Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣባላት ክፍሊ ፋይናንስ እዚ ምዕራብ ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ሒዞም ተሰዊሮም

By   /  April 20, 2016  /  Comments Off on ኣባላት ክፍሊ ፋይናንስ እዚ ምዕራብ ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ሒዞም ተሰዊሮም

    Print       Email

bankክልተ ኣባላት ክፍሊ ፋይናንስ ናይ እዚ ምዕራብ ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ሒዞም ከምእተሰወሩ ተፈሊጡ።

እዞም ብዕለት 15 ሚያዝያ ብትእዛዝ ሓለፍቶም ኣብ ዘይምዱብ ግዚኡ ነቲ ገንዘብ ካብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጨንፈር ባረንቱ ከውጽእዎ ዝተኣዘዙ ኣባላት ፋይናንስ እዚ ምዕራብ ፍስሃየ ይትባርኽን ተሾመ ጊላዝጊን ዝተባህሉ ኮይኖም ነቲ ገንዘብ ናብ ሓለፍቶም ቅድሚ ምርካቦም እዮም ተሰዊሮም።

እዚ ምዕራብ እቶም ክልተ ኣባላት ከምዝተሰወሩ ምስኣረጋገጸ ካብ ተሰነይ  ክሳብ ኦምሓጀር ዝዝርጋሕ ዶብ ናይ ምዕጻውን ብሄሊኮፕተር እተሰነየ ኮለላን ከምዘካየዱ፥ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናብ ድሕሪት ኣቕኒዖም ከይኮኑ ብምጥርጣር ክሳብ ከባቢ ቃሩራ ተፍትሽ ከምዝተፈተነ ይኹን ግን ዛጊት እቶም ክልተ ሰባት ክርከቡ ከምዘይተኻእሉ ተፈሊጡ።

እቲ ገንዘብ ንምንታይ መዓላ እዩ ክወጽእ ተኣዚዙ ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘየለ፥ ብሰንኪ እዚ ፍጻመ ካልኦት ተኸታተልቲ ናይ ምትሕትታትን ግጭታትን ተርእዮታት ኣብ መንጎ ሓለፍቲ እዚ ምዕራብ ተኸሲቶም ምህላዎም ተፈሊጡ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →