Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምኽባር ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይቅድመኩነት፥ ምምላስ ንቡር ዝምድና – ረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘረጋግጽ እዩ።

By   /  April 14, 2016  /  Comments Off on ምኽባር ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይቅድመኩነት፥ ምምላስ ንቡር ዝምድና – ረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘረጋግጽ እዩ።

    Print       Email

Algerian President Abdelaziz Bouteflika (C) stands between Eritrean President Isayas Afewerki (L) wh..ኤርትራን ኢትዮጲያን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ግንቦት 1998 ብሰንኪ ኣብ መንጎአን ዝተወለዐ ኩናት ንኽልተ ዓመታት ህይወት ኣእላፍ መንእሰያት ዝበልዐ ኩናት ኣካይደን ነይረን። ከም ኩሎም ካልኦት ኩናት፥ ናይዘን ክልተ ሃገራት ኩናት ውን ኣብ ጠረጴዛ ጥራይ ክፍታሕ ስለዝነበሮን ዝግባእን ኣብ ሰነ 2000 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፥ ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት ድማ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ድሕሪ ምኽታም እቲ ኩናት ደው ኢሉ – ብሓደ ሸነኹ!

ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ፥ ኣብ ቅድሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ኣፍሪቃዊ ሕብረት፥ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦትን ዝርከብዎ ኣውሐስቲ ዝተኸተመ ውዕል ኢዩ። እቲ ናይ ሰላም ማህደር ብዓንቀጽ 4.2 ናይ ዝርዝራቱ ንዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት (1900፤1902፤1908) ከምኡውን ተዛመድቲ ኣህጉራውያን ሕግታትን፥ ዶባዊ ብይኑ ክህብ፥ ክሕንጽጽን ክኽልልን ሓላፍነት ዘሰከሞ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን መዚዙ።

እቲ ኮሚሽን፥ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዘሰከሞ ሓላፍነትን ዝሃቦ መዝነትን፥ኣብ ሚያዝያ 13 2012 ብይኑ ሂቡ። ክልቲኤን ሃገራት ብመሰረት ዓንቀጽ 4.15 ስምምዕ ኣልጀርስ ብኽታመን ዝኣተወኦ ውዕልን ዝተቐበለኦ  ግዴታን  ንልዕልና ናይቲ ኮምሽን ዝህቦ ብይን ከም ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክምእዘዛ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብቲ ብይን ተሞርኪሰን ነቲ ዝተወሰነ ዶብ ኪቕበላን መሬታዊ ሓድነትን ሉዓላውነትን ሓድሕድ ከኽብራን ይግደዳ።

መበገሲ ናይዚ ኣርእስትና እምበኣር፡ ኮሚሽን ዶብ ውሳኔኡ ካብ ዝገልጽ ትማሊ ሰሉስ ሚያዝያ 2016 እነሆ 14 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ንብይን ኮሚሽን ምምልካት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣመልኪቱ መድርኽ ንሃገራዊ ዘተ ንስራሕ ኪብገስ እንከሎ ኣብ ሰነዱ ዘስፈሮ መትከል ከምዚ ይብል፡-

‘ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርጉእ ሰላም ንምስፋን፣ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብኮምሽን እጀታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ብይን ብዘይቅድመ ኩነት ከተተግብሮ፣ ….. ኣለዋ’።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ እውን መሪሕነት መድረኽ ምስ መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ጉዳይ ዶብ ሓደ ካብቲ ቀዳምነት ሂቡ ዝዘተየሉ ዛዕባ  ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ጉዳይ ልዑላውነት፡ ጉዳይ ህዝቢ ኢዩ፡ ጉዳይ መንግስታት ወይ መራሕቲ መንግስታት ኣይኰነን። ሕጋዊ እምበር ፖለቲካዊ ጉዳይ ውን ኣይኮነን። ልዑላውነትን ህዝብን  ነባሪ፡ መንግስታት መራሕተንን ግን ሓለፍቲ እዮም።

ኤርትራ ልዑላውነታ ካብ እተረጋግጽ ርብዒ ዘመን ኣይመልአን። ደም ናይቶም ነዚ ዘውሓሱ ዜጋታትና ኣይነቐጸን። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ልዑላውነት ኤርትራን፡ ምኽባር ዶባታን መለኮታዊ፡ “`ዶብ ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደር ኪሕንጸጽ ኣለዎ` ምባል ድማ ጠለብ ናይ ኩሉ ሓርበኛ ኤርትራዊ ዝገብሮ። ኪዝከር ዘለዎ፡ ኣብ ገድሊ ነዚ ልዑላውነት ንምውሓስ ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኰኑን። ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ኣብ ጎድኒ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ንናጽነት ኤርትራ ሓሊፎም ኢዮም። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር እውን፥ ኣብ መሬት ኢትዮጲያ ተሰዊኦም እዩም። እዚ ክቡር ታሪኽ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ካልኣይ ኵናት ኣቲና። ኣብዚ ኵናት እንትርፎ ዝተሳዕረ ዝሰዓረ ኣይነበረን፣ ብጀካ ዝኸሰረ ዝኸሰበ ውን ኣይነበረን። እቲ ኵናት ኣብቂዑ፡ ሰላም ግን ኣይተረኽበን።

ሎሚ ድማ 14 ዓመታት ናይ ምትህልላኽ፡ ናይ ምትፍናን፡ ናይ ምውጣጥ፡ ናይ ምጽልላም ዘመተ ንዝክር ኣሎና። ኣብ ዕድመ ናይ ሓደ ስርዓት ነዊሕ እዋን`ዩ። ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ፡ ኣብ ዕቤት ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቀጥታዊ ገንሸል ኮይኑ ዘሎ ኣሕዋት ህዝቢታት ስንብራቱ ርኡይ ኢዩ። እቲ ሓቂ፡ ዕድል ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ኤርትራ ብዘይ ኢትይጵያ ኪትምዕብል ኣይትኽእልን ኢያ፡ ከምኡውን ኢትዮጵያ ብዘይ ኤርትራ ኪትስጉም ኣትኽእልን ኢያ። ስለዚ ከምቲ ሓደ ለባም ዝበሎ፡ ዕጫና`ወይ ብሓባር ኪንሕምብስ፡ ወይ ድማ ብሓባር ኪንጥሕል ኢዩ። ነዚ ተረዲእና፡ ኢትዮጵያ ምሕንጻጽ ዶባት ብዘይ ውዓል ሕደርን ብዘይቅድመኩነትን ኪትግብር ኣሎዋ፡ ኤርትራ ድማ ነቲ ዝምድና ኣብ ንቡር ንምምላስ ኪትሰርሕ ኣሎዋ። ነዚ ንዝዕንቅፍ ስርዓት ድማ ህዝቢ ይኣክል ኪብል ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ዓይነት ስርዓት፡ ህዝቢ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ። ስልጣኑ ኪጥቀም ድማ እዋኑ ኢዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →