Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኤርትራውያን ዘይነብሩላ ኤርትራ ናይ መን’ያ፧

By   /  April 14, 2016  /  Comments Off on ኤርትራውያን ዘይነብሩላ ኤርትራ ናይ መን’ያ፧

    Print       Email

child tearsናጻ ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ሰባት ዝህልዎም ቀዳማይ መሰል ብህይወት ናይ ምንባር መሰል’ዩ። እዚ መሰል’ዚ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ መሰረታዊ መሰል ደቂሰብ’ዩ። ናይ ምንባር መሰል ብፍቓድ ውልቀሰባት፡ ሕብረተሰብ፡ መንግስቲ ይኹን ሰብስልጣን ዘይውሰድ መሰረታዊ መሰል’ዩ። ዜጋታት ብህይወት ናይ ምንባር መሰረታዊ መሰል ዝረጋገጹሎም ተወሰኽቲ መሰላት ኣለውዎም። ሃገራት ንሰባት ብህይወት ንኽነብሩ ክከላኸላሎም ግዴታ ክህልወን ከሎ፡ ሰባት ድሕነት ዝቕርብ መንግስቲ ክረኽቡ መሰረታዊ መሰሎም’ዩ። ናይ ምንባር መሰል ሰባት እንተተጋሂሱ፡ ዜጋታት ነቶም ሞት ዘስዓቡ ሰባት፡ ትካላት፡ መንግስቲ ይኹን ሃገር ክኸስዎም መሰል ኣለዎም።

መሰል ብህይወት ምንባር ዜጋታት መሰረታዊ መሰል ሰባት ኰይኑ፡ ሃገራት ንኽቘማ ዘድሊ ቀዳማይ ኣብ መንጎ ኣባላት ሕብረተሰብ ዝብጻሕ ስምምዕ’ዩ። ሰባት ህይወት ሓድሕዶም ክከባበሩ ፍቓደኛታት ምስዘይኰኑ ሃገር ክትህሉ ኣይትኽእልን። ሰባት፡ ትካላት፡ መንግስቲ፡ ሃገር መሰል ምንባር ውልቀሰባት ክግህሱ ምስዝጅምሩ፡ እቲ ሃገር ንምቛም ዘድሊ ሰባት ንሓድሕዶም ከይቃተሉ ዝብጻሕ ርድድእ ፈሪሱ ሕብረተሰባት ተዘሪጎም ሃገራት ይፈርሳ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ መንግስቲ ዜጋታት ክቐትል ምስዝጅምር፡ ብቐጥታ ንድሕነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ንስምምዕ ምክብባር ህይወት ኣፍሪሱ፡ ንሃገር ብሓጊ ኣራዊት እትንበር ጫካ ኽትከውን ይቕስባ።

ቅድሚ ሰሙን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝተቐትሉ እሱራት ተዓለምትን ሲቪል ሓለፍቲ መገድን፡ በቲ መንግስቲ ምዃኑ ዝገልጽ ኣካል ህይወቶም ተመንዚዖም፡ ብዘይመኽንያት ሞይቶም ኣለዉ። እቲ ነዚ ስጕምቲ’ዚ ዝወሰደ መንግስትን ዝደናገጹሉ ውልቀሰባትን፡ ብቐጥታ ንመሰል ብህይወት ምህላው ኩሎም ዜጋታት’ዛ ሃገር ስለዝተጻረሩ፡ ነቲ መሰረታዊ መሰል ብምግሃስ፡ ንመሰረት ሃገር ይፍርሱ ኣለዉ። ነዚ መሰረታዊ መሰል ደቂሰብ ብምግሃሶም፡ ንመሰረታዊ ህላወ ኤርትራ ኸም ሃገር ኲናት ከፊቶምሉ ኣለዉ። ብዘይካ ብቐጥታ ምስቲ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባት፡ ካልኦት ሰባት ነቲ ገበናት ምስዝኽሕድዎ፡ ንመሰረታዊ መሰል ምንባር ዜጋታት ብምኽሓድ ኣንጻር ሕብረተሰብ ኤርትራ ገበን ይፍጽሙ ኣለዉ። ሃገራት፡ ሃገራት ክዀና ሰባት ስለዘድልይወንን ዕላማ’ቲ ኹሉ ዝግበር ዘበለ ንህይወት ሰባት ንምጽባቕ ስለዝዀነን፡ መሰል ምንባር ደቂሰብ ዝግህስ ዝዀነ ይኹን ኣካል ኣንጻር ሃገራትን ህዝበንን ኲናት ከምዝኣወጀ ይቝጸር። እቲ ምግሃስ መሰል ምንባር ከም ገበን ክቝጸር ዝሕለፍ ቅጥዒ ቁጽሪ ሰባት የለን። ህይወት ብብዝሕን ዋሕድን ቁጽርታት ስለዘይልካዕ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ዘጋጥም ምጋሃስ ይኹን ኣብ ሓደ ሽሕ ዘጋጥም፡ ብቐጥታ ንኹሎም እቶም ሚልዮናት ዜጋታት’ታ ሃገር ይምልከቶም። ዘይፍትሓውነት ንሓደ ዘይፍትሓውነት ንመላእ ሕብረተሰብ እዩ።

ዜጋታት መሰል ምንባር እንተዘይብሎም ሃገር የብሎምን። ብዘይ’ዚ መሰል’ዚ ካልእ ዝረኸቡ ይርከቡ ኣገዳሲ ኣይኰነን። መዓስ ብቓሕታ ሓደ ዓማጺ ጉጅለ ኽሞቱ ኸምዝኽእሉ ዘይፈልጡ፡ እናተሾቕረሩ ዝካየዱ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር ዝለመሰት፡ ሕብረተሰባ ከም እንስሳ ንማሕረዲ ዝጽበየላ ሃገር’ያ። ከምኡ ስለዝዀነ’ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽ ዝተቐትሉ ደቁ ከይሓዝነሎምን ሓዘኑ ንኻልኦት ከየርድእን ተኸልኪሉ። ጽባሕ ንግሆ ጸሓይ ምስበረቐ ኣእላፍ ዝገጻቱ ማህደር ክጸሓፈሎም ሙኻኑ ረሲዑ ብ 114 ፊደላት ናይ ትዊተር ‘ክልተ ኣገልግሎት ወዲቆም ሞይቶም’ ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎ ንዕቀቱ ክሳብ ክንደይ ዓሪጉ ምህላዉ ኣርእዩ። መሰል ምንባር ህዝቢ ኤርትራ ይግሃስ ምህላዉ ኸይኣክል፡ ሞት እቶም ዜጋታት ከም ሞት ከልቢ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኽርሳዕ ተኣዚዙ።ምንባር ጥራይ ዘይኮነ ሙማት ውን ዝተኸልከለ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ ህዝቢ ኤርትራ።

ሞት ንጹሃት ደቁ፡ ብዘይሓዘን ተዀምቲሩ ከሕልፎ ዝተገደደ ህዝቢ፡ ከም መደበስታ ኣብ ሳልስቲ ናይቲ ግፍዒ ካልእ መሰረታዊ ግህሰት ስዒብዎ። ኣብ ክንዲ ብጥይት ኣብ በረኻ ተደርብዩ ኽንዲ ዝከኣል ቁጽሪ ምእንቲ ኽመውት ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ ኣባይተን ብሓይሊ ጠበንጃ ተገዲደን ምስተጓሕፋ፡ ኣባይተን ብማሽናት ህንጻ ፈሪሱ ኣብ ፈቐድኡ ተደርብየን ኣለዋ።

መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ክሕሉ ዝቐውም ኣካል’ዩ። እቶም ነቲ መንግስቲ ዘቝሙ ሰባት ዝውንንዎ ሓይሊ ብዘየገድስ መንግስትነት ነቲ መሰረታዊ ቅዋማዊ ሓላፍነት ብምስካም ጥራይ ይመጽእ። ንቕዋማዊ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ፡ ንቕዋም ደርብዩ፡ መንግስቲ ህዝቢ ዘሰክሞ ሓላፍነት ደርብዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ገዛኢ ህዝብን ሃገርን ዝገብራ ጉጅለ ምስዝርከብ፡ መንግስቲ ተዓልዩ ማለት’ዩ። ዜጋታት ንመሰል ምህላዎም ዝግህስ መንግስቲ ምስዘጋጥሞም ብዘከኣሎም ዘበለ ተቓሊሶም ክቕይርዎ መሰረታዊ መሰሎም’ዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ኹሉ ውርደት ኣብጺሕዎ ዘሎ፡ ብዘይቅዋምን ብዘይሕግን ኣብ እትናበር ሃገር ይነብር ስለዘሎ’ዩ። ብዘይ ሕጊ ንመሰል ሰባት ኽጣበቕ ዝኽእል መንግስቲ የለን። ብመሰረቱ ሕግታት ዝጸሓፉሉ ምኽንያት፡ ሰባት ንነብሶም ካብ ሓደጋ ሸፋቱ ጉጅለታትን ትካላትን ዝከላኸሉሉ ሜላ ምእንቲ ኽህልዎም’ዩ። ካብቲ ንቕዋም ሽለል ዝበለሉ መዓልቲ እቲ ጉጅለ ከም ጸላኢ ቅዋም ተቘጺሩ፡ ሓይሊ ቕዋም ከይተባሕጐጐ ኸሎ ስጕምቲ ኽውሰደሉ ይግባእ። ክሰርቕን ክቐትልን ምዃኑ እናግለጸ ዝመጽእ ዓማጺ ስለዘየለ፡ ሰባት ንቓላት’ቲ ጉጅለ ከም መወከሲ ክወስድዎ ከምዘይክእሉ ህጻናት’ውን ዘስተውዕልዎ’ዩ። ስለዚ ድማ እቲ ይሓልየሎም ምዃኑ ዝገልጽ ጉጅለ፡ ሃገራውነት እናሰበኸ ንቕዋም ሃገር ከፍርስ እንተተራእዩ ባርያ ክኸውን ዘይምነ ዘበለ ዜጋ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ንመሰሉን መሰል ህዝቡን ክቐውም’ዩ ዝግባእ።

ህግደፍ ካብቲ ብግሁድ ናይ ምልኪ መደቡ ከካይደሉ ዝጀመረሉ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ኣየታለሎን። እቲ ጉጅለ ንቕዋም ሸለል ኢሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጀጋኑ ኣጽኒቱ፡ ኣሽሓት ኣሲሩ፡ ንግድን ኢንዱስትርን ኣዕንዩ፡ ንሞያተኛታት ተጻሪሩ፡ መሰል ኣምልኾ ከልኪሉ፡ መንእሰያት ሰጒጉ፡ ቃሕ ዝበሎ ቐቲሉ’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉጅለ ይትረፍ ሕጊ ኸኽብር፡ ስም ሕጊ ንዝጠቐሱ እናቐንጸለ’ዩ ዝናበር። ህግደፍ፡ ንስኽፍታ’ኳ ንህዝቢ ኤርትራ ከየታለለ’ዩ ኩሉ ንህላወ ሃገር ዝጻረር መደባቱ እናተግበረ ንቕዋም ኣብ ማዕከናት ዜና ኸይትረፈ ኣላጊጹሉ።

እቶም ብዘይቅዋም ንዝናበር፡ ንዜጋታት ናብ ባራዩ ዝልውጥ ለዊጡ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ዝቐትሎም ህግደፍ ዝደልይዎ ወደስቲ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ካልእ ሕብረተሰብ ከይዶም ንነብሶም ከም ባራዩ ኽሸጥዋ ይኽእሉ’ዮም። ክቡርን ሕፉርን ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብ ማእከል ከተማ ተቐሚጦም እናቐተሉ ብዝዝርፍዎ ሸፋቱ ዝምርሓሉ ዘመን የብቅዕ’ዩ ዘሎ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →