Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኤርትራ ምህዳን ነጋዶ ይቕጽል

By   /  April 29, 2016  /  Comments Off on ኣብ ኤርትራ ምህዳን ነጋዶ ይቕጽል

    Print       Email

spyኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት ዘይርከቦም ክስታት እንዳመስረቱ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ነጋዶን ሰብ-ዋኒንን ሃገርና ዝጽዕንዎ ዘለዉ ክሳዕ ምእሳርን ምዝማትን ዝኸይድ ጸቕጥታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠቂኖም ከምዘለዉ ዘይፈልጡ እሞ ንሕክምናን ውልቃዊ ስራሕን ብመገሻ ኣብ ደገ ዝርከቡ ዜጋታት ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘሎ ንብረቶምን ገንዘቦምን ተሓታትነት ብዘይብሉን ኣገባብ ስጒምትታት ይዉሰዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ዞባ ዓንሰባ ብዝሓበሮ መሰረት ፥ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራቤት ሞሓመድ ኣብራር ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ሓሸላ ናይ ከተማ ከረን ዝቕመጥ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንሕክምና ካብ ሃገር ወጺኡ ዝርከብ ሃብታም ነጋዳይ ከምዝኣሰሩ፥ ከይጸንሑ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ገንዘብን እቲ ነጋዳይ ንዝምታ ዘቐደመ ቀጻሊ ኮለላ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

በዓልቲ ቤቱ፣ ጓሉን ኣዲኡን ንኣቶ ሞሓመድ ኣብራር ካብ መንበሪአን ተሞቒሐን ከምእተወስዳ ፥ መራሒ መኪና ናይቲ ሃብታም ነጋዳይ እዉን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ተወሲዱሉ ምስኡ ዝጸንሐ ልዕሊ 600 ሽሕ ናቕፋ ከምእተወስደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣቶ ሞሓመድ ኣብራር ምስ ገንዘብ ዝተተሓሓዘ ክሲ ተመስሪቱሉ ከምዘሎ፥ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይጸነሖ ፥ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኡን ገንዘቡን ዝተወስደ ስጒምቲ ጥራይ ብዛዕባ እቲ ተጠቂኑሉ ዘሎ ጉዳይ ክፈልጥ ከምዝኸኣለ እዩ ወኪልና ዝሕብር።

ኣቲ ሃብታም ነጋዳይ ካብ’ታ ንሕክምና ገይሹላ ዘሎ ዛጊት ዘይተነጸረት ጎረቤት ሃገር ክምለስን ኣብ ልዕሊኡ ብጠቐነ ተቐሪቡ ዘሎ መቕጻዕቲ ክቕበልን ንምግዳድ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤቱ ስጒምቲ ተወሲዱ ምህላዉ እዮም ገለ ነበርቲ ከተማ ከረን ዝገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዓበይቲ ነጋዶን ሰብ-ሃብቲን ቀጻሊ በደላት ይፍጽም ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ ፥ ብፍላይ ሃብታማት ዜጋታት ብጠቐነ እንዳኣሰርካ ንምብረት ምዝማትን ብውሕስነት ንምልቃቖም ልዑል ገንዘብ ምጥላብን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ይርከብ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →