Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ እምኒ ደው ኢልካ ኣይንዋሕን።

By   /  April 4, 2016  /  Comments Off on ኣብ እምኒ ደው ኢልካ ኣይንዋሕን።

    Print       Email

ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ብምፍርራሕ ነቲ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እትእክቦ ምስክርነታት ግፍዕታት ህግደፍ ክብርዝ ዝፍትን ዘሎ ህግደፍ፡ ነቶም ሒደት ተሪፎሞ ዝነበሩ ዝመሻኸኑሉ ዜጋታት ክኸስሮም’ዩ ዝቃረብ ዘሎ። መብዛሕትኦም ንህግደፍ ክሳዕ ሕጂ ክድግፍዎ ዝጸንሑ ዜጋታት ኣብ መጻኢ ለውጢ እንተኣርኣየ ብዝብል ተስፋ እምበር፡ ህግደፍ ኣእዳዉ ካብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ነጻ ከምዝዀነ ብምእማን ኣይኰነን። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋፍዕን ሃገር ዝርምስን ዘሎ ህግደፍ ካብ ስልጣን ምስዝእለ ንዝፍጠር ክፍተት ዝሽፍን ኣተኣማማኒ ዓቕሚ ተቓውሞ ከምዘይተበጽሐ ስለኣመኑ’ዮም ንግዚኡ እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን እንተተገድፈ ይሓይሽ ይኸውን ዝብል ግምታት ጸኒሕዎም። እቲ ኣብታ ህግደፍ ብዝተፈላለየ ሜላታት ሓዊ ኣሳዊሩላ ኽዕዘር ዝጽበየላ ዘሎ ሃገር ድሕሪ ለውጢ ብዝመጽእ ናይ መሪሕነት ክፍተት ክስዕብ ዝክእል ቀውሲ፡ ነቶም ተወሳቒ ስቓይ ህዝቦም ክርእዩ ዘይደልዩ ዜጋታት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ኹነታት ንላዕሊ ኣሻቓሊ ዀይንዎም’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ እምኒ ደው ኢልካ ዝንዋሕ ዝመስሎ ህግደፍ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ከደናግር ኢሉ ዝገብሮ ወፍርታት ቅድሚ ኻልኦት ባዕሉ ስለዝኣመኖ፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ተማእዛዝነት ንመግዛእቲ ነቲ ምልኪን ባርነትን ዘለዎም ፍቕሪ ምዃኑ’ዩ ክኣምን ጸኒሑ። ንለውጢ ዝምልከት ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ስምዒታት ኩሉ ግዜ ናብ መጻኢ ኣርሒቑ ስለዝጥምት’ዩ፡ ዜጋታት ዘተኣማምን ድሕሪ ለውጢ ክትከል ዝኽእል መንግስቲ ከይተራእየ ነዚ ጉጅለ ፋሉላት ክኣልይዎ ከይመረጹ ጸኒሖም። ክንዲ ዝተደናገሩ ይደናገሩ፡ እቶም ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ዝመስሉ ዜጋታት ንሞት በዘይካ ከም ሞት ከም ካልእ ክርእይዎ ኣይክእሉን’ዩ። ስለዚ ድማ እቲ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ኣብ በይኖም ጥራይ ክዛረቡሉ ዝጸንሑ ግህሰታት የብቅዕ ዝብሉሉ መዓልቲ ኣኺሉ’ዩ። ንኹሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ እንተላይ ኣብ ስደቶም ዝስዕቦም ዘሎ ውርደት ርእዩ ከም ምልክት ብቕዓት ዝዀነ ይኹን ጉጅለ ሰባት ክርእዮ ዝኽእል ሰብ የለን።

ሓይሊ ለውጢ ይብርትዕ ከምዘሎ ብምስትብሃሉ ኣብ ራዕዲ ዘሎ ህግደፍ ሕቡእ ባህርያቱ ክቖጻጸር የጸግሞ ስለዘሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ዜጋታት እንተላይ ነቶም ደገፍቱ ዝመሰልዎ ዘህድመሉ ዘሎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ደገን ኣብ ወጻእን ምስቲ ዝርአ ዘሎ ዕዉት ውዳበታት ደሞክራስያውያን ምንቅስቓሳትን ኣገደስቲ ዞባዊ ዓወታቱን፡ እዚ ዘሎ ምልኪ ዝእለየሉ መዓልቲ ከምዝኣኸለ ፈሊጡን ተቐሪቡሉን ኣሎ። ብዛዕባ’ታ ዝሓልየላ መንግስቲ ስለዘይብላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚተ ሰዲዱ ጉዳይ ግህሰት መሰላት ዜጋታታ ዘጽንዓላ ዘሎ ኤርትራ ንዝተበጽሐ ኣህጉራዊ ንጹር መደምደምታት ንምብርዓን ህግደፍ ዘበገሶ ወፍሪ፡ ነቶም ዝተበደሉ ዜጋታት ባዕላቶም ከምዘይተበደሉ ከምዝምስክሩ ምግባር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክሳዕ መዓልቲ ቀብሩ ብድንቁርናን ስስዕትን ዘሳስይዎ ውሑዳት’ኳ ዘይሰኣኑ እንተዀኑ፡ ትዕቢት ዝመልኦ ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ በደል’ቲ ምልኪ ዘይበጽሓ ስድራቤት ከምዘይትህሉ ኣረጋጊጹ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ለውጢ ከየምጻእካ ብናይ ቃለመሕትት፡ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ሰሚናራትን ሓሶታት ብዝህነጽ ምስሊ ንኹሉ ሳዕ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ። ሓሶት ከምቲ ኣመጻጽኣኡ ኣጠፋፍኣኡውን ካብ ባዶ ናብ ባዶ ስለዝዀነ፡ ብገዛእ ሓሶቱ ዝታለል ውልቀመላኽን ተለኣኣኽቱን መጸግዒ ዝስእኑሉ መዓልቲ ኣትዩ’ዩ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ወጻኢ ንዘይተርፍ መኽንያታት ክብሉ ምውሳን ስኢኖም ነቲ ወረቓቕቲ ምስክርነት ሓሶት ዝመልእዎ ዜጋታት’ውን ድሮ እቲ ዝመልእዎ ቅጥዒ ኣንጻር ድላዮምን ሓሶትን ምዃኑ በብመገድታቶም ናብታ ኮሚተ መልእኽታት ይሰዱ ኣለዉ። ንነባሪት ኤርትራ ኽብድልዋ ዘይደልዩ ኩሎም ዜጋታት ብሕጂውን ነቲ ብኤምባሲታት ህግደፍ ተገዲዶም ዝመልእዎ ቅጥዕታት ዘበርዕን ደብዳቤታት ናብ መርማሪት ኮሚተ ምስዳድ ክቕጽልዎ’ዮም። ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝመስል መልእኽታት ምንጻግ ናይቲ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣብ ኤምባሲታት ዝተመልአ ግዱድ ምስክርነታትን፡ ምርጓድ ጸብጻብ በደላት ህግደፍን’ዩ ክኸውን። ኣብ ምኻዱውን ይኹን ለውጢ ከምጽእ ፈቲኑ ከጽንሖ ዘኽእሎ ቅንጣብ ኣኽብሮት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ’ዩ እቲ ስርዓት ነቶም ደገፍቱ ዝመስሉ ዝነበሩ ከይተረፈ ኣጋፊዑ ኣንጻር ሕልናኦም ዘመስክሮም ዘሎ። ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ብተንቃሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ ናይ ናእዳ ቃል ምስዘይህቡ ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ እንተፈራርሑ ድሕሪ ናይ ስርሓ ሰዓታት እንተጸውዑ ይስኣሉ ኣለዉ።

ኤምባሲታት ይኹና ክፍሊ ገያሾ ከም ኣካኣት መንግስቲ ኤርትራ ንዝዀነ ይኹን ዜጋ ማዕረ ኣገልግሎት ክህባ ዝግደዳ’ኳ እንተዀና፡ ንህግደፍ ጥራይ ዝውክላ ትካላት ኰይነን እየን ዝሰርሓ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ መንፈሳዊ እምነት፡ መጠን ርእሰማልን ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዜጋታት ከምቲ ንሳቶም ቀስ ኢሎም ከሳቕይዎ ዝመርጽዎ ካልእ ዜጋ ምስዘይከውን፡ ኤምባሲታትን ክፍሊ ገያሾን ኣገልግሎት ኣይህብኦምን። ንፍቕሪ ሃገሮምን ንፖሊሲታት ህግደፍን ብግርህነትውን እንተዀነ ክድግፉ ዝጸንሑ ብዙሓት ዜጋታት ግን ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሃገር ምፍቃርን ንህግደፍ ምድጋፍን ክቀራረቡ ዘይክእሉ ኣርእስታት ምዃኖም ኣጸቢቖም ፈሊጦም’ዮም።

ምስ ከም ዋዕላ ናይሮቢን ርክብ ፍሉይ ልኡኽ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን፡ ህዝቢ ድሕሪ ለውጢ ክመጽእ ንዝኽእል ሃጓፍ በቲ ቅርጺ መንግስቲ ዝጠልቦ ኣገባብ ንምምላእ ዓቕሚ ከምዘሎን፡ ደገፍ ብዙሓት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ቓልሲ ምዃኑን የስተውዕል ስለዘሎ፡ ህግደፍ ከም እንኮ ኣማራጺ ንቐጻልነት ሃገር ዝነበሮ ቦታ ይኸስሮ’ዩ ዘሎ። እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ውሑዳት ደገፍቱ እንተስኢኑ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ንውልቀመላኽን ንጐሓላልኡ ካብ ቁጥዐ ህዝቢ ዝከላኸለሎም ሓላዊ ውን ክስኣን ይኽእል’ዩ።

ህግደፍ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ንምዕራይ ካብኡ ዝዓቢ ጌጋታት እናፈጸመ፡ ነቶም ኣማራጺ ዘየሎ መሲልዎም ኢሕ እናበሉ ዝድግፍዎ ዝነበሩ እናርሓቐ፡ ምስ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ገበን መሻርኽቱ እናተፈሓፍሐ፡ ባዕሉ’ዩ ብቕልጡፍ መዓልቱ ቐብሩ ዘቃርብ ዘሎ። እቲ ካብ ዘድሊ 15 ዓመታቱ ዝኣክል ዘሎ ለውጢ ንዘልኣለም ብዘይነብሩ ሰባት ንዘላኣለም ክዕገት ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብግርህነቱ ተዓሚጹ መዋጽኦ ዝሰኣነ ክመስል ዝጸንሐ ሓፋሽውን ነዝልኣለም ርዒዱ ኣይነብርን’ዩ። ለውጢ ክመጽእ ዘይተርፍ ነገር፡ ህግደፍ ዝከኣሉ ለኻኺሙ ክኸይድ ክፍትንውን ማዕረኡ ዘይትረፍ ነገር’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ እዚ ዘሎ ጉጅለ ፋሉላት ንሃገር ለኪሙ ናብ መቓብሩ ዝኣቱ ነቲ ምልኪ ብምእላይ መጻኢኡን ውሕስነት ሃገሩን ከረጋግጽ ከምዝኽእል ይፈልጥ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →