Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነትን ነተን ብዋህዮታት ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ስለያዊ ንጥፈታተን ከዛይዳ ይእዘዛ።

By   /  April 4, 2016  /  Comments Off on ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነትን ነተን ብዋህዮታት ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ስለያዊ ንጥፈታተን ከዛይዳ ይእዘዛ።

    Print       Email

ትግርና ወግዓዊ ሎጎ

ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነትን ነተን በብምምሕደር ከባቢአን ዝምልምለንን ዘዉፍረንን ብዋህዮታት ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ንነበርቲ ከባቢአን ልዕሊ ካልእ እዋን ከጽነዓን ከስደዓን ተነጊሩወን ከምዘሎ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣረዲኡ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ራብዓይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ክሳ ተረኺቡሉ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተኻየደን መደባት ስራሕ ዝተዋህበሉን ምስጢራዊ ኣኼባ እዩ እዚ ስለያዊ ንጥፈታት ክኸርር ዝጽዉዕ ትእዛዝ ዝመሓላለፍ ዘሎ።

ኣብ’ቲ ምስጢራዊ ኣኼባ፥ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ክካየድ ዝጸንሐ ስለያዊ ንጥፈታት ከምቲ ዝድለ ኽሕይል ብዘይምጽንሑ ደምበ ተቛውሞ ብኹሉ ሸነኻቱ ተርኒዑ ከምዘሎ፥ ቅድሚ ምጽንባል ብሩራዊ ኢዮቤል መዓልቲ ናጽነት ድማ ነዚ ደምበ ንምውዳቕ ኩሉዓይነታዊ ስጒምትታት ክትግበር እዩ ብፕረዚደንት ኢሳያስ መምርሒ ተዋሂቡ።

እዚ ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ንዋሂዮታት ተዋሂቡ ዘሎ ትእዛዝ እምበኣር ኣካል ናይቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ’ቲ መደባት ስራሕ ዝቐረበ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ወኪልና፥ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ንዝይሕል ዘሎ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ንምቕታል እዉን በቲ ክፍሊ ኪካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታት ዓቕሚ ሰብን መሳርሒ ገንዘብን ተወሲኹሉ ንኽቀላጠፍ ጻዕርታት ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

እዘን በቢምምሕዳር ከባቢአን ተወዲበን ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ንዝወሃበን ስራሕ ዝዓማ ዋሂዮታት ፥ ህዝቢ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ጽምብል ናጽነት ኩሉ ገዲፉ ክዋሳእን ደገፉ ንመንግስቲ ዓጸፋ ከመስክርን ንምድፋኡ ዝተፈላለዩ ሜላታት የተግብራ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብ ከባቢአን ናይ ዝርከቡ ነበርቲ ደገፍን ፖለቲካዊ ኣረኣዪያን እንዳመዘና ጸብጻበን ናብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ብቐጻሊ እየን ዘሕልፋ።

እዚ ብውሑዳት ዋህዮታት ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ምጽንጻን ተግባራት ኣካል ናይቲ ተመሳሳሊ ስለያዊ ስራሓት ኮይኑ ኣብ ዝመጽእ እዋን ብኻልኦት ውዳበታት ስለያ ህግደፍ ማለት ንኡስ ዞባታት ግንባር መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ወጻኢ ጨናፍር ህግደፍ ወዘተ ከነቕርብ ኢና።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →