Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

“ወቕቲ-ህልቂት” ማእከላይ ባሕሪ

By   /  April 22, 2016  /  Comments Off on “ወቕቲ-ህልቂት” ማእከላይ ባሕሪ

    Print       Email

sea victimsማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 10 ኣዋርሕ ረጊኡ ድሕሪ ምጽናዕ ጽምጺ ኣውያትን ህልቂትን ከድምጽ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ወቕቲ እዚ ማዕበላዊ ባህሪ እቲ ማያዊ ኣካላ ዝሃድኣሉ ግዜያት ከምዝኾነ ስለዝ እመን ጥራይ ዘይኮነ ዋሕዚ ናይቲ ብ መንገዲ ምብራቓዊ ሸነኽ ማለት ብግሪኻውያን ደሴታት ኣኳሊምካ ኤውሮጳ ንምእታዉ ተለሚዱ ዝጸንሐ ጉዕዞ ቀይድታት በዚሑዎ ቊጽሪ ናይቶም ናብን ካብን ገማግም ሊብያን ግብጽን ክብገሱ ዝመርጹ ስደተኛታት ይተዓጻጸፍ ስለዘሎ፣ ኣብ’ዚ ማያዊ ኣካል ክምዝገብ ዝእክል ሰብኣዊ ሃስያ ብኣጋኡ ስግኣት ተነቢሩሉ ይርከብ። ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ሰሙን ኣስታት 4 ሚእቲ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸፍጸፈት ጃልባ ብምግጣላ ኣብ’ቲ ሓደጋ ናይ ዝጠፍአ ሂወት ሓያሎ ስደተኛታት ማእከል ዓለማዊ ወግዒ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ተንተንቲ ስደትን ይገልጽዎ ከምዘለዉ’ውን ወቕቲ-ህልቂት ማእከላይ ባሕሪ ዳግም ጀሚሩ ምህላው እዩ።

ዋሕዚ ናይቶም ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሞሮኮን ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ብሓፈሻ ደሴታትን ማያዊ-ገማግምን ዓዲ ጥልያን ድማ ብፍላይ ዘምርሑ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝተዓጻጸፈ ዓቐን ተበራቢሩ ኣሎ።   ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ዕለታዊ ናብ ደሴት ሲሲሊ ናይ ዓዲ ጥልያን ይኣትዉ ኣለዉ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ናይ 2016 ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ደሴት ኣቲዮም ኣለዉ። ነዚ ከም መወከሊ ወሲድካ ናብ ገማግማዊ ከባቢታት ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝኣቱ ዘሎ ቊጽሪ ስደተኛታት ክሳዕ ክንደይ ክገዝፍ ከምዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይከዉንን።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ 2015 ጀሚሩ ናብ ሕብረቱ ኣነጻጺሩ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ዛጊት 3 ተራጸምቲን ዘይተመላላእትን ተበግሶታት ወሲዱ ኣሎ። ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ገዚፍ ወተሃደራዊ ህላዌ ኣውሒስካ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲን ትሕተ ቅርጾምን ስጒምትታት ምውሳድ ምስ መንግስታት እተን ምንጪ ስደተኛታት ዝኾና ሃገራት ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ብመለሳ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ እቶም መንግስታት ዋሕዚ ስደት ካብ ሃገራቶም ዝቕይዱሉ ስምምዕ፤ ከምኡ’ድማ ምስ ቱርኪ ብቢልዮናት ኤሮ ዝተደፍአን ፖለቲካዊ ሓለፋታት ዘቐመጠን እታ ሃገር ምስ ግሪኽ ዘቃርቡዋ ከባቢታት ክትዓጹን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝጥረዙ ስደተኛታት ኽትቕበልን ዝጠልብ እዋናዊ ውዕል ። እዞም ተበግሶታት ንዋሕዚ ስደት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ክገትኡ ክኢሎም’ዶ ዝብል ሕቶ ምስ ዝመጽእ እቲ መልሲ ኣይፋልን እዩ ክኸዉን።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ኣባላት ሃገራት ብሓፈሻ ጥልያን ድማ ብፍላይ ኣብ ስርሒታት ምድሓን ሂወት’ቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋታት ዝጎንፉዎም ስደተኛታት ዘመዝግበኦ ዝነበራ ሓገዛት ሻቡ ደው ክብል ገይሩ፥ እቲ ሕብረት ብዘቖሞን ካብቲ እተን ሃገራት በብዉልቀን ዘዉፍረኦም ዝነበራ ባጀት ብዝወሓደ ዝንቀሳቐስን “ፍሮንቴክስ” ብዝጽዋዕ ስርሒት ዝምራሕ ኣሃዱ ኣቊሙ ነቶም ናይ ድሕነት ስርሒታት ክዓምም ሃቂኑ። እዚ ስርሒት እዚ ኣብ ምድሓን ሂወት ስደተኛታት ዘመዝገቦ ዓወታት ኣዚዩ ስሑው ኮይኑ፥ ኣማስያኡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝስዕብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሃስያ ክንኪይ ኣይተራእየን። ኣብ ክራማት ናይ 2015 ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ምስ ሃለቚ ጥራይ እዩ እቲ ሕብረት ካብ ሕንከት ዝተላዕለ ኣብ መሳርዕ ናይ ድሕነት ስርሒቱ ተወሰኻቲ መራኽብ፣ በረርቲን ኣባላት ሓለዋ ባሕሪን ከዛይድ ዝወሰነ።

በዚ ሕንከት ኣዚ ተደፊኡ እዉን እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ማያዊ ገማግም ሊብያ ወተሃደራዊ ኮለላ ከካይድን ኣብ ልዕሊ መራኽብን ነቚጣታትን ኣሰጋገርቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ክፍጽምን ዘኽእሎ ፍቓድ ንምርካብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ድሕሪ ምቕራቡ ካብ’ቲ ባይቶ እወታዊ ምላሽ ተዋሂቡዎ ነይሩ እዩ። እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ዝፈለሞ ወተሃደራዊ ቀይዲ ግና ነዊሕ ኣይሰጎመን። በቲ ኣብ ፈለማኡ ብዘይ ንጹህን ቀያሪን ተበግሶን ዝጀመረ ወፍሪ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ኣሰጋገርቲ ምስ ተኣስሩን ልዕሊ 25 ካብ ነቚጣታቶምን ምስ ተወቕዓን እቲ ወፍሪ ክዝሕትል ተራእዩ። እዚ ንኡስ ወፍሪ ኣይኮነን ግና ነቲ ካብ ሊብያ ዝብገስ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝነከየ። ካብ መፋርቕ 2015 ጀሚሩ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ መርበቡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ሊብያን ግብጽን ድማ ብፍላይ ከስፍሕን ኣብ ምጭዋይን ምስያፍን ስደተኛታት ክነጥፍን ስለዝጀመረ እዩ እቲ ዋሕዚ ሃዲኡን፥ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝኽሰቱ ህልቂታት ድማ ብተዛማዲ ነኪዩን ዝጸነሐ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ጸኒሑ ዝወሰዶ ተበግሶ ፥ ነቶም ብገሃሲ ምሕደራ ዜጋታቶም ዘሳድዱ ዘለዉ ገለ መንግስታት ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ብስም ልምዓታዊ ሓገዛት ልዑል መጠን ገንዘብ ብምቕራብ ፥ ምሕደራኦም ከዐሪዩ ዘይኮነ ዜጋታቶም ካብ ሃገር ንኸውይወጹ ጥራይ ክቚሉፉ ዝመርጽ ውዕላት ክዉን ምግባር እዩ። እዞም ንጠንቂ ስደት ከየጽንዑ ቅልውላው ስደት ከዐርዩ ዝህንጠዩ ውዕላት ግና ንዋሕዚ ስደት ኣብ ምርባሕ እምበር ምግታእ ዛጊት ዘምጽእዎ ጽልዋ የለን። ናይ ቀረባ ኣብነት ንመንግስቲ ኤርትራ በቲ ሕብረት ተቐሪቡ ዘሎ ናይ 200 ሚልዮን ኤሮ ፥ ንመንግስቲ ኤርትራ ከሻድንን እቲ መንግስቲ ህዝቡ ኣብ ምጭፍላቕ ክጥቀመሎም ንዝጸንሑ መሳርያታት ዘግዝፈሉን ስለዝኸዉን ዜጋታት ልዕሊ ካልእ እዋን ናብ ስደት ከቋምቱ ከምዝገብር ኣየማትእን። ኣብዚ እዋን እዚ ዕለታዊ ብፍቕዲ 5 ሽሕ ካብ ሃገር ዘርሕቕ ዘሎ ኤርትራዊ እምበኣር ጉዕዞኡ ናብ ሊብያ የአንፍትን ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጎንፎ ጸገማት ዓይኑ ዓሚቱ ክብድሆ ይመርጽን ኣሎ። ስለዝኾነ እዚ ካልኣይ ተበግሶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምብኣስ ቅልውላው ስደትን ህልቂት ማእከላይ ባሕሪ ገዚፍ ተራ ኣቚዩሙ ኣሎ ማለትዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ቱርኪ ኣቲዩዎ ዘሎ እዋናዊ ውዕል እዉን ነቲ ብመንገዲ ግሪኽ ገዚፉ ዝጸንሐ ዋሕዚ ዝሎጒም እኳ ኣንተኾነ ፣ እቲ መስመር እቲ ዝተዓግቶም ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት እግሮም ናብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ብምምራሕ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ክተሓሓዝዎ ገይሩ ምህላዉ ምግንዛብ የድሊ። ድሮ’ካ ኣብ ገማግም ሊብያ ነቲ ጉዕዞ ክፍትኑ ናይ ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ቊጽሪ ናብ ሓደ ሚልዮን ተቓሪቡ ኣሎ። ምብራቓዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ረጊጠዮን ንዋሕዚ ስደተኛታት በቲ ሸነኽ ገቲአዮን ዝብል ዘሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝእከብ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ ይደራረብ ከምዘሎ፥ ከምኡ ድማ ቊጽሪ ናይቶም በቲ ማያዊ ኣካል ሰጊሮም ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ዘለዉን ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ዝሃልቊ ካልኦት ስደተኛታትን ይዛይድ ምህላዉ ምስ ኣስተብሃለ፣ ካብ ፈለማ ኣዋርሕ 2015 ስደት ንምግታእ ዝወሰዶም ተበግሶታት ውዱቓት ከምዝኾኑ ክርዳእ ይኸዉን።

ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ብዘይካ እዞም ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ሰሙን ሃሊቖም ዘለዉ ኣማኢት ስደተኛታት ዛጊት ልዕሊ 350 ሰባት ነቲ ማያዊ ኣካል እንዳጠሓሱ ሂወቶም ስኢኖም ከምዘለው እዩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IMO) ዝገልጽ ዘሎ። ብስንኪ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ውዱቓት ተበግሶታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝተኣኻኸብን ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልንን ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት እምበኣር ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ’ታ ኣህጉር ዝኣተወ ቊጽሪ ስደተኛታት ዝዕብልል ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣቐዲሞም ካብ ዝተራእዩ ህልቂታት ኣዚዩ ዝዛይድ ቅዝፈት ከኸትል ከምዝኾነ እዩ ብሓያሎ ተንተንቲን ኣመትን ዝግለጽ ዘሎ።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →