Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ትካል ስለያ ሱዳን ኤርትራውያን ናብ ኢድ መንግስቲ ኣሕሊፉ ይህብ።

By   /  April 15, 2016  /  Comments Off on ትካል ስለያ ሱዳን ኤርትራውያን ናብ ኢድ መንግስቲ ኣሕሊፉ ይህብ።

    Print       Email

Sudanese-troops-afp-640x480ኣባላት ሰለያ መንግስቲ ሱዳን ናብ መሬት ሱዳን ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስጒምትታት ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ሓቢሮም። ምንጭታትና ነዚ ዝሓበሩ ፥ ብ መንገዲ ቃሩራ ናብ መሬት ሱዳን ብምእታዉ ንኣባላት ስለያ እታ ሃገር ኢዶም ክህቡ ዝጸንሑ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ከምዝኾኑ ዝተነግረሎም 34 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ 8 ሚያዝያ ናብ ኢድ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተረከቡ ኣብ ዘረጋገጹሉ እዩ።

ምስቶም 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 34 ኤርትራውያን ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ   ዘምለጡ 2 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝርከቡ ክፍለጥ እንከሎ፥ በብግዜኡ ብመንገዲ ቃሩራ ናብ መሬት ሱዳን ምስ በጽሑ ብኣባላት ስለያ መንግስቲ ሱዳን ክእከቡን ኣባላት ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይመጹኹም ኣለዉ ዝብል ተስፋታት ክወሃቡን ዝጸንሑ ኮይኖም፥ ድሕሪ ምስ ስለያ-ምክልኻል መንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ርክብ ፡ ኣሕሊፍካ ክወሃቡ ከምዝተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ሱዳንን ኤርትራን ሰሪቱ ዘሎ ናይ ረብሓ ዝምድና ዛጊት ከምዘይተበትከ እኳ ደኣ ይረጒድ ከምዘሎ ዘመልከቱ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ፥ እቶም ናብ መሬት ሱዳን ኣቲዮም ሻቡ ኣፍልጦን ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳያት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይረኸቡን ጨናፍር ናይቲ ላዕለዋይ ወኪል ናብ ዘይብለን መዓስከራት ስደተኛታት ዘምርሑን ኤርትራውያን ብኣባላት ሰለያን ጸጥታን መንግስቲ ሱዳን ተለቒሞም ናብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝርከቡ የረድኡ።

እዞም ብመስመር ቃሩራ ናብ መሬት ሱዳን ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣፍልጦን ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ከይረኽቡ ብኣባላት ስለያ ሱዳን ኣብ ፍሉይ ቦታ ክእከቡ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ናብ መንግስቲ ኤርትራ ተረኪቦም ዘለዉ።

ክፍሊ ስለያ-ምክልኻል ኤርትራ ንኣባላት ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ሱዳን ልዑል መጠን ገንዘብ እንዳቐረበ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክባደሉን ዕድል እንተተረኽበ ድማ ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ክጽዕቱን ከምዝሰርሕ እዩ ዝንገር።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ’ቲ ረብሓ ኣማእኪሉ ዝራቐቕ ዘሎ መርበብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ወፍሪ ከይንከኦም እቲ ባዕሎም ዘካይድዎ ንግዲ ደቂሰባት ብኻልኦት ከይካየድ ብምባል ረብሓታቶም ብሓባር ከውሕሱ ከምዝሰርሑ ዝግለጽ ኮይኑ፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት ረብሓ ዝተመስረተ ዝምድና ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መሬት ሱዳን ኣባላት ስለያን ዕፈናን እንዳሰደደ ዝደለዮም ሰባት ክወስድን ነዚ ንምትግባር ቀጥታዊ ሓገዝ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ሱዳን ክረክብን ኣኽኢልዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →