Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምስ ሰብ ወዲኡ ምስ መንደቕ ዝበኣስ ጉጅለ

By   /  April 18, 2016  /  Comments Off on ምስ ሰብ ወዲኡ ምስ መንደቕ ዝበኣስ ጉጅለ

    Print       Email

ah-09-30-2015-2
ሎሚ ሓንቲ መንግስቲ ኤርትራ መሐወሲ ትኾኑ ኢሉ ዝሓስባን ዝጥቀመላን aዘረባ ህንጻታት ኣስመራ እትብል ጽንጽዋይ እያ። እቲ ብኣተሃናንጽኡን ጥንታውነቱን ሑደት መዳርግቲ ዝርከቦ ህንጻታት ኣስመራ ብዉሑዱ ዓለም ስለእተድንቖ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘዕነዎ እምበር ዘይሃነጾ ህንጻታት ምስ ዓለም መሐወሲ ክጥቀመሉ ይፍትን እዩ።

ክሳብ 1941 ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ዝተሰርሐ ህንጻታት ኣብ መዝገብ ከም ዓለማዊ ውርሻ ክምዝገብ ኣብዚ ዓመት’ዚ መግለጺ ክወሃብ’ዩ። ብቕዲ ዘመናውነት ዝልለ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መብዛሕትኡ ኣብቲ ኢጣልያውያን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩሉ ካብ 1890ታት ክሳዕ’ቲ ካብ ኤርትራ ዝወጹሉ 1941 ዝተሃንጸ፡ ናይ ሓያሎ ቕድታት ባህርያታት ዝረኣዩሉ ብሰፊሑ ብቕዲ ዘመናውነት ዝፍለጥ ህንጻታት’ዩ።

ስነህንጻ ከተማ ኣስመራ ኣብ እዋን ምግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ ዓመታት ኣድህቦ ስኢኑ መብዛሕትኡ ናብ ወተሃደራዊ፡ ሓውሲ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መዓላታት ወሪዱ ስለዝነበረ ካብ ዴሳዊ ጭርሖታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ክሳዕ ናይ ሓለዋን ጸጥታን ከምኡውን ወተሃደራዊ ነቝጣታት፡ ክሳብ ቤትማእሰርትታት ኰይኑ ብርቱዕ ማህሰይቲ ወሪድዎ።

ብተወሳኺ ሒደት’ኳ ይኹኑ እምበር እቶም ዝበዝሑ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተተኽሉ ህንጻታት ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ባህርያት ከተማ ኣስመራ ኣብ ግምት ዘየእትዉን ግርምኡ ዝድውኑን’ዮም ኔሮም። ዝጐሃየ ዘበለ ድማ ናጽነት መጺኡስ ቅዲን ክብረትን ህንጻታቱ ውን ኽዕቀቡ ተመንዩ። የግዳስ ናጽነት ምስተረኸበ እቲ ህንጻታቱ ክዕቀበሉ ዝተመነየ ህዝቢ ይትረፍ ናይ መናድቑን ኣምእማኑን ናይ ባዕሉ ናጽነት ውን ኣይረኸበን። ቅድም ህዝቢ ደሓር ድማ ምሩጽ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ በቲ ሕማቕ እንተርእዩ ዝድሰት ባህሪ ናይቲ መራሒ ንጉድኣቱ ተሰሪሑ። ህንጻታት ኣስመራ ድማ ግቡእ ኣድህቦ ኣይረኸበን። ዘዕኑ እምበር ዘይሃንጽ፥ ዝነቕላ እምበር ዝተኽላ ዶዘራት ዘየውፍር ጉጅለ ኣብ ሃገር ስለዝርከብ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ግቡእ ዕቃበ ብምግባር ካብ በጻሕቲ ልዑል ኣታዊ ክርከበሎም ዝኽእል ህንጻታት ኣብ ሓደጋ ዕንወት’ዮም ዝርከቡ። ንሓያሎ ህንጻታት መጸገኒኦም ዝተሓስበ ባጀት ብትእዛዝ ምአራሕ ሃገር ናብ ካልእ ብውልቂ ንኣካየድቲ እቲ ስርዓት ዘገድስ መዓላ እናተወስደ ባኺኑ’ዩ።

ኣብቲ ታሪኻዊ ህንጻታት ዝርከቡሉ ድሕሪ ናጽነት ዝተሰርሑ ብቕድን ብዕቐንን ምስቲ ዝተተኽሉሉ ከባቢ ዘይመሳሰሉ ህንጻታት ነቲ ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ተወሳኺ ኰይኖሞ። ገለ ኣደናቒ ቕድታት ዝረኣየሉ ህንጻታት መጠቅዒኡ ባዕሉ ተቐሊጡ ዓስከሬን መንደቑ ዕርቃኑ ወጺኡ ኣብ ምፍራስ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ተዓርዩ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ዝተባህለ ገለ ዓበይቲ ህንጻታት ንመሰረታዊ ምስሊ እቲ ህንጻ ደዊኑ፡ ንቕዲ እቲ ህንጻ ይኹን ንቕዲ ከተማ ኣስመራ ብዘየኽብር መገዲ ተኻይዱ። በቲ ዝግባእ መገዲ ከዐርዩ ዝሓሰቡ ገለ ወነንቲ ኸኣ፡ ንውልቀመላኺ ቃሕ ስለዘይበልዎ ጥራይ እቲ ምክንኻን ዘድልዮ ህንጻታት ንዓመታት ከይትንከፍ ተኸልኪሉ ኣሎ። ከም ናብ ሰብ ህንጻታት ኣስመራ ውን ምድስካል ዝበሃል ናይ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኩርማጅ ኣረኻኺቡሎም እዩ። ህንጻ ፊያታሌሮ ንኣብነት ካብተን ዝደስከላ ህንጻታት እያ።

ኣስመራ ካብ ናይ ዓሰርተታት ከበባ ኲናት ተገላጊላ ሓራ ምስኰነት ሓያሎ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ብዛዕባ ቅርስታት’ዛ ኸተማ ተገዲሶም ሰሪሖም። ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ዘይመልእ ግዜ፡ እሞ ምስቲ ብወገን መንግስቲ ተበግሶ ዘይምንባሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ተሰሪሑ። ብዛዕባ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ ኣብቲ እዋን ዝተሓትሙ ሓያሎ መጻሕፍቲ ምስክር ናይዚ’ዮም። እቶም ሓያሎ ነዚ ኣደናቒ ቅርስታት ንምዕቃብ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘይውዳእ ዕንቅፋታት ስለዝገጠሞም ካብ ኤርትራ ኽእለዩ መሪጾም። እንተዀነ ኣብቲ እቲ ስርዓት ዘየረኻኸበሉ ታሪኽ ዘሎ ጽባቐን ብሉጽነት ህንጻታት ከተማ ኣስመራ፡ ነዛ ኸተማ ብደረጃ ዓለም ቀንዲ ምልክት ቅዲ ዘመናውነት ቀዳማይ ክፋል 20 ኽፍለዘመን ዝገብራ ስለዝዀነ፡ ነዞም ህንጻታት ዝግባእ ኣድህቦ ፈጺሙ ክሃስስ ኣይክእልን’ዩ።

6a00d83451c64169e20120a6638149970b-500wiህይወት ንዘለዎም ሰባት መዕቈብን መስርሕን ዝዀኖም ህንጻታት ክሰርሑ ዝኽልክል ስርዓት፡ ብዛዕባ ነገራዊ ቅርስታት ክግደስ ዘይሕሰብ’ዩ። እኳ ደኣ ንርእሰ ኣምልኾ ዘይሕግዞ ዝዀነ ይኹን ታሪኽን ምልክታትን ዘይፈቱ ከም ምዃኑ፡ ነዚ ህንጻታት ሓደጋ ኣውሪዱ ከየዕነዎ ምጽንሑ ኣደናቒ’ዩ። እንተዀነ ካልእ ከዕኑ ነዞም ህንጻታት ከየርከበሎም ከሎ ሎሚ ከም ኣህጉራዊ ውርሻታት ህዝቢ ዓለም ክምዝገቡ ኣብ ትጽቢት ምህላዎም ኣዝዩ ዓቢ ነገር’ዩ።

ክፍሊ ፕሮጀክት ውርሻ ኣስመራ ኣብ ዓውዲ ረቂቕን ኣካላውን ውርሻ ምስ ዝነጥፉ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ብምዃን ዝሰነዶ መጽናዕቲ ብ 1 ለካቲት ከተማ ፓሪስ ንዝመደበሩ ማእከል ውርሻ ዓለም ናይ ኣህጉራዊ ትካል ትምህርትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኔስኮ ምርካቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ሰነድ ፥ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝዝርዝር ውርሻ ዓለም ናይ ዩኔስኮ ብወግዒ ንኽትጽንበር ዘኽእልን ፥ ዩኔስኮ ንውሁብ ስነህንጻዊ ቅርስታት ከተማ ኣስመራ ናብ ዝርዝራቱ ንኸእቱ ዘእምን ሓበሬታ ዝሓዘለን ኮይኑ፥ ዩኔስኮ ንዓመትን መንፈቕን ነቲ ሰነድ ድሕቲ ምጽናዕ ንሓምለ 2017 ውሳኔኡ ኸፍልጥ’ዩ። እቲ ሰነድ ፥ ከተማ ኣስመራ ንእትልለየሎም ቅርስታት ስነህንጻ ብስእልን ጽሑፍን ኣስፊሩ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ጽዑቕ መጽናዕቲ’ዩ ናብ መፈጸምታ ኣብጺሕዎ።ቅርስታት ኣብ ናይ ዩኔስኮ ዝርዝር ውርሻ ዓለም ክጽንበር ካብ ዘኽእልዎ 10 ቅጥዕታት፡ ከተማ ኣስመራ ነቶም 4 ድሮ ኣማሊኣቶም ተቐባልነት ከተማ ኣስመራ ዘይተርፍ ይመስል።

መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ናይ ኩሉ እዋን ባህርያቱ ንኸተማ ኣስመራ ንሰባን ንህንጻታታን ንዓመታት ከዕንዎም ተጸሚዱ ኸሎ፡ ብዛዕባ ብሉጽነት ህንጻታት’ዛ ኸተማ ዘረባ ምስተላዕለ፡ ከይሓፈረ ከም ሰራሒኡን ዋንኡን ኰይኑ ክቐርብ ይፍትን ኣሎ። ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዋ ንምእላይ ሓንሳብ ብጉዳይ ስደተኛታት፡ ሓንሳብ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ኲናት ብምስታፍ ቆላሕታ ዓለም ክረክብ ድቃስ ይስእን። ሕጂ ድማ ብመኽንያት እቲ ሓደጋ ከውርደሉ እምበር ከበርክተሉ ዘይተራእየ ቅርስታት ህንጻን ምስኡ ዝዛመዱ ብሉጽነት፡ ታሪኽ ከምኡውን ተፈጥሮ ንመጸውዒ ሽሙ ኽጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ ። ብዘይስኽፍታ ነቲ ከዕንዎ ዝጸንሐ ናይ 100 ዓመት ታሪኻዊ ህንጻታት ባዕሉ ከምዝሰርሖን ባዕሉ ከምዝሕብሕቦን ኰይኑ ክቕርብ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓው ኢሉ ያዕ ክብሎ ዝኽእል ወገን የለን።  ኤርትራ ግን በቲ ናይ ቅድሚ 100 ዓመት መግዛእታዊ ውርሻ ክትጽዋዕ ዘይኰነት፡ ካልእ ንኣማኢት ዓመታት ዝኸውን መንጸፍ ክትሰርሓሉ ዝግብኣሉ ርብዒ ዘመን’ያ ኸሲራ ዘላ።ካብ ነበረኒ እነሀኒ ከምዝበሃል እቲ ሕቶ እቲ ጓናኣ ጥልያን እንታይ ሃነጸ ዘይኮነስ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እቲ ናታ ዝበሃል ስርዓት እንታይ ሃኒጹ እዩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዚ ርኡይ ዝዀነ ነገራዊ ውርሻታት ገዲፉ ንኻልእ ኩሉ ውርሻታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ህያብ ውልቀመላኺ ንህዝቢ ኤርትራ ከምስሎ ጽዒሩስ ድሮ ኣብ ብዙሕ መግለጺታት ቃልሲን ሃገራዊ መንነትን ዘሕፍር ምድንጋራት ፈጢሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ታሪኽ ኣባሓጎታቱን ወናኒ ታሪኽ ሓባራዊ ቓልሱን፡ ኣካያዲ ሓባራዊ መጻኢኡ ክኸውን እንተደልዩ፡ ነዚ ምስ ሰብ ወዲኡ ምስ መንደቕ ክበኣስ ዝውዕል መዕነዊ ተዓረ ክብሎ ኣለዎ። ኤርትራ ህዝባ፡ ታሪኻ፡ ባህላ፡ ጸጋታታን ተፈጥሮኣዊ መልክዓታትን ዝዕቅበላ እዚ ዛንታታት ህዝቢ ኤርትራ ኸይተረፈ ዝምንዝዕ ዘሎ ጉጅለ ምስዝእለ ጥራይ እዩ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →