Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ንሓዉ ዝብድል መጥፍኢ ሃገሩ’ዩ።

By   /  April 5, 2016  /  Comments Off on ንሓዉ ዝብድል መጥፍኢ ሃገሩ’ዩ።

    Print       Email

axe-497181_640ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ኣደዳ’ቲ ብሕጂ መበገሲኡ ዝፍለጥ ኣልማማ መቕጻዕቲ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 10 ዓመት ሓሊፉ’ኳ እንተዀነ፡ ከምዚ ናይዘን ዝሓለፋ 3 ዓመት ውርደት ክመጽእ ይኽእል ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን። ጸላኢ እታ ሃገር ዝዀነ ጉጅለ፡ ካልኦት ጸላእቲ ዘለዉ ኸምስል ንኣረጋውያን ብረት ኣዕጢቑ ንኸንቱ ኣብ ጸሓይን ቁርን መንእሰያቱ ዝገደፍዎ ጐደናታት ዝሕልዉሉ ግዜ ኣርኪቡ። ኣብ ልዕሊ ምዕጣቖም፡ ሰባት ስርሖም ገዲፎም፡ ምስተሃንጸ ይፍረስ ኣብ ዝብሃል ከንቱ ወፈራ ግዜኦም፡ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣባኺኖም። እቲ ብዙሕ እዋን ከም መከላኸሊ ሃገር ዘይኰነ ከም መሳቐዪ መንእሰያት ዝስርሓሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኩሉ መንእሰይን ዓብን ብዝኸፍአ መገዲ ይደግሞ ኣሎ። ነዳዲ የለን፡ ኤለክትሪክ የለን፡ መጕዓዝያ የለን፡ ዝብላዕ የለን፡ ዝስተ ማይ የለን፡ መድሃኒት የለን፡ ሕክምና የለን፡ ስራሕ የለን፡ መገሻ የለን፡ ኩሉ የለን ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ መንእሰይ የለን፡ ሰላም የለን፡ ድሕነት ሃገር የለን፡ መንግስቲ የለን፡ መጻኢ የለን።

ብዘይካ’ቲ ምስ ምዕጣቕ ዝመጸ ውርደት፡ ኣብ መወዳእታ 2015 ዝሰዓበ ምህጋር ገንዘብ ህዝቢ ነቲ ንተንኰላት ህግደፍ ተጣቢቡ ሓሊፉ ምስራሕን ምንባርን ተላሚዱ ዝነበረ ህዝቢ፡ ነዛ ናይ መዓልቲ ድራሩ ክሳዕ ዝስእን ዝገብሮ ሃዋህው ፈጢሩሉ ኣሎ። ዝቐደሙ ደቀን ንሃገር በጃ ዝተኸፍሉ፡ ዝንኣሱ ደቀንን ደቂ ደቀንን ብሕሱም ውርደት ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ዝበልወን ኣዴታት ጀጋኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ጐደናታትን ደገታት ኣብያተ ጸሎትን ይልምና ኣለዋ። ህዝቢ ኤርትራ ክሰርሕ ኣይክእል፡ ካብ ስደት ዝተመጠወሉ ይኹን ኣጠራቒሙ ዘዋህለሎ ገንዘብ ክበልዕ ኣይክእል፡ ክገይሽ ኣይክእል፡ ደቂሱ ኽሓድር ኣይክእል፡ ክሓስብ’ውን ኣይክእልን’ዩ ዀይኑ ዘሎ። ኣብ ከምዚ እዋን ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘሎ ኣንጻር ምልኪ ዝቐንዐ ጥርናፈ ክድድል ይግብኦ።

ንህዝቢ ብዘይመጠን ረቢሽካ ጥርናፈ ንለውጢ ኽይህሉ ብዝብል ሜላ ደጋዊ ስግኣታት እናመሃዝካ ተጀሚሩ ዘሎ ታዕሊም’ውን ተወሳኺ ስቓይ’ዩ። ንኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ክወራ ዝደሊ ጸላኢ የለን። ካብ ዝዀነ ይኹን ደጋዊ ጸላኢ ዘስዕቦ ዕንወት ንላዕሊ ባዕሉ እቲ ከም መንግስቲ ናይታ ሃገር ዝፍለጥ ጉጅለ ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት’ዩ ነዛ ሃገር ዘጥፍኣ ዘሎ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጐረቤት ዘየስግእ፡ ንህዝቡ ግና ዝጭፍጭፍ ጉጅለ ኽኣልዮ ዝደሊ ጸላኢ የለን። እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ዘሎ ልዕሊ ኹሉ ነገር ንሃገር ዝሰርዕ ፍቕሪ ከም መሽካዕለሊ ተጠቒሙ ናይ ሓሶት ኩነታት ክተት ይእውጅ ኣሎ።

ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኣዊጅዎ ዘሎ ቅሉዕ ኲናት ነቶም ሒደት ዘጣቕዕሉ ዝነበሩ ጸማማት ምእንቲ ኽስቆሮም ዝተበገሰ ዘመተ’ዩ ዝመስል። ንህዝቢ ምስቓይ ዝዕላምኡ ጉጅለ፡ ጽቡቕ ከምዘሎ እናምሰሉ ዝውድስዎ ዜጋታት ክሳቐዩ ብዘይምኽኣሎም ቅጭ ስለዝመጾ፡ ምእንቲ ኽፍለጦም ነቲ ዘውርዶ መቕጻዕቲ ንኹሉ ኣበርቲዑ ዝትንክፍን መመኻነዪ ዘይብሉን ይገብሮ ኣሎ። ደገፍቲ ዝደሊ ምስ ሕልናኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ’ዩ። ደገፍቲ ምድላይ ማለት፡ ህዝቢ ዝሓስቦ የገድስ’ዩ ማለት’ዩ። ህዝቢ ይሕሰብ ኣይሕሰብ ዕጥጥ ዘይብሎ ጉጅለ፡ ደገፍቲ ኢና ዝብሉ እንተበዝሑሉ’ውን ቀጨውጨው ከብሎ’ምበር ከሐጕሶ ኣይክእልን’ዩ። ህግደፍ ተቐጻዕትን ተለኣኣኽትን እምበር ደገፍቲ ኣይደልን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣሳቐይትን ተሳቐይትን ከፋፊሉ ኣብ መንጎ ዝተርፍ ዘይብሉ ጌርዎ ዘሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ ኸጋጥም ዝቐነየ ኣብ መንጎ ብግዲ ዝተዓለሙ መንእሰያትን ሓለውቶምን ዘጋጠመ ረጽምታት ነዚ ዘግህድ’ዩ።

ብሓይሊ ካብ ህይወቶም ተጨውዮም ዝተኣከቡን ካብ ህግደፍ ከምልጡ ክገሹ ኸለዉ ዝተኸትሩን ኣሽሓት መንእሰያት ብዕለት 31 መጋቢት ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ካብ ዝርከብ መዓስከር ህይወቶም ከድሕኑ ኸምልጡ ምስተበገሱ ብርቱዕ ረጽሚ ተፈጢሩ ቐንዩ። እቶም መንእሰያት ብዘይገበን ዝተኣስሩ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ብስም ታዕሊም ተወሳኺ ስቓይ ይወርዶም። ኣባላት’ቲ መዓስከር ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ዘይዕጡቓት መንእሰያት ኲናት ከፊቶም ሓያሎ ቐቲሎምሎምን ኣቝሲሎምሎምን። ዝተረፉ ናይቶም ኣብ ኮርመናዕ ብታዕሊም ክቕጽዑ ዝጸንሑ መንእሰያት ብዕለት 3 ሚያዝያ ብማእከል ከተማ ኣስመራ ክሓልፉ ከለዉ ካብ መካይን ነጢሮም እናወረዱ ካብ ኣሰርቶም ከምልጡ ምስፈተኑ ተዅሲ ተኸፊቱሎም ብዙሓት ካብኣቶም ቈሲሎም ኣለዉ። እቶም ኣብ ኮርመናዕ ዝቘሰሉ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ግላስ፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ዝቘሰሉ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣብ ሕክምና ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ናይ ምምላጥ ፈተነታት ብብዝሒ ዘጋጥም ዘሎ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብዞም ለንቅነ ከምልጡ ዝፈተኑ ስለዝተዓወቱ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ዞባ ጋሽ ባርካ ብርቱዕ ተፍትሽን ግዱድ ምዕስካርን ይካየድ ኣሎ። ምስቲ ተፍትሽ ተኣሳሲሩ ንብረት ብዙሓት ነጋዶ’ውን ይዝረፍ ኣሎ።

እቲ ዘጕሂ ጉዳይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ኣይኰነን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ጸላኢኡ ኣለልይዎ ረብሪቡስ፡ ጸላኢ ህዝቡ ምዃኑ ናይ ርሑቕ ማዕዶ ሃገራትን ውድባትን’ውን ብዝግባእ መስኪረንኦ’የን። እቲ ዘጕሂ፡ ናይቶም ኣሕዋቶም ዘሳቕዩን ዝቐትሉን’ዩ። ኣብ ምንቲ ምንታይ ገዛእ ኣሕዋቶም ይቐትሉ ኣለዉ ዝርድኦ ወገን የለን። እቲ ኣሕዋቶም ከጋፍዑ ዝእዝዞም ዘሎ ስርዓት፡ ንዓታቶም፡ ንኣሕዋቶም ይኹን ንሃገሮም ዝገበሮ ቅንጣብ ጽቡቕ ነገር የለን። ኣብ ነብሶም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዕሽሽ ኢሎም ካብኡ ዝኸውፍአ ውርደት ከብጽሑ ዝእዘዙ ብኸመይ ነቲ ኹነት ከምዝቕበልዎ ምርድኡ ዝሕርብት’ዩ። እዞም ብወተሃደራዊ ኣገባብ መንእሰያት ክውድቡ ሓላፍነት ዝወሃቦም ዘሎ ዜጋታት ፈተውቲ ህዝቦምን ሃገሮምን እንተዀይኖም፡ ነቶም ኣሽሓት ኣጕባዝ ወዲቦም ነቲ ዝጭፍጭፎም ዘሎ ስርዓት’ዮም ብጥይት ከጓይይዎ ይግባእ።

ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐነየ ክሳብ ንገዛእ ደቂ ሃገርካ ምቕታል ዘብጽሕ ንሓድሕድካ ምጭኽኻን ምእማኑ ዘጸግም’ዩ። እቲ ዝበደለ ኣብ ርኡይ ተዀይጡ ኸሎ፡ ናብኡ ክቐንዕ ዝግብኦ ኣፈሙዝ ናብ ገዛእ ህዝብኻ ምቕናዕ፡ ንመንእሰያት ካብ ናብርኦም ጨዊኻ ብግዲ ምዕስካር፡ ንገዛእ ሓውኻ ናብ ህግደፍ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣዝዩ ገኒኑ ይርአ ኣሎ። ሓይሊ ገዛኢ ኣብ ፈለማ’ዩ ሓይልን ምትላልን ሓዊሱ ህዝቢ ዘምበርክኽ እምበር፡ ቀጻልነት ናይቲ ዓመጽ ብፍቓድ ተገዛእቲ ጥራይ’ዩ ዝረጋገጽ። ህዝቢ ቀንዲ ጸላኢኡ ገዲፉ ንሓድሕዱ ክዋዳእ ድሌት እቲ ስርዓት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህይወት ዘለዎ ኽብረት ኣዝዩ ልዑል ስልዝዀነን፡ ደም ክፋሰስ ፈጺሙ ስለዘይክእልን እምበር፡ መደብ ናይቲ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ብቐንጠመንጢ ኣታፋኒንካ ኣብ ዝፍጠር ሓድሕዳዊ ግጭት ኣእቲኻ፡ ብዘይተቓውሞ ኣብ ስልጣን ንዘይተወሰነ ግዜ ምጽናሕ’ዩ። ገለ ኽርዳድ ዝዀኑ ዜጋታት ንግዝያዊ ጥቕሚ፡ ገለ ግሩሃት ከኣ ነቲ ጉጅለ ከም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስለዝቘጽርዎ ንጽቡቕ ናይ ሃገር እናመሰሎም ሃገር የጥፍኡ ኣለዉ። ንህግደፍ ግን እቶም ዝጋፍዑ ዜጋታት’ዮም ቀንዲ ዝሕግዝዎ ዘለዉ። ዓመጽ ምዃኑ እናፈለጥካ ነቲ ስርዓት ተኣዚዝካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ በደል፡ ውጹዕ ንኻልእ ውጹዕ ሸይጡ ኽነብር ክፍትን፡ ኣብ ክንዲ ንቐታሊ ብሓባር ምእላይ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ መጎስ ንምርካብ ምስራሕ ቀንዲ መሐየሊ መለኽቲ ሓፋሽ’ዩ። ዜጋታት ኣብ ሓድሕዳዊ ምብድዳል ዘጥፍእዎ ሓይሊ ናብ ዝግባእ ወገን ቀኒዑ እንተዝፍኖ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ብቕልጡፍ ምወረደ።

ህዝቢ ከምዚ ዝመስል ባህርያታት ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጡ ኸለዉ፡ ሓቂ ንምዝራብን ፍትሒ ንምንጋስን ከይደፈረ፡ ብግዝያዊ ራዕዲ ሃገር ንዘልኣለም ክትዓኑ ኸምትኽእል ከይዘከረ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኽመጽእ ኣይክእልን’ዩ። ውልቀመላኽን ጉጅለኡን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በቤቱ እናዞሩ ብሓይሊ ቐላጽሞም ኣይሓዝዎን። ህዝቢ ብገዛእ ቅልጽሙ’ዩ ገዛእ ርእሱ ሸንኪሩ ዘሎ። ተማእዛዝነት ሓፋሽ ንሓቅን ንፍትሕን እንተዀይኑ፡ ሓይሊ ቕልጽሙ ኸኣ ኣንጻር’ቶም ውሑዳት እንተቐኒዑ ኣብ ኤርትራ ብዘይምፍሳስ ደም ብዘይወዓልሕደር ለውጢ ኽመጽእ’ዩ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →