Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምእሳር ነጋዶ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ይቕጽል ኣሎ

By   /  April 29, 2016  /  Comments Off on ምእሳር ነጋዶ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ይቕጽል ኣሎ

    Print       Email

Eritrea853807ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሚያዝያ ፕረዚደንት ኢሳያስ ‘ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ሃብታማት ኤርትራ፥ ብብስጭት ደም ብዝሒ ተታሒዞም ከምዝሞቱ ክንገብር ኢና’ ድሕሪ ምባሉ ኣብ ነጋዶ ዝፍጸም ማእሰርቲ ብዝተዓጻጸፈ ኪቕጽል ጀሚሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት ብ 9 ሚያዝያ 7 ሚልዮን ናቕፋ ዝዋግኡ ዕፉን ናብ ህዝቢ ክሽየጥ ዘእትዉ ዝነበሩ ነጋዶ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። እቶም ነጋዶ ምስተን ነቲ ናብ ህዝቢ ክሽየጥ ዝመጸ እኽሊ ጽዒነን ዝነበራ 25 ናይ ጽዕነት መካይኖም እዮም ተኣሲሮም።

ብዘይካዚ ምስዞም ካብ ሱዳን እኽሊ ብመካይን ጽዒኖም ናብ ከተማ ኣስመራ እንዳእተዉ ዝተቐየዱ 25 ነጋዶ ዝጸንሑ 5 ሱዳናውያን፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንነፍሲ ወከፎም 100 ሽሕ ናቕፋ ብምቕጻዕ ብ ሰኑይ 25 ሚያዝያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ኣበይቶ ከምዝለቐቖም ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ብገንዘባዊ መቕጻዕቲ ዝተለቊ ሱዳናውያን ምስቶም  ኤርትራውያን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ዝተታሕዙ ኮይኖም እቶም ኤርትራውያን ግና ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ከምዘለዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።

እተን 25 መካይን ጽዒነነኦ ምስ ዝነበራ እኽሊ ድሕሪ ምቕያደን ዋጋታት ዕፉን ዕዳጋ ማእከላት ከተማ ኣስመራ ተጸልዩ ምህላዉ ፥ ዋጋ ናይ ሓደ ኲንታል ዕፉን ድማ ካብ 900 ናብ 1800 ሻቡ ከምዝዛየደ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ጸኒዑ ዝመስል ከቢድ ሕጽረት መግቢ ንምብዳህ ንኡስ’ውን ይዂን ስጒምቲ ክወስድ ይረአ ከምዘየለ ዝሕበር ኮይኑ ፥ ነጋዶ ነቲ ሕጽረት እቲ ንምምላእ ብዝተፈላለየ ሜላታት ካብ ሱዳን ሓቢኦም ዘእትዉዎ እኽሊ ክዝርፍን ነቶም ነቲ ናይ ኣማራጺ ሓሳብ ዝሓሰቡ ነጋዶ ክኣስርን ይሃልኽ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ዝግበር ሓዋላ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ነክዩ ምህላዉ እቲ ዕላማ ድማ ሸርፊ ብጸቕጢ ናብ 1500 ኣውሪድካ ኩሉ ሓዋላ ብመንገዲ ህግደፍ ከምዝግበር በዚ መንገዲ ድማ ካብ ደገ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዶላር ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻር ሙኻኑ ምንጭታት ካብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ይሕብሩ።

ብሰንኪቲ ካብ ደገ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ሙግዳሉን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ምዝባዕን ( ምሕሳር ናይ ገለ ዕዳጋ ምኽባር ናይ ዝበዝሐ ዕዳጋ) ህዝቢ ኤርትራ ሕሰሙ ይዛይድ ምህላዉ ይሕበር።

ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓፈሻ ውድብ መግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን ድማ ብፍላይ ብተደጋጋሚ ይገልጽዎ ከምዘለዉ ፥ ኤርትራ በቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላሊዩ ዘሎ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 50 ዓመታት ዝበኣሰ ምዃኑ ዝንገረሉ ደርቂን ንሱ ዘስዕቦ ሕጽረት መግብን ተጸልያ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ካብ ህዝባ ህጹጽ ሓገዝ የድሊዮ ምህላዉ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ብኣህጉራውያን ወገናት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ክነጽግን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክዓብጥን ይረአ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →