Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስለያ መንነቶም ብዘይተፈለጠ ሰባት መጥቓዕቲ ተፈጺሙ

By   /  April 13, 2016  /  Comments Off on ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስለያ መንነቶም ብዘይተፈለጠ ሰባት መጥቓዕቲ ተፈጺሙ

    Print       Email
ተቃውሞታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እንዳ ሓየለ ይመጽእ ኣሎ ።  ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት  ወትሃደራዊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነትን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ።
እዞም ኣብ ሓደ ባር ኮፍ ኢሎም መስተ ዝሰትዩ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነቲን ወትሃደራዊ ስለያን ዝኾኑ ሰባት ካብ መንነቶም ዘይተራጋገጹ ሰባት ናይ ኢድ ቡንባ ከም ዝተደርበየሎም ሻቡ ከቢድ ዝኾነ መቁሰልቲ ገጢምዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቂቦም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ።
ብፍላይ ካብቶም ዝቆሰሉ ኣባላት የማነ ገብረሚካኤል ዝተባህለ ሓላፊ ወትሃደራዊ ስለያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ስለዝቖሰለ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሰምበል ከም ዝተላእከ ክሕበር ከሎ ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ድማ ፈኩስ መጉዳእቲ ስለዘጋጠሞም ኣብ ተሰነይ ዝረከብ ሆስፒታል ተዓቁቦም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ።
 ብመሰረት ዝበጸሓና ሓብሬታ እቲ ፍጻመ ከባቢ ሰዓት 10፡30 ናይ ምሸት ከም ዘጋጠመን ብልክዕ ነቲ ቡንባ ዝደርበይዋ ሰባት መንነቶም ክፍለጥ ብዘይምኻኣሉ ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ብኣባላት ወትሃደራዊ ስለያን ሃገራዊ ድሕነቲን ተለቒሞም ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ ።
    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →