Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ርዋንዳ ብእስራኤል ክጥረዙ ተመልኪቱሎም ዘሎ ኤርትራውያን ክትቅበል ወሲና ።

By   /  April 29, 2016  /  Comments Off on ርዋንዳ ብእስራኤል ክጥረዙ ተመልኪቱሎም ዘሎ ኤርትራውያን ክትቅበል ወሲና ።

    Print       Email

kagameሩዋንዳ ብመለሳ ሚልዮናት ዶላር ኣሜሪካ ነቶም ካብ እስራኤል ክጥረዙ ተመልኪቱሎም ዘሎ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ምዃኖም ዝንገረሎም ስደተኛታት ክትቅበል ወሲና ምህላዋ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፖል ካጋመ ብወግዒ ሓቢሩ።

እቲ ሩዋንዳዊ መራሒ ኣብ’ዚ ሳልስቲ እዚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ፥ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን እስራኤልን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ናብ መፈጸምታኡ ከምዝበጽሐ፥ ሩዋንዳ ካብ መንግስቲ እስራኤል ሚልዮናት ዶላር ኣመሪካ ተጣይሱላ ድማ ነቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቅበል ወሲና ምህላዋ ኣረዲኡ።

መንግስቲ እስራኤል ብውሑድ ቊጽሪን ኣዚዩ ስቱር ኣገባብን ን ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ከምኡ’ውን ኡጋንዳ ክጥርዝ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዋናዊ መግለጺ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣነጺርዎ ከምዘሎ ግና ፥ ሩዋንዳ ሚልዮናት ዶላራት ካብ መንግስቲ እስራኤል እንዳተዋህባ ነቶም ካብ እስራኤል ዝሳጎጒ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብግህዶ ክትቅበል ከምዝኾነት እዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን፥ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ሳሕሮኒምን ሖሎትን ዝበሃሉ መዳጎኒ መዓስከራት፣ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቴልኣቪቭን ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብግህዶ ንምግዓዞም ክስረሓሉ ዝጸንሐ መደብ ዝሰለጠ ከምዝመስል እዩ።

ዛጊት ብመንግስቲ እስራኤል ተደፊኦም ዲዮም ብኣዚዩ ትሑት መጠን ናይ መፋነዊ ገንዘብን ኣብተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ክረኽብዎ ምዀኖም ዝተነግሮም ውሕስነት ተታሊሎም ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፥ ኣብ’ተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ምስ በጽሑ ዝተተስፈወሎም መብጸዓታት ኣብ ባይታ ስለዘይጸንሖም ፣ ኣብ ዝበኣሰ ጸገም ክወድቊን ዓቕሎም ኣጽቢቦም ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ሓድሽ ጉዕዞ ስደን ናብ ኤውሮጳ ክፍትኑን እዮም ዝረኣዩ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘማሕድሮ ዘሎ ጸቕጥታት ብሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣዉነት ዝኾኑ ወገናት ክውቀስ እዩ ጸኒሑ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ከም ስደተኛታት ዘይኮነ ከም ስግኣት እዩ ዝጥምቶም።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →