Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

እቶም ካልኦት ግዳያት

By   /  April 11, 2016  /  Comments Off on እቶም ካልኦት ግዳያት

    Print       Email

“ናትይ ዝብላ ሃገር ዘኽታም ገይራትኒ።” …. እዚ ዘረባ እዚ ብሕሳስ ልደ ጓሉ ነቲ ንሱን ብጾቱን ብምዃን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጸውዐ`ሞ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ምእሳር ጸዋዕቲ ለውጢ ብ 18 መስከረም 2011 ዝተዳጎነ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ነበር ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሶሎሙን – መኣዛ ጴጥሮስ ዝተዘርበ ተንካፊ ሓረግ እዩ።

ብ 1997 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደት መኣዛ ፡ ጸዋዒ ለውጢ ኣቡኣ ጴጥሮስ ምስ ብጾቱ ኣብ 2001 ብ መንግስቲ ኤርትራ ክእሰር እንከሎ ጓል 4 ዓመት ህጻን እያ ኔራ። ኣብ 2000 ወላዲታ ተጋዳሊት ኣስቴር የውሃንስ ንናይ ክልተ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እያ ዝነበረት። ስለዚ ድማ መኣዛ ንወላዲታ ንመጨረሽታ ዝረኣየትላ እዋን ጓል 2 ዓመት እንከላ`ዩ። ድሕሪ ምእሳር ኣቦኣ ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረት ኣዲኣ ኣስቴር – ንዓኣን ን3 ዓበይቲ ኣሕዋታን ድሕነቶም ንኽወሓስ ናብኣ ክመጹ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ክትሓትት ጀሚራ።

ተጋዳሊት ኣስቴር ንፕረዚደንት ኢሳያስ ደቃ ክትጥርንፍ ከምእትደሊ ዝጠልብ ደብዳቤ ምስ ሰደደትሉ ፡ ካብ`ቲ ፕረዚደንት ዝተዋህባ መልሲ ኣታላሊ እዩ ዝነበረ። “ ሱቕ ኢልኪ ናብ ዓድኺ ተመሊስኪ ኣመት ደቅኺ ግበሪ፡ ዝትንክፈኪ የለን !” ዝብል መልሲ። ኣብ`ቲ እዋን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ ግርማ ኣስመሮም እዉን ናብ ሃገራ እንተተመሊሳ ድሕነታ ሕልው ምዃኑ ብሓሶት ኣረጋገጸላ።

እምበኣር ነቶም ምስ ዝሸምገሉ እናሓጎታቶምን ኣባሓጎታቶምን ዝዝኽትሙ ዘለዉ ደቀይን ክኸዶም ቢላ ድማ ኣብ 2003 ናብ ሃገራ ክትምለስ ተበገስት ፡ ኣስቴር የውሃንስ። ህጻን መኣዛ፡ ወላዲየይ ስኢነ`የ እሞ ሕጅስ ሕቕፎ ወላዲተይ የጸናንዓኒ እባ ይኸውን ኢላ ብህርፍርፎት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣስመራ ምስ 3 ኣሕዋታ እናተጸበየት እንከላ ድማ ፡ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ካብ ነፋሪት እትወርድ ዝነበረት ወላዲታ ሻቡ ሞቚሖም ገጽ ደቃ ከይረኣየት ክሳዕ ሕጂ ብንጹር ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ተወሲዳ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምልክን ዕብለላን ሃሪፉ፥ ነቶም ኣብ ሃገር ዝረኣዩ ዝነበሩ ኩሉንትናዊ ድኻማት መንግስትን ዘይትግባሬ ቅዋምን፡ ክህደስ ክልወጥ ዝጠለቡ ብ ኣርካናት ዝምሰሉ ድሞክራስያውያን ካብ ዝኣስሮም ድሮ 14 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ዝኽትምና ስዒራ እጂ ጓል 18 ዓመት ኮይና ዘላ መኣዛ ጴጥሮስን ኩሉ ኣብ ሃገሮም ሰሪቱ ዘሎ ጸገማት ተረዲእዎም ብዝሓየለ መልክዕ ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣሕዋታን ግና ምስ ዝተበደለ ህዝቦም ኮይኖም ንዝበደሎም ከሳጒጒ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለው።

“ኣብ ድሞክራስያዊ ባይታ ንእትህነጽ ኤርትራ ክብሉ ናይ ዝሓለፉ ሰማእታት ሕድሪ ንምትግባር ደዉ ስለዝበሉ`ዮም ተኣሲሮም።” እዚ ሓው ንሚኒስትር ንግድን ኢንዱስትሪን ነበረ ተጋዳላይ ጸዋዒ ለውጢ ሃይለ ወልደትንሳኤ – ዳንኤል ወልደትንሳኤ ብ 16 መስከረም 2011 ንመደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ዝሃቦ ቃለ መስክርነት እዩ።

ስድራቤትን መቕርብን ጸዋዒ ለውጢ ሃይለ ወልደትንሳኤ ካብ 18 መስከረም 2001 ጀሚሩም ልዋም ለይቲ ከምዘይረከቡ ፍቐዶ ስደትን ማእሰርትን እናኾኑ ድማ ከም`ቲ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ የሕልፉ ምህላዎም`ዩ ዳኒኤል ወልደትንሳኤ ዝገልጽ።

ኣብ ስደት ዝርከብ ወዱ ን ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም- ናትናኤል እስቲፋኖስ ከምዝብሎ እውን፡ ኣርካናት ደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ናጽነት ንዝውህለል ዝነበረ ግጉይ ኣካይዳታት ይተዓረ ስለዝበሉ ከምእተኣስሩ፡ ካብ`ቲ እዋን እቲ ጀሚሩ ድማ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት እቶም እሱራት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋን ጸቕጥን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝርከቡ ኣረዲኡ።

መብዛሕትአን እተን ስድራቤታት ድሕሪ ዝተሓላለኸ ጻዕሪ ናብ ደገ ተሰዲደን`ኳ እንተሃለዋ፡ እተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብጸቕጢ ጉጅለ ኢሳያስ ዝሳቐያ ዘለዋ ስድራቤታት ግና ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተጓንየን ዝነኣሱ ምንቅስቓሳተን`ኳ ኣብ ትሕቲ ክትትል ከምዘሎ`ዩ ናትናኤል ዝዛረብ።

ኣብ ልዕሊ እተን ስድራቤታት እሱራት ዘጋጥሙ ጸገማት ብፕረዚደንትን ብእኡ ዝምእዘኑ ኣባላት ጸጥታን`ዩም ዝሕንጸጹ ። ናይ ርእሲ ማህረምቲ ዝነበራ ወላዲት ናትናኤል እስቲፋኖስ ንሕክምና ናብ ኤውሮጳ ክትገይሽ ፍቓድ ተዋሂብዋ ኣብ ማዕርፎቲ ነፈርቲ እናተበገሰት ብኣባላት ጸጥታ እያ ተኣሲራ ዝተወስደት ።

ናትናኤል ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ንኽመሃር ዘቕረቦም ሕቶታት ቀጻሊ ክንጸጉን ንኣስታት 2 ዓመት ብዘይዝኾነ ትምህርቲ ኮፍ ኢሉ ከሕልፎ ምግዳዱ እምበኣር ፡ ንእሽቶ ኣብነት ናይ`ቲ ስድራቤታታ`ቶም ንለውጢ ጠሊቦም ዝተሞቕሑ ጀጋኑ ዘሕልፍኦ ዘለዋ ጸገማት እዩ።ምብትታን ስድራቤት ምትህልላኽ ምስ ቆልዓ ሰበይቲ መለልዩ ናይቲ ሳዲስት መራሒ ናይቲ ጉጅለን ቁንጣሮ ሰዓብቱን እዩ።

ኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ ክልቲኦም ወለዱ ማለት ተጋዳሊት ኣስቴር ፍሰሃጽዮንን ተጋዳላይ ማሕሙድ ሸሪፎን ተኣሲሮሞ ዘለዉ ግዳይ ኣረሜንነት ናይቲ ምልካዊ ስርዓትዩ። ወለዱ ከርተት ዝበሉላ ሃገር ከምቲ ዝተመነይዎ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ራህዋን ብልጽግናን ዘይኮነስ ጸበባን መከራን ኢያ ሰሊማቶም።ናይ ኢሳያስ ህያብ ንህጻን ኢብራሂም ድማ ግፍዕን ስቅያትን እዩ።

ደቂ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር፥ ጀነራል ዑቕበ ኣብረሃ፥ ኣቶ ጀርማኖ ናቲ፥ ውን ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ገና ኣብ ውሽጢ ሃገር ከርተት ዝብሉን ብጽልእን ስለያን ዝጥመቱን ከም ደቂ ሚኒስተር በራኺ፡ ደቂ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕ፡  ደቂ  ኣምባሳደር ኣድሓኖም፥ ደቂ ሚኒስተር ሳልሕ ኬክያ፥ ደቂ ወይዘሮ ሰናይት ደበሳይ (ብስም እቲ ረሳሕ ኣቦአን ክጽወዓ ከምዘይደልያ ደቂ ሰናይት ፍሉጥ እዩ) ደቂ ኣቶ እድሪስ ኣበዓረ ወዘተ ውን ስቓዮም ይቕጽል ኣሎ። child tears

ምስ ፋሽሽትነት ጠቢቑ ዝለዓል ዝነበረ ስም መንግስቱ ሃይለማርያም’ዩ። እቲ ኣብ ባጽዕ ብቕብጸት ህዝቢ ዜህለቐ፥ ኣብ ሽዕብ ሰባት ብታንክታት ዝረገጸ ፋሺሽታዊ መንግስቱ ግን ምስናይ ኩሉ ኣረመንነቱ ብዉሑዱ ንደቂ ጸላእቱ ወይውን ወለድቲ ጸላእቱ ኣየሳቐየን። ካልእ ይትረፍ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ኣቦይ ኣፍወርቂ ኣብረሃም ኣቦ ናይቲ ደመኛይን ቀዳማይ ጸላኢየይን ዝብሎ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሙኻኖም እንዳፈለጠ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣይሞቕሖምን ጽንጽያ ዓይኖም ኣየንፈረሎምን ። በንጻሩ ኣብ መቐለ ግቡእ ስርሖም እንዳሰርሑ ብሰላም ክነብሩዩ ሓራ ገዲፍዎም። ኮይኑ ድማ ክሳብ ናጽነት ኣብኡ ጸኒሖምስ ምስ ወዶም ተራኺቦም ። ተጋዳላይ ዝነበረ’ሞ ደሓር ናብ ኣስመራ ኢዱ ሂቡ ዝኣተወ ሓዉ ንኢሰያስ ኣማንኤል ኣፍወርቂ ውን ኣብ ኣስመራ መንግስቱ ጽንጽያ ዓይኑ ከየንፈረሉ እዩ ክሳብ ናጽነት ጸኒሑ። ብኣንጻሩ ሓዉ ምስኣተወዩ ነብሰቕትለት ፈጺሙ። መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ 1984 ኣብ ዝተገበረ ስርሒት ኮማንዶ ኣብ ኤርፖርት ዝተሰወአ መብራህቱ ወዲ ረጋሒት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ውን ‘የጀግና ኣቀባበር ይደረግለት’ ማለት ናይ ጅግና ኣቀባብራ ጌርኩም ቅበርዎ ኢሉ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ይሕበር። ተግባራት ናይቲ ምስ ህጻናት ዝተሃላለኽ ጃጃዊ ፕረሲደንት ምስ ምስ ተግባራት ናይቲ ብቕጽል ፋሽሽትነት ዝፍለጥ መንግስቱ ምስእተነጻጽሮ ውን ንመለክዒታት ፋሽሽትነት ዝሰግሮዩ። ሬሳ ናይቲ ን40 ዓመት ምስኡ ዝተጋዕዘ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መሬት ናይታ ዝተጋደለላ ሃገር 1 ሜትሮ ጉድጋድ ዝኸልኣ ኢሳያስ ብመዐቐኒ ናይ መንግስቱ ውን ከይተረፈ ሰፈሩ ኣብ ጫፍ ፋሽሽትነትዩ።

እዚ ምልካዊ ምስሊ ናይቶም ዝቐፈዶም ጀጋኑ ክርኢ ትብዓት ስለዘይብሉ ንመቕርብን ቤትሰብን እቶም ወገናት ልክዕ ከም ቅሙጣት ጸላእትን መጻእቲ ስግኣትን ወሲዱ ክድህኾም ‘ዩ ዝህቅን። ኮይኑ ድማ ኤርትራ ሎሚ 4ይ ወለዶ ራሕሪሕዋ ዝኸይድ ዘሎ ምድረ ሲኦል ኮይና ኣላ።

የግዳስ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክህሉ ዝጠለበ ኣእምሮ ኣብ ሓደ ጸቢብ ጒድጓድ ወይ መንደቕ ዳጒንካዮ ማለት እቲ ንረብሓ ህዝቡ ዝተሓስበ መደብን ኣምራቱን ኣጽኒትካዮ ማለት ኣይኮነን። ድምጺ እዞም ኣርካናት ኣብ`ቲ ተገሊሎሙሉ ዘለዉ ሌጣ ከባቢ ኮይኑ ድምጹ የበርኽ ኣሎ። ዝነቐሉሉ ዕላማን ዝተኣስሩሉ ምኽንያትን ኣብ ልብን ኣእምሮን ዝበዝሐ ህዝብና ሰሪቱ ህዝባዊ ድፍኢት ዘለዎ ሰፊሕ መቐይሩ ኣብ ምስማር ድልድል ኮይኑና ድማ ናብ ትስፉው መጻኢ ተቓሪብና እንሀና።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →