Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መግለጺ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ብኣጋጣሚ ቅትለት ንጹሃን ሰለስተ ሚያዝያ።

By   /  April 5, 2016  /  Comments Off on መግለጺ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ብኣጋጣሚ ቅትለት ንጹሃን ሰለስተ ሚያዝያ።

    Print       Email

revolution-30590_960_720ብሰለስተ ሚያዝያ 2016፥ ብሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን መንግስቲ ኤርትራ ተገፊፎም ካብ ኩርመናዕ ብኣውቶቡሳትን ክፉታት መካይንን በስገዳድ ናብ ዓሰብ ዝሰጋገሩ ዝነበሩ መንእሰያት ካብተን መካይን ነጢሮም ከምልጡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብሓለውቶም ብዝተኸፈተ ቶኽሲ 11 ንጹሃት መንእሰያት ክሞቱ ከለዉ 20 ብኸቢድ ሙቕሳሎም ክሕበር ጸኒሑ ኣሎ። ሰኑይ 4 ሚያዝያ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ክልተ ኣብ ኣይሲዩ ዝነበሩን ሓደ ሳልሳይ ንበይኑ  ዝነበረን ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ከምዝሞቱ ስለዚ ድማ እቲ ቁጽሪ ኪዛይድ ከምዝኽእልን ውን ጸብጻባት ይገልጹ ኣለዉ።እዚ ተግባራት’ዚ ኩናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፥ ብደዐ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዜግነት ኢዩ። መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ነዚ ኣረመናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን።

እዚ ብዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንእሰያትን ዝተኸፈተ ቶኽሲ፥ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጨው ቀትሪ ስለዝኾነ ደኣ ንንፋስ ተቓሊዑ እምበር፥ ሎሚ ኣብ ኤርትራ፥ ኣብ ነብሲወከፍ መዓልቲን ለይትን፥ ኣብ ከውሊ ድምጹ ዘይስማዕ ቶኽሲ፥ ዝተኻዕወ ደሙ ዘይረአ ቅትለት፥ ውዒሉ ዝሓድር ክስተት ኮይኑ ኣሎ። ረዳኢ ዘይብሎም ኣብ ትሕተ መሬታት ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝኽትከቱ፥ ቀባሪ ዘይብሎም ዝድፍኡ፥ መስካሪ ዘይርእዮም ዝተቐዝፉን ዝቕዘፉ ዘለዉን መንእሰያት ኤርትራ ኣእላፍ እዮም።

እዚ ግፍዕታት ብኣውያትን ንብዓትን ደው ክብል ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ተሓሪምዎ ዘሎ ሰላም ዝመልስ፥ ዝተመንዘዐ ናጽነቱ ዝጭብጥ፥ ነቢርዎ ዘይፈልጥ ሓርነት ዘስተማቕር፥ ካብዚ ዕምሪ ሓደ ወለዶኡ ዝበልዐ፤ ሃገር ንምብትታን ህዝቢ ንምጽናት ኣንቂዱ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምስዝገላገል ጥራይ እዩ።

ህዝቢ ሊብያ ካብ ግፍዕታት ቐዛፊ፥ ህዝቢ ቱኒስ ካብ ስቓያት ቢንዓሊ፥ ህዝቢ ግብጺ ካብ ዓመጽ ሙባረክ ፥ ህዝቢ ዒራቕ ካብ ኣርዑት ሳዳምሓራ ዝኾነ ብህዝባዊ ናዕብን ጥሙር ተቓውሞን እዩ። ብፍታውን ድንጋጽኡን ዝሰናበት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ታሪኽ ዓለምና ተራእዩ ኣይፈልጥን – ኣብ ኤርትራ ውን እንተኾነ እቲ ሓቂ ንዕኡ’ዩ ክደግም። ካብ ስቓይ ዘገላግል መንገዲ ሓደ ጥራይ እዩ – ህዝባዊ ኣብያ እንጻር ዓመጽን ዓመጽትን።

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ በዚ ኣጋጣሚ ንስድራቤት ግዳያትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ

05 ሚያዝያ 2016

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →