Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኮርመናዕ ዝርከቡ ተዓለምቲ ናዕቢ ጌሮም።

By   /  April 4, 2016  /  Comments Off on ኣብ ኮርመናዕ ዝርከቡ ተዓለምቲ ናዕቢ ጌሮም።

    Print       Email

ትግርና ወግዓዊ ሎጎ

ካብ መላእ ኤርትራ ተገፊፎም ኮምኡ ድማ ስግረ ዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ተታሒዞም ወተሃደራዊ ታዕሊም ንምውሳድ ተገፊፎም ናብ ኮርመናዕ ዝተባህለ ሓድሽ መዓስከር ዝተወስዱ  ኣስታት 10 ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታትና ኣብ ልዕሊኦም ይፍጸም ካብ ዘሎ ተደጋጋሚ ጭኮናን ግፍዒን ንምምላጥ ብዕለት 31 መጋቢት ብዝወሰድዎ ናይ ምምላጥ ስጒምቲ ኣብቲ ሓለዋ ተፋዊሮም ምስ ዝነበሩ ወትሃደራት ኣብ ከቢድ ረጽሚ ኣትዮም ።

በቲ ዘይተጸበይዎ ኩነታት ዝሰግኡ ኣዘዝቲ ማዓስከር ኮርመናዕ  ኣብ ልዕሊ’ቶም ነዚ ኩነታት ንምፍጻም ተበግሶ ዝወሰዱ ዜጋታት ቶኽሲ ክኸፍቱሎም ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፎም በቲ ዝኸፈቱሎም ተኹሲ ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይፈለጥናዮም ዜጋታት ኣደዳ ሞትን ሞቕሰልቲን ኮይኖ – ሓጋዝን ግላስን ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ ሕክምና ተዓቚቦም ይርከቡ ።

ገለ ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ድማ ነቲ ኩነታት ተጠቂሞም ካብቲ መዓስከር ተሰዊሮም ይርከቡ ።  ድሕሪዚ ፍጻመ ንብርክት ዝበሉ ቅዩዳት ኣብ ሓሽፈራይ ናብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ከም ዘግዓዝዎም ነቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ንምርካብ ድማ ኣብ ኣቚርደትን ባረንቱን ጽዑቅ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ ።

ድሮ ውን ኣብ መስመር ጽርግያ ኣቚርደት – ተሰነይ ሓደስቲ ግዝያውያን መፈተሺ ንቁጣታት ተተኺለን ምህላወን ተሓቢሩ ።

ኮርመናዕ ካብ ከተማ ኣቁርደት ንሸነኽ ምብራቅ ኣስታት 5 ኪሎመተር ርሒቁ ዝርከብ መዓስከር እዩ ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →