Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ካብ ባንክታት ከውጸኦ ዝኽእል መጠን ናብ 10 ሽሕ ክዛይድ ፈቒዱ ከምዘሎ ተሓቢሩ ።

By   /  April 28, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ካብ ባንክታት ከውጸኦ ዝኽእል መጠን ናብ 10 ሽሕ ክዛይድ ፈቒዱ ከምዘሎ ተሓቢሩ ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ካብ ባንክታትን ፊናንሳውያን ትካላትን ካብ ሕሳባቱ ከውጸኦ ዝጸንሐ ክሳዕ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ዝድረት መጠን ገንዘብ ናብ 10 ሽሕ ክዛይድ ፈቒዱ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።asmara109 (1)

ህዝቢ ካብ ባንክታት ናይ ዘውጸኦን ካብን ናብን ከባቢታት ሃገር ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ናይ ዝንቀሳቐን መጠን ገንዘብ ጽኑዕ ቀይድን ምክትታልን ይግበረሉ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብመንገዲ ንግዳዊ ባንክ ኣመሓላሊፍዎ ዘሎ ህዝቢ ካብ ሕሳባቱ ክሳዕ 10 ሽሕ ናቕፋ ከውጽእ ከምዝኽእል ዝሕብር መምርሒ መሰረታዊ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ህዝብና በሪኹ ብቀጥታዊ ኣብያ ክድገፍ ጀሚሩ ዘሎ ጽለኣትን ተቛውሞን ንምትዝላቕ ከምዝኾነ እዮም ምንጭታትና ዝሕብሩ።

ካብን ናብን ዞባ ጋሽ-ባርካን ሱዳንን ዝካየድ ዝነበረ ንግዲ ተዓጺዩ ብምህላዉ፣ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ብናህሪ ይሕንበብ ከምዘሎ ፥ እዚ ተርእዮ እዚ ድማ ነቲ ገንዘቡ ካብ ሕሳባት ባንክታት ከምዝመደቦ ከውጽእ ዘይክእል ህዝቢ ዓቢ ተጽዕኖ ኮይኑዎ ምህላው እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ – ጽዒኑዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብመንግስቲ ዝሸፋፈን ዘሎ ደርቅን ሕጽረት መግብን ኣብ’ዚ እዋን እዚ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ደዪቡ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፥ ህዝቢ ነቶም ብኣዚዩ ትሑት ዓቀን ዝርከቡ ሃለኽቲ ነገራት ከሸምት ዝኽእል ገንዘብ ይውሕዶ ብምህላዉ ኣቲ ጸገም እንዳተደራረበ ይገዝፍ ከምዘሎ የገንዝቡ

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →