Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕላምኡ ንዘይተፈልጠ ምኽንያት ደም ክህቡ ይስግደዱ ኣለዉ።

By   /  April 1, 2016  /  Comments Off on ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕላምኡ ንዘይተፈልጠ ምኽንያት ደም ክህቡ ይስግደዱ ኣለዉ።

    Print       Email
ትግርና ወግዓዊ ሎጎ

መንግስቲ ኤርትራ ዕላማኡ ኪንዮ ክዉንነት ከምዝኾነ ዝተነግረሉ ደም ናይ ምልጋስ መደብ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ ኩለን ዞባታት ብግዴታ ንምትግባ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ 6ቲአን ዞባታት ዝርከቡ ወኪላት ድምጺ መድረኽ ሓቢሮም።

እዚ ብመልክዑን ኣተሓሕዛኡን ፍልይን ስፍሕን ዝበለ መደብ ፥ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሃገርና ዝርከቡ ተመሃሮን መምሃራን ክሳተፍዎ ዘገድድ ኮይኑ ፥ ዕላማ ናይቲ መደብ ኣብ እዋን ሕርሲን ሓደጋታትን ንዝኽሰት ዋሕዲ ቀረብ ደም ንምምላእ ጥራይ ምዃኑ ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ ።

እቲ ብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ፈሊሙ ናብ ዞባ ማእከል ሰጊሩ ዘሎ ሰፊሕ መደብ ፥ ኣብ ካልኦት ዞባታት ንምትግባሩ እዉን ዘድሊዩ ምቅርራባታ ተጻፊፎም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ዕላማ ናይዚ ብሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ’ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ተወዲቡ ዝድፋእ ዘሎ ህዉኽ መደብ ፥ ነቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወጢሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩነታት እቲ ኩነታት ኣም መጻኢ ከኸትሎ ዝኽእል ሰብኣዊ ሓደጋታትን ዘድሊዮ ቀረባት ንምሓዝ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እዮም እቶም ወኪላት ዝገልጹ ዘለዉ።

ገለ ነበርቲ ኣስመራ ንወኪልና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እዉን፥ መንግስቲ ኤርትራ ብወለንታ ካብ ህዝቢ ንዝወሃብ ደም እንዳኸዘነ ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ብዙሕ ደም ከይድዎም ልግሲ ደም ዝጠልቡ ግዳያት ነቲ ብወለንታን ብዘይ ክፍሊትን ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ደብ ብዝተዓጻጸፈ ዋጋ ምሻጥ ለሚዱዎ ስለ ዘሎ ፥ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ሃገር ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝስግደድ ዘሎ ደም ናይ ምልጋስ መደብ ዕላማኡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣካይዳ ዘርሕቕ ከምዘይኮነ እዮም ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →