጉ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ክመውት፡ ዝተረፈ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ባዕዲ ኽልምን ዝበለጸ ምርጭኦም ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ባዕዲ ፋሕ ምባሉ እኹል ስለዘይመሰለ፡ ኣብቲ ዘዝኸዶ ርእይቶታቱ ፋሕ ክብልን ብደቀቕቲ ኣርእስትታት ክፈላለን ካብ ህዝቢ ካብ ዝሰረቕዎ ጸጋታት ዝከኣሎም እናውጽኡ ይሰርሑ ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምፍላም’ቲ ንናጽነቶም ዝሓለፍዎ ገድሊ ጀሚሩ ሓድነቶም እናተዘርገ፡ ብቓልሶም ናጽነቶም ዝረኸቡላን በቲ ናይ ውሑዳት ናይ ሹምነት ህርፋን ሓርነቶም ዝሰኣኑላን መዓልቲ ሓንቲ ዀይናቶም። ካብታ ብምርካብ ሃገሮም ዝተሓጐሱላ መዓልቲ ንንጀው፡ ታሪኾም ናብ ባዶነት ዝትርጕመሎም ጉጅለ እናተተናዀሎም፡ ናጽነቶም እናረሓቐት፡ ካብ መገዶም ኣርሒቖም ክጸድፉ ይድፍኡ ኣለዉ።

ነዛ ሃገር ዝነብሩላ ህዝባ ዘለዎም ዝተፈላላለየ ቃላት ቋንቋን ቃናታት ላህጃን፡ ዝማላላእ ጽባቐ ዘለዎ ኣነባብራ እምነታት፡ ነናይ ዓቕሙ ዋኒን ርእሰ-ማል፡ ነናይ ውልቆም ታሪኽ፡ ዓይነታት ሞያን ጥበብን ክንዲ መጸበቒኦም፡ ከም መተፋነኒኦም ኰይኑ ክዘርጎም ብብዙሕ መገዲ ተሰሪሑሉ። ሰባታ ነቲ ኣብታ ዓዶም ወሪዱ ዘሎ መዓት ኣልዮም ናብ ድሕነትን ራህዋን ዘምርሑሉ መገዲ ከናድዩ ክንዲ ዝጓየዩ፡ ኣእዳዎም ከዋጣውጡ መሬት ምእንቲ ኽዓርቦም ጸጋታት ሃገርን ዓቕሚ ብዙሓት ግሩሃትን ይባኽን ኣሎ። ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝሰኣንዎ ርግኣትን ሰላምን ክመልስዎ ኣብ ክንዲ ነቶም ሒደት በደልቶም ዝኣልዩ፡ ንኹሎም ኣሕዋቶም መኽሰሲ ይገብርዎ ኣለዉ።

ኩሎም ኣብዚ ስልጡን ሕብረተሰብ’ዚ መለለዪ ውልቀ-ሰባት ጥራይ ክዀኑ ዝግብኦም መልክዓት፡ ኣብዚ መዓልት’ዚ ንብዙሓት ዘይስገሩ መፋላለይቲ ሓጹራት ከምዝዀኑ ይመስልዎም ኣለዉ። ሰባት ብኸምዚ ወይስ ብኸምቲ ብምምላኾም፡ ልሳኖም እዚ ወይስ እቲ ኻልእ ሓደ ብምዃኑ፡ ደሃይ ላህጃኦም ካብቲ ጥቓኦም በዚ ወይስ በቲ ስለዝልለ፡ ከቶ እንተዘይተቓተሉሉስ ከመዘየጸብቐሎም ከእምኖም ሕሽዅ ዝብሎም ይበዝሖም ኣሎ። ጸብጻብ ውልቃዊ ህይወቶም ኣብ ክንዲ በዚ በቲ ኻልእ ተመኵሮ ዝያዳ ስለዝሃብተመ፡ ኣተሓሳስባኦም ኣብ ክንዲ ብዝተመስርሓሎም በቲ ዝመረጽዎ ስለዝተመርሐ፡ ድኽነት ክመጽእ ተዓኒዶም ክንዲ ዝጽበዩ ተቓሊሶም ስለዘውደቕዎስ በቲ ምስሉይ መዐየሪ ሃገራውነት ከም ጓኖት ክሕሰቡን ከም ጸላእቲ ኽረኣዩን ተበይኑሎም።

ኣሕዋት ደሃይ ልሳናቶም፡ ሃብቲ ኣተሓሳስባኦም፡ ኣኽብሮት ፈጣሪኦም እናተደራርዐ ሓይሊ ኽዀኖም እምበር፡ ፈጺሞም ከም ፍላይ ማንታ እንተዘይተመሳሰሉ ኽጻልኡስ ይትረፍ ነቶም ዝገብርዎ ነቶም ዝሰምዕዎ’ውን የሕፍሮም’ዩ። እቶም ነዞም ኣሕዋት ሓራ ዀይኖም ንኽነብሩ ኣባዮም ክኣልዩ ኸለዉ ክንመርሓኩም ዝበልዎም፡ ካብ ምብጋሶም ክሳዕ ሕጂ ብቛንቋ ምስሉያት ዓው ኢሎም መዝሙር ሓድነት እናደረፉ፡ ንሓድነት ህዝቢ ዘሪጎም፡ ኩሎም ዜጋታት በብሓደ ናብ ምጥፋእ መሬት ከምዝዝረዉ ይገብሩ ኣለዉ።

 

ኣብዛ ምስ ምእታው 21 ክፍለ ዘመን ናብ ሕሉፍ መግዛእቲ ዝኣተወት ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ መኽንያት፡ እቲ ዝገዝኣ ጉጅለ ብትዕቢት ዝተመርሓሉ መኽንያት ንህዝቢ ኸም ዝመቓቐሎን፡ ብሕቡር ቅልጽም ክኣልዮ ኸምዘይልዓልን ዘለዎ ምኩሕ እምነት’ዩ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ንህዝቦምን ሃገሮምን ክቐትል ዝተዳለወ መጻወድያ ብግዝያዊ መተሃራረፊ ወይ ብጠባሪ መብጽዓ ሃገራዊ ጠቕሚ ነነጢሮም እናኣተውዎ፡ ንለውጢ ዝብገሱ ዘተታት ብተደጋጋሚ ብወገንነት እናተጸልዉ ኣብ ስጕሞም ዕንቅፋት የጋጥሞም ኣሎ። ኣብ መንጐ ሃገራውያን ሓለይቲ ሃገርን ህዝብን ዝዀኑ ጥርኑፋት ጉጅለታት ከባቢ፡ ልሳን፡ እምነት፡ ኣተሓሳስባ፡ ውልቃዊ ሕሉፍ ኣልዒልካ ‘ንስኻ ኸምዚ፡ ንስኻ ኸም ካልእ’፡ ‘ንስኻ ኣበርኪትካ፡ ንስኻ ኸምዚ ነበርካ’ እናበልካ ዝሃልኽ ጸዓት ለውጢ ዘየምጽእ እንተዀይኑ፡ ብመሰረቱ ኣርእስቲ ለውጢ ምልዓል’ውን ክሳራ’ዩ ዝኸውን።

ውሽጣውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸልዎ ኣዒንቲ ኣሕዋት፡ ንወጅሂ ኣሕዋተን ብዝተማህዘ ሕነ ብሕማቕ እናረኣያ ኣብ ምጥምማት ዝዕነዳሉ መድረኽ ብፍቓድ ዜጋታት ጥራይ ዝሰርሕ፡ ብምስትውዓሉ ዝፈሽል’ዩ። ኣብ ሃገሩ እናተዋረደ ዝነብርን ኣብ ዓዲ ጓና ተግዚኡ ዝነብርን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብሓሶታት ውሽጣውያን ገዛእቱ ስኢንዎ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ብምስትውዓል ካብ ኣእምሮኡ እንተመሓዎ እቶም ንሓርነቱ ናብ ድርብራብ ባርነት ቀይሮም፡ መዓልትን ለይትን ብዘይቅሳነት ክነብር ዝግድድዎ ዘለዉ ብዘይውዓል ሕደር ምተባሕጐጉ።

ሓይሊ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕባእ ሓቅታትን ተወሳኺ ሓሶታትን ጥራይ’ዩ ዝምርኰስ። ነቲ መለኽቱ ዝሃነጽዎ ኣምልኾ ውሑዳት ነቒሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓድሕድ ኣሕዋት ዝተዘርአ ፈልስታት ዘይምትእምማን ከካብ ኣእምሮኡን ልቡን እንተኣልይዎ ምግራሙ ኸይወድአ መሊቖም ክጠፍኡሉ’ዮም። ነቲ ብመፍተል ሓሶት ጠለምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥምጠም መፈንጠራታት ምእላይ፡ ብዙሕን ነዊሕን ምርምር ዘይኰነስ ምሉእ ናይ ምንባር ናጽነት እትደሊ ሓንቲ ንጽርቲ ውሳኔ በይና’ያ ትኣልዮ። ናጽነት ሃገርን ናጽነት እቶም ዘቝምዋ ውልቀ-ዜጋታትን ብዝዀነ ይዅን ትንተና ተመጻረይቲ ክዕመጽ ከሎ፡ ንሓሶት ሓሶት ምባል እምበር፡ ኣብ ጥበራ ዓመጽቲ መተዓሻሸዊ ዝኸውን ሓቂ ምድላይ ንገዛእ ርስኻን ኣሕዋትካን ምጥላም’ዩ።

ብርግጽ ነዚ ሓቅታት’ዚ ዘስተውዕልዎ’ኳ እንተዘይወሓዱ፡ ድምጺ ውሑዳት ደናቝርን ንዓታቶም ዝጋልብዎም መታለልትን ብሓይሊ ምውጫጩ ስለዝዕብልል’ዩ ግዝያዊ ምድንጋር ዝፍጠርን፡ ነገራት ተስፋ ዘቝርጹ ዝመስሉን። እቶም ገለ ተላኢኾም፡ እቶም ገለ ድንቍርናኦም ቀሲብዎም፡ እቶም ገለ ኸኣ ግርህነቶም ዝያዳ መብርሂ ረኺቡ ስለዘይበልሐ ነቲ ኣሕዋት ኣዋዲኡ ዓዲ ዘጽንት ደርፊ ይደጋግምዎ ይህልዉ። እዚ እከይ መልእኽቲ ስርሑ ኣስሊጡ ኣደራሽ ዜጋታት ምእንቲ ኸየፍርስ፡ እቶም ብኣሕዋት ዝሓልዩን ልቦና ዘለዎምን ስቕ ኢሎም ብምጥማቶም ኣሰነይቲ ናይዚ ጽዩፍ ጓይላ ጐሓላሉ ኽንዲ ዝዀኑ፡ ብሕልናን ብልብን ካብኡ ተኣልዮም፡ ኣእምሮኦም ኣብሊሖም ብምንባር ክስዕርዎ ይኽእሉ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →