Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ እምባትካላ ‘ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቓዕ’ ዝብል ሰሚናር ይካየድ።

By   /  April 9, 2016  /  Comments Off on ኣብ እምባትካላ ‘ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቓዕ’ ዝብል ሰሚናር ይካየድ።

    Print       Email

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገር ንዝተዋጽኡ ላዕለዎት ካድረታት ህግደፍ – ሓደስቲ መምርሒታት ንምሃብ ዝዓለመ ኣኼባ ኣብ እምባትካላ ይካየድ ኣሎ። እቲ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ብምስጢር ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ተመሓላሊፉም ካብ ዘለዉ መደባት ስራሕ ንምትግባር ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ውድባዊ ጉዳያትን ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፥ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፥ ሓላፊ ባህላዊ ጉዳያት ኣቶ ዘምህረት የውሃንስ በብእብረ ተመሪሑን ሓለፍቲ ጨናፍር ህግደፍ ካብ 6ሽቲኤን ዞባታትን ናብ ሃገር ዝተጸዉዑ ወከልቲ ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትራን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ዝመያየጠሎም ዘሎ መደባትን መምርሒታትን ብቐንዱ ናብ ደምበ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ዘነጻጸሩ ከምዝኾኑ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

ወኪልና ምስ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ተራኺቡ ኣብ ዘመሓላለፈልና ሓበሬታ፥ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከቡ ላዕለዎት ካድረታት ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ሩሁው መጻኢ ይቃረብ ከምዘሎ ብምጒስስጓስ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጽለኣት ኣበሪዂ ምስ ንሓርነቱን ንመሰሉን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቛውሞ ተጸጊዑ ዝርከብ ህዝቢ ካብቲ ደምበ ንምርሓቚ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ዓቲብካ ንምስራሕ ዘኽእሉ መንገዲታትን መምርሒታትን ኣብ’ዚ ኣኼባ ብቐጻሊ ይዝረበሎም ምህላዉ ክርዳእ ተኻኢሉ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፥ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማለት ሶሺያል ሚድያ ዝሕይል ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምኹላፉ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዘለዎ ፥ ድምበ ተቛውሞ ፍሹል ድምበ ምዃኑ ንምእማን ድማ ንገለ ነቲ ኤርትራዊ ዝቃለሰሉ ደምበ ከም ሽፋን ወሲዶም ንሰማእታትን ገድልን ዘናሹ ዝተዛረብዎም ቅጽላትን ዝጸሓፍዎም ዓንቀጻትን ኣብ’ቲ ኣኼባ ክቐርብ ተገይሩ ንሞራል እቶም ኣኼበኛታት ካድረታት ንምዝያድ ከምእተሃቀነ ተፈሊጡ።

ብፍላይ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ፥ “ዕላማ ተቛውሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ኣስተምህሮኡ ቃልዕ ዘረባ ዝበዘሖን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደንበ ተቛውሞ ኣንቢርዎ ዘሎ ስግኣትን ጽለኣትን ብግህዶ ዘንጸባርቕን እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደየዉሃንስ ፣ ኣቶ የማነ ገበረኣብ፣ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብረሃ ካሳን ካልኦትን ኣብ ምዝዛም ወርሒ መጋቢት ብፍሉ ይኣኪቡ ኣብ ዝሃቦም ሓድሽ መደባት ስራሕ ፥ ደምበ ተቛውሞ ካብ ዝዓበዩ ብድሆታት ተወሲዱ ነቲ ድምበ ቅድሚ ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቤል ንምውዳቚ ኩሉዓይነታዊ ጻዕርታት ክትግበሩ ኣዚዙ ምንባሩ ይዝከር።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →