Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኣብ ዞባ ማእከል ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መደብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

By   /  April 1, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኣብ ዞባ ማእከል ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መደብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ትግርና ወግዓዊ ሎጎ

‘መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተጠየሰ መሬት ዝተሃንጹ መንበሪ ኣባይትን  ትካላትን ብዶዞራት ናይ ምዕናው ተግባራት ስራሐይ ኢሉ ሒዝዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ ክፍሊ ሕንጸጻ መሬት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ዞባ ኣብ ጥዩስ መሬት ዝተሃንጹ’ሞ ዛጊት ዘይፈረሱ ሓደስቲ ኣባይቲ ክዓንዉ ንኻልኣይ እዋን ምውሳኑ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብታ ዞባ ኣቃሊዑ።

በዚ መሰረት ካብ ህንጸጻ-ከተማ ወጻኢን ኣብ ዝተሸጠ ጥዩስ መሬትን ተሃኒጾም ዝብል መመኽነይታ ዝተነጽፈሎም መንበሪ ኣባያቲ ሰለማዊ ህዝቢ እታ ዞባ ብሓፈሻ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ድማ ብፍላይ ካብ’ቶም ክሳዕ ዝመጽእ ቀዳም 2 ሚያዝያ ኣባይቶም ክለቊን ምፍራስ ኣባይቲ ካብ’ቲ ዕለት እቲ ክትግበርን እዩ።

ኣብ’ዚ በቲ ምምሕዳር ንኻልኣይ ግዜ ተወሲኑ ዘሎ ዉሳኔ ኣብ ከባቢታት ጎዳይፍ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ማይ ጨሆት፣ ዓዲ ጓዕዳድ፣ ክልቲኡ ገጀረት ን ቀሓውታን ኣብ ዝተመልከተሎም ኣባይቲ ዝነብር ህዝቢ መንበሪኡ ሻቡ ክገድፍ እዩ ኣጠንቂቑ ዘሎ። ኣባይቶም ክፈርስ ምዃኑ ተነጊርዎም ዘሎ ዜጋታት እቲ ዝሃነጽዎ መንበሪ ንሕግታት መሬት ዝረገጸ ከምዘይኮነን እቲ መሬት ንዓኣቶም ከምዝተጠየሰሎም ዘመስክር ሰነዳዊ መርትዖታት ከምዝዉኑን እኳ እንተሓበሩ ካብ ምምሕዳር ዞባኦም ዕጹው ግብረ መልሲ እዩ መጺእዎም ዘሎ።

እዚ እዋናዊ ውሳኔ ፥ ነቶም ኣብ መስርሕ ምህናጽ ዝርከቡ ኣባይቲ እዉን ዝንሕፍ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ወኪል ድምጺ መድረኽ ፥ ሓያሎ ነበርቲን ወነንቲ ኣባይቲ ከተማ ኣስመራ ኣብ ቅልውላው ወዲቖም ከምዘለዉ ኣስሚሩሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ 2015  ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዞባ ማእከልን ዞባ ደቡብን ኣልማሚ ምንባሩ ዝንገረሉ ምዕናው ኣባይቲ ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ ፡ ብፍላይ መንግስቲ ኣባልት ጸጥታን ቡልደዘራትን ኣዋፊሩ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዝወሰዶ ተመሳሳሊ ተግባር ካብ ህዝቢ`ታ ከተማ ብሓፈሻ ካብ ተማሃሮ ድማ ብፍላይ  ብዳርባ እምኒ ዝተሰነየ  ቀጥታዊ ተቛውሞ ከምእተራእየ ፥ ነቲ ተቛውሞ ንምብታን ብመንግስቲ ዝተወስደ ብረታዊ ግብረ መልሲ ድማ ሂወት 3 ዜጋታት ምጥፋኡ ይፍለጥ።

እቲ ናይ ሽዑ ተግባር ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ሓያል ቊጥዐ ምስ ኣለዓዓለ ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተሓላቒ ንምምሳልን ኢዱ ንምንጻህን እቲ ተግባር ብዞባዊ ምምሕዳር ዝተወሰነ ምንባሩን እቲ መደብ ንግዜኡ ደው ክብልን  ኣብ`ቲ ኣብ ከተማ ባጽዕ ብህጹጽ ዝጸወዖ ምስጡር ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳያስን ሰዓብቱን  ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽ ከስምሩ ይኽእሉ እዮም ዝብልዎም ሜላታት ብቐጻሊ ክኽተሉ ከምዝረኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ንሕቶን መሬትን መለሳኡን ዘይቅኑዕ መንገዲ እንዳትሓዙ፡ ብትሕዞ መሬት ኣብ ዝኽሰቱ ግጭታት ውሕሉል ፍትሒ ብምቕዳም ንዝነባበር ህዝቢ ኤርትራ ከናቚቱ ከምዝጽዕሩ እዩም ዝውቀሱ።

በዚ መሰረት መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ እዚ ቀጻልነቱ ኣውሒሱ ዝመስል ገዚፍ ግህሰት ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺቡ ፍታሕ ክናደየሉ ንኩሎም ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ተሓለቕትን ተንቀሳቐስትን ሰብኣዊ መሰላት ተራኦም ክጻወቱ ይምሕጸን

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →