Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሃቦ ገንዘባዊ ሞቚሽሽ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ከምእተወስደ ምንጭታትና ኣቃሊዖም

By   /  April 9, 2016  /  Comments Off on ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሃቦ ገንዘባዊ ሞቚሽሽ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ከምእተወስደ ምንጭታትና ኣቃሊዖም

    Print       Email

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቶም ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወስዱ የመነውያን ዝዕልሙ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሃቦ ገንዘባዊ ሞቚሽሽ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ከምእተወስደ ምንጭታትና ኣቃሊዖም።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቶም ኣብ ምዕላም የመናውያን ወተሃደራት ተዋፊሮም ዘለዉ ዓለምትን ስታፍን ምክልኻል ኤርትራ ዝወሃብ ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እኳ እንተኣረከበ ፥ ናብ ኢድ እቶም ዓለምቲ ዝበጸሐ ገንዘብ ከምዘየለ፥ እቶም ዓለምቲ ነፍሲ ወከፎም 2 ሽሕን 500ን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተቐበሉ ክታሞም ከንብሩ በቲ ቤት ጽሕፈት ተገዲዶም ድማ ግዱድ ክታሞም ዘስፈረ መዝገብ ናብ መንግስቲ ስዕዲ ዓረብ ከምዝተሰደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኪሎማ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ብ 30 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነስረዓት መመረቕታ የመናውያን ወተሃደራት ዝተሳተፉ ወተሃደራውያን መኮንናት ስዑዲ ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዓላሚን ኣባላት ስታፍ ናይቲ መዓስከርን 2 ሽሕን 500 ዶላር ኣሜሪካ ክባጸሖም ዘረድእ ሰነድ ኣብ’ቲ ስነስረዓት ንዝተረኽቡ ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብጺሖም ምንባሮም እዮም ምንጭታትና ዘረድኡ ።

እቲ ብመንግስቲ ስዑዲያ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሞቚሽሽ ን ከባቢ 35 ዝኾኑ ዓለምቲን ኣባላት ስታፍን ክመቓራሕ ዝተመደበ እዩ ነይሩ።

ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ንዝተዋህባ ቦታ ኣብ ምጽራይን ካብ መራኽብ ጽዕነት ኣብ ምርጋፍን ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሰብ ውዕለት መርኣያ ትጉህነቶም ልዕሊ 50 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከም መቚሽሽ ዘበርከተቶ ገንዘብ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ምምንዛዑ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ መንግስታት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኤማራትን ናብ ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ የመናውያን ወተሃደራት ዝለኣኽ ወተሃደራዉን ንዋታዉን ሓገዛት ክሰርቕን ብዝኣረጉ ንብረት ክልዉጥን ይረአ ከምዘሎ እዉን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →