Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳዉቡ ከባቢታት ኣጽኒዑዎ ዘሎ ሓለዋ የዛይዶ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  April 26, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳዉቡ ከባቢታት ኣጽኒዑዎ ዘሎ ሓለዋ የዛይዶ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

hamm02መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳዉቡ ከባቢታት ዘራኽቡ መስመራት   ኣጽኒዑዎ ዘሎ ሓለዋ የዛይዶ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ቤትጽሕፈት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምዝዛም ወርሒ መጋቢት ዶባት ክርገጡን ከባቢኦም ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ክኣቱን ዝግድድ ትእዛዝ ምትሕልላፉ ዝዝከር ኮይኑ ፥ እቲ ትእዛዝ ፈለማ ካብ ቃሮራ ናይ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክሳዕ ኦምሓጀር ናይ ዞባ ጋሽባርካ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ክትግበር ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ካብ ከባቢታት ጾሮና፣ ታሕታይ ጋሽ፣ ሰንዓፈን ኣኽራንን ክሳዕ እላላን ደምበ-ሊባንን ናብ ዝዝርግሑ ከባቢታት ልሒሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዞባ-ደቡብ ልሒሙ ዘሎ ጽኑዕ ሓለዋ ካብ 19 ሚያዝያ ዝጀመረ ኮይኑ ፥ ልዑል ቊጽሪ ዕቊር ሰራዊት ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ናይ’ቶም ከባቢታት ምስ ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያን ሃንደሳን ብምጽንባር ድፋዓት ኣብ ምድልዳል፥ ነቶም ድፋዓት ብነተጒቲን ኣሿዃት ኣግራብን ኣብ ምሕጻር፥ ከምኡ’ውን መስመራት መጓዓዝያ ብቐጻሊ ኣብ ምክትታል ይዉፈር ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ’ቶም ስትራተጂካዉን ወተሃደራዉን ተኣፋፍነት ዘለዎም ከባቢትታት ወፊሩ ናይ ዘሎ ብዝሒ ሰራዊትን ጎኑ ጎኑ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ስለላን ኮለላን ንጥፈታትን ዝሓየሉ ምዃኖም እዩ ዝሕበር።

መሰረታዊ ዕልማ ናይቲ ኣብ ዶባት ክጸንዕ ተደሊዩ ዘሎ ወተሃደራዊ ቀይዲ ፥ ነቲ ካብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ክመጽእ ይኽእል ይኸዉን ዝበሃለሉ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ተዳሊኻ ንምጽናሕ ከምዝኾነ ዘይወግዓዊ መግለጺታት መንግስቲ ኤርትራ እኳ እንተሎ፣ እቲ ክዉንነት ግና ድሕሪቲ ኣማሳያ ናይ 20 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ምቕባሉ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተገበረ ስምምዕ፥ ዋሕዚ ናይቲ ካብ ሃገር ዘርሕቕ ዘሎ ዜጋ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመንግስቲ ኤርትራ ዘየቋረጸ ዘሎ ገሃሲ ምሕደራ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ብምህላዉ፣ ነቲ ዋሕዚ እቲ ገቲእካ ነቲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣቐሚጡዎ ዘሎ ጸቕጢ ንምዝላቕ ከምዝኾነ እዮም ምንጭታትና ዝሕብሩ።

ነቲ ዋሕዚ እቲ ንምግታእ ከባቢታት ዶብ ከጽንዓ ተነጊርወን ዘለዋ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶባት፥ ዕቚርን ህዝባውን ሰራዊት፤ ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ስለያን ሃንደሳን እምበኣር ዶብ ክሰግሩ ኣብ ልዕሊ ዝፍትኑ ዜጋታት ፣ ጸኒሑ ብዝኾነ ወገን ዘየሕትተን ብረታዊ ስጒምቲ ክወስዳን ኣብ ልዕሊ ዝቕይደኦም ዜጋታት በደላት ክፍጽማን እዩ ተነጊሩወን ዘሎ።

እዚ እንዳኾነ ግና ፥ ቊጽሪ ናይቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ ኤርትራውያን ይተዓጻጸፍ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →