Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ‘ክልተ ኣገልግሎት’ ሞይቶም ይብል።

By   /  April 8, 2016  /  Comments Off on ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ‘ክልተ ኣገልግሎት’ ሞይቶም ይብል።

    Print       Email

Screen Shot 2016-04-08 at 9.44.11 AM

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ናይ ሰንበት ፍጻመ ኣመልኪቱ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ማዕረቲ ፍጻመ ዝሕዝን መግለጺ ብመንገዲ ናይ ብሕቱ ትዊተር ልኢኹ ኣሎ። ኣቶ የማነ ብዛዕባ’ቲ ብወግዒ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንኽግለጽ ግምት ዘይተዋህቦ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ናይ ውልቁ ትዊተር ድሕሪ ብዛዕባ ጀርመናውያን ኣጋይሽ ኣስመራ ምእታዎም ምዝራቡ ከም ንእግረመንገዱ ብዝመስል መልእኽቲ ‘ ‘ትማሊ ኣብ ኣስመራ ክልተ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብተን ዘገዓዕዘኦም ዝነበራ መካይን ክዘሉ ክብሉ ብዝወረዶም መቑሰልቲ ሞይቶም’  ክብል ጽሒፉ ኣሎ።

እቲ ትዊተር ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ንሕና ንሱ ዝብል ኣካል ዝተላእከ እዩ። ብኣመለኻኽታ እቲ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ  ናብ ዘብሎ ስለዘይብሉ ሓበሬታ ኣይግበኦን እዩ።

ሚኒስተር  የማነ ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊቶም ‘ሰባት ወይ ዜጋታት’ ዘይኮነስ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ኢሉ ዝጸወዖም መንእሰያት ይኹን እቲ ፍጻመ ዝተሰመዖ ሓዘን ኣይገለጸን ንስድራ ቤት ውን ጽንዓት ይሃብኩም ኣይበለን። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎ ንዕቀት ናይቲ ጉጅለ እዩ።

ብኣበሃህላ ሚኒስተር የማነ እዚ ድሕሪ 5 መዓልታት ዝዛረበሉ ዘሎ መስዋእቲ መንእሰያት ዘጋጠመ እቶም ዜጋታት ክዘሉ ስለዝፈተኑ እዩ።  ስለዚድማ ተሓተቲ ናይ ሞቶም እቶም መንእሰያት ባዕሎም እዮም – ብኣበሃህላ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ።

ዝኾነት ሃገር ካብ ህይወት ዜጋታታ ንላዕሊ  ዘገድሳ ክህሉ ኣይክእልን ኣይግባእን ውን። ከምቲ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝጠቐስዎ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ይኹን፥ ከምቲ ሚኒስተር ዜና ዝበሎ 2 ተሰዊኦም 11 ቆሲሎም እንተኾኑ ውን ብዝሒ ብዘየገድስ መንግስቲ ናይቲ ፍጻመ ምኽንያት፥ ንምጽራዩን ምእራሙን ዝተወስደ ስጉምቲ ብወግዒ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክገልጾ፥  ብዓቢኡ ድማ ንስድራቤቶም ጽንዓት ይሃብኩም ክብል  እዩ ዝግባእ። ከምቲ ክጽውዑሉ ተመሪጹ ዘሎ ክልተ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይኮኑ ክልተ ደቂ ህዝቢ፥ ደቂ ስድራ ፥ ዜጋታት  ብዓቢኡ ድማ ደቂ ሰብ እዮም።  ካልእ ይትረፍ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ መዋቲን ስድራቤቱን ክቡራት እዮም።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →