Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ንባብን ነበብትን ዘይሰማምዕሉ ጽሑፍ

By   /  April 2, 2016  /  Comments Off on ንባብን ነበብትን ዘይሰማምዕሉ ጽሑፍ

    Print       Email

ኣህጉራዊ ኮንፈደሬሺን ሞያዊ ማሕበራት (ITUC) ብውህደት ክልተ ኣካላት ማለት ኣህጉራዊ ኮንፈደሬሺን ናጻ ንግዳዊ ማሕበራትን ዓለማዊ ኮንፈደሬሺን ዕዮን ኣብ ቬና ኦስትርያ ብሓደ ሕዳር 2006 ዝተመስረተ ማሕበር እዩ። እዚ ትካል እዚ ብመገዲ 328 መሓዙት ማሕበራት ኣስታት 176 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ይሓቁፍ። ካብዚኦም ኣስታት 26.000 ኣቢሎም ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ዝተሓቑፉ ኤርትራውያን እዮም።

ኣብ 2015 እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ መሐበሪ ተርታ ድሕነትን ውሕስነትን ሰራሕተኛታት፡ ኤርትራ፡ ንማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍርቃ ተኸቲላ፡ ካብተን ዝደሓራ መሰላት ሰራሕተኛታት ዘየኽብራ ሃገራት ኮይና ተመዝጊባ ኣላ። ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን፡ ሲርያን ከኣ ካብ ኤርትራ ዝሓሻ ተባሂለን ግን ከኣ ኣብ መስርዕ እተን መሰል ሰራሕተኛታት ዘየኽብራ ዝተሓታ ሃገራት ተሰሪዐን ይርከባ።

ከም ኣውስትሪያ፡ በልጂም፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ፍራንስ፡ ኢታሊ፡ ሊትዋንያ ኔዘርላንድ፡ ስዊደንን ኡራጉዋይን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ምስተን ድሕነትን ውሕስነትን ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕላው ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ ከም ዝበሃል ግን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ምስሉ ንምቅንጃው፡ ምስዚ ዓለማዊ ትካል እዚ ብምትሕብባር ካብ 24-25 መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ከምዘካየደ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ከመይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘካተተን እውን ሪፖርታጅ መልክኣ ውዳሰ ተጻሒፉሉ ኣሎ። እቲ ሪፖርታጅ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ሓለፍቲ ሃገራዊያን ማሕበራት፡ ኣምባሳደራት፡ ወከልቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝነጥፋ ኣህጉራዊያን ውድባትን ዕዱማትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፡ ነቲ ንሰራሕተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታትን ጸገማትን ብሓባራዊ ቃልሲ ንምምካቱ ቃል እናኣተዉ መዝሙር ሓድነቶምን ምሕዝነቶምን ብዓውታ እናዘመሩ ነቲ ዋዕላ ከምዝኸፈቱዎ ይገልጽ።

እዚ መግለጺ እዚ፡ እትረፍ ልቦናን ሕልናን ዘለዎ ኤርትራዊ፡ እቲ ዝጸሓፎን ብቓላት ዝቐብኦን እውን ዘጋቢ እውን ዘይኣምኖ፡ ንጓኖትን ኣጋይሽን ከዐሹ ዘይኽእል መልክኣ ውዳሰ እዩ። እቶም ኣጋይሽስ እኳ ብሰናይ ድሌትን ባህግን ዘሚሮም ይኾኑ፡ እቶም ብዘይ ንቡር መሰልን ግቡእ ክፍሊትን ሰራሕተኛታት ሃገር ዝረግጹን ዘበሳብሱን ዘለው ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ” ንሰራሕተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገምን ብደሆን ብሓባራዊ ቃልሲ ንምምካቱ ቃል እናኣተው መዝሙር ሓድነትን ምሕዝነትን ዘሚሮም!” ዝበሃል ዘረባ ግን ገና ብህይወት ሰራሕተኛታት ሃገር ምልጋጽ እዩ።

መቕድም ቅዋም ኣህጉራዊ ኮንፈደሬሺን ሞያዊ ማሕበራት (ITUC)፡ መትከልን ፈለግን እቶም ማሕበራዊ ፍትሕን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሰራሕተኛታት አህዛብ ዓለም ከረጋግጹን፡ ልዕልናን ግዝኣተ ሕግን፡ ሰብኣዊ ሓርነትን ክብረትን፡ ከምኡ እውን ደሞክራሲያዊ ማዕርነት ንከውሕሱ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምርግጋጽ መሰልን ክብረትን፡ ክቡር ዋጋ ከፊሎም ናይ ዝሓለፉ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰራሕተኛታት ዓለምና ኣሰር ከምዝኽተል እዩ ዝገልጽ።

ኣብዚ መቕድም እዚ ተገሊጹ ዘሎ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ሰብኣዊ ክብረትን ሓርነትን፡ ደሞክራስን ማዕርነትን ዝበሃል ኣምራት እምበኣር ኣብ ኤርትራ ምትሃት መልኣከ ሞት እዩ። እትመሓደረሉን እትምራሓሉን ሃገራዊ ቅዋማ ዝተሰርቃ ሃገር፡ ጠለምቲ መብጽዓ ግዝኣተ ሕጊ ረጊጾም ብሕጊ በረኻ ዘመሓዱሩዋ ሃገር፡ መሰልን ክብረትን ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ረጊጾም መሰል 26.000 ኣብቲ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓቶም ሃኮሰአ ዝተጠርነፉ ሰራሕተኛታት ከኽብሩ ምጽባይ ካብ ብዕራይ ምራኽ ከም ምጽባይ እዩ ዝቑጸር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ” ተራ ማሕበራት ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ህንጸት ቊጠባ፡ ሰላምን ምዕባለን ልዑል ከምዝዀነን ኤርትራ ንዘለዋ ጸጋታት ንዜጋታታ ብማዕረ ከምእተመቓርሕን ድኽነት ንምውጋድን መነባብሮ ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላ ንተጋባእቲ ከምዝሓበሮም እቲ ሪፖርታጅ ሓቢሩ ኣሎ። ወዮ ደኣ ነገሩ፡ ጌሽክን’ዶ ትምለሳ ምኪኤለ ገብርኤል ተባእሳ ኮይኑ እምበር እዚ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ነጽዩ ሃገር ዘብርሕ ዘሎ ስርዓተ ህግደፍሲ ንህዝቢ ዶቒሱን ረሚሱን ኣድክዩዎን ኣደኽዲኹዎን እዩ ዘሎ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽ ሞያውያን ማሕበራት፡ ሚስተር ዊሊንግተን ቺበበ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲን ጸጋታትን ዝወቀበት’ኳ እንተዀነት፡ ብሰንኪ ደጋዊን ውሽጣዊን ዝጠንቆም ሓድሕዳዊ ግጭታት፡ ብልሽውና፡ ዘይጽፉፍ ምሕደራ፡ ምቕዳም ውልቃዊ ረብሓ መራሕታን ካልእን፡ ንጸጋታታ ክሳብ ሕጂ ክጥቀመሉ ከምዘይክኣለት ሓቢሩ። እቲ ሓቂ እምበኣር ኣብኡ እዩ ዘሎ። መራሕቲ ህግደፍ ካብዚ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽ ሞያውያን ማሕበራት፡ ሚስተር ዊሊንግተን ቺበበ ዝበሎ ከምልጡ ኣይክእሉን እዮም።

እዛ ን30 ዓመታት ተቓሊስና ካብ መግዛእቲ ናጻ ዘውጽእናያ ኤርትራ፡ ዋላኳ ዘነይት እንተዘይኮነ ንህዝባ ኣኺሉ ዝተርፍ ባህርሪያዊ ሃብቲ ኣለዋ። ግን ካብ ረብሓ ህዝቢ ውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐደሙ፡ ካብ ሓልዮት ህዝቢ ሓልዮት ስልጣኖም ዝዓጦም መራሕታ ብብልሽውና ንዋይን ስልጣንን ተቖማጢዖም ንኤርትራ ይሕምሱዋ ኣለው።

ኤርትራና ቅኑዕን ብቑዕን ምሕደራን ኣልያን እንተትረክብ፡ ልዕልን ትሕትን ምድሪ ብዝርከቡ ማዕድናታ፡ ልዕሊ 100 ኪሎሜተር ብዝዝርጋሕ ገምግም ባሕራ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ በብዓይነቶም ዓሳታታ፡ ብምቹእ ባህሪያዊ ክላይመታ፡ ብሃብቲ ጥሪታን ዘራእታን ህዝባ ብመግቢ ነብሱ ክኢሉስ ንዝተጸገሙ እውን ምደገፈ ነይሩ። እነሆ ግን ሃገርና ከምዚ እንርእያ መላገጺ ውሑዳን ብህርፋነ ስልጣን ዝዓበዱ ረገጽቲ ሕድርን መብጽዓን ኮይና ትርከብ ኣላ።

እቲ ዋዕላ፡ ምዕዛዝ ምሕዝነትን ሓድነትን ሞያዊ ማሕበራት፣ ምኽባርን ምውሓስን ሰብኣዊ መሰላትን ምሕያልን ሞያዊ ማሕበራትን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግዱድ ዕዮ ንምውጋድ ግብራዊ ስጒምቲ ምውሳድ፣ ምቕሉል ናይ ስራሕ ኣጀንዳ ኣተኣታቲኻ ብኣድማዕነት ምስፋሑን፣ ከምኡ እውን ንዘይተጻዓድነት መንፈስ ኤርትራዊያን ሰራሕተኛታት ምድጋፍ ዝብል ዕላማ ከምዝነበሮ ተጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ሓሳብ ቅዱስን ቅቡልን እኳ እንተኾነ እቲ ን25 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ህዝቢ ዝገዝእን ሃገር ዘመሓድርን ስርዓት ብኸመይ መገዲ እዩ ድሌትን ባህግን ሰራሕተኛታትን ህዝብን ከረጋግጽ ዝኽእል ዝብል ሕቶ እምበኣር ንኣህጉራዊ ኮንፈደሬሺን ሞያዊ ማሕበራት (ITUC) ዓቢ ብደሆ ከምዝኾኖ ኣየጠራጥን እዩ። ስለዝኾነ እውን እዩ ኣብቲ ኣብ 2015 ዘዳለዎ መምዘኒ ተርታ መሰልን ክብረትን ሰራሕተኛታት ዓለምና፡ ንኤርትራ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጭራ መበል ካልአይቲ ዝሰርዓ። ስለዝኾነ እዚ ኣብ ኣስመራ እተወደበ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ሰራሕተኝታት ዝተሳተፉዎ ናይ ምሕዝነትን ዝርርብን ዋዕላ፡ ንሰበስልጣን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ነቶም ኣጋይሽን ነቶም ኣጋይሽ ዘአንገዱ ደቂ ዓድን ሓደን ኣገዳስን መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ኤርትራና ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ቀረባ መጻኢ፡ እቲ ከም መንድዓት ኣብ ሑቖኣ ተጻዒኑዋ ዘሎ ምልኪ ተቦርቂቝ ምስተኣልየ፡ ኩሉ ትካላታ፡ በቲ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝደልዮን ዝምነዮን ንቡርን ሕጋውን መገዲ ክሰላሰል ምዃኑ እዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →