Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንበዓል ናጽነት ዝግበር ናይ ኤሌክትሪክ ወጻኢታት ህዝቢ ኪኸፍሎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

By   /  April 29, 2016  /  Comments Off on ንበዓል ናጽነት ዝግበር ናይ ኤሌክትሪክ ወጻኢታት ህዝቢ ኪኸፍሎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ንምምዕራግ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤል መዓልቲ ናጽነት ብዝብል ምስምስ ዝገብሮም ወጻኢታት ከም ልሙድ ካብ ጁባ ህዝቢ ከማልሶም ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊጹ።

Eritrean independence day Asmaraሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ኣመሓላሊፍዎ ብዘሎ መምርሒ ፥ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽዱሽቲአን ዞባታት ጽንብል ንምድማቕ ኣብ ጎደናታት ንዝሃልኽ ሓይሊ መብራህቲ ወጺኡ ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ፣ ኣብ’ቲ ህዝቢ ንዘቤታዊ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ዝኸፍሎ ወርሓዊ ክፍሊት ወሰኽ ብምግባር ንምምላሱ ይፍተን ኣሎ።

ኣብ ወርሓት ሚያዝያ፣ ግንቦትን ሰነን ወርሓዊ ክፍሊታት ማይን መብራህቲን ብዕጽፊ ክዉስኽ እዚዙ ዘሎ እዋናዊ መምርሒ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፥ እቲ ትእዛዝ ምስ እዋናዊ ቊጠባዊ ዓቕሚ ህዝቢ ዘይላፈን ብምዃኑ፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ጸገም ክወድቃ ከምዝኾና ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትር ን ሃብታማትን ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ንመማዕረጊ በዓል ናጽነት ገንዘብ ከብርክቱ ብቐጻሊ ይደፍኦም ከምዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታትና ፥ ካብ ተራ ዜጋታትን ሰራሕተኛታት መንግስቲን እዉን ብዝተፈላለየ ዓቐንን መንገድን ገንዘብ የሕድግ ምህላዉ የገንዝቡ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →