Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ፤ መንበሪ ኣባይቲ ናይ 3 ሽሕ ስድራቤታት ከተማ ኣስመራ ብዶዘራት ኣዕኒዩ

By   /  April 11, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ፤ መንበሪ ኣባይቲ ናይ 3 ሽሕ ስድራቤታት ከተማ ኣስመራ ብዶዘራት ኣዕኒዩ

    Print       Email

Adikeih-March-2015-The-regime-destroying-homesመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናብ ወርሒ ሚያዝያ ፥ ዛጊት መንበሪ ኣባይቲ ናይ 3 ሽሕ ስድራቤታት ከተማ ኣስመራ ብዶዘራት ከምዘዕነወ ወኪላት ድምጺ መድረኽ ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

በቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ብኣሽሓት ዝቚጸር ኣብ ከባቢታት ጎዳይፍ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ማይ ጨሆት፣ ዓዲ ጓዕዳድ፣ ክልቲኡ ገጀረትን ቀሓውታን  ዝተዶኮኑ ኣባይቲ፣ ልዑል ቊጽሪ ኣባላት ሰራዊትን ማሺነሪታትን ብምውፋር ክዓኑ ከምእተገብረ ዘመልከቱ እቶም ወኪላት ፥ ከም ሳዕቢኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ስድራቤታት ብዘይ መጽለሊ ተሪፈን ናብ ቃልዕ ተድርቢየን ከምዘለዋ ኣፍሊጦም።

ክፍሊ ሕንጸጻ መሬት ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ዞባ ኣብ ጥዩስ መሬት ዝተሃንጹ’ሞ ዛጊት ዘይፈረሱ ሓደስቲ ኣባይቲ  ክዓንዉ  ንኻልኣይ እዋን ምውሳኑ፤ በዚ መሰረት ነብርቲ ናይቶም ካብ ሕንጸጻ-ከተማ ወጻኢን ኣብ ዝተሸጠ ጥዩስ መሬትን ተሃኒጾም  ዝብል መመኽነይታ ዝተነጽፈሎም ገዛውቲ ክሳዕ 2 ሚያዝያ ካብ መንበሪኦም ከልግሱን፣ ምፍራስ ኣባይቲ ሻቡ ክጅምር ምዃኑን ወኪላትና ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

እቲ ብ 2 ሚያዝያ ክትግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ምዕናው መደብ ብሰንኪ እቲ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን መንእሰያት ዝተፈጸመ ቅትለትን ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕባለታትን ንክልተ መዓልታት ከምዝተደናጎየ ክፍለጥ እንከሎ ፥ እቲ ዕንወት ብ 6 ሚይዝያ ተግባራዊ ከምዝኾነ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቚጸራ መንበሪአን ዝዓነወን ስድራቤታት ናብ መቕርበን ክጽገዓን እተን ኣብ’ታ ከተማ ዝኾነ ዘመድ ዘይጸንሐን ድማ ናብ ዓድታተን ከምርሓን ተገዲደን ከምዘለዋ ፥ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ’ታ ከተማ ገዚፍ ማሕበራዊ ነውጺ ሰፊኑ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

ኣባይቶም ክፈርስ ምዃኑ ተነጊርዎም ዝጸንሐ ዜጋታት፣ እቲ ዝሃነጽዎ መንበሪ ንሕግታት መሬት ዝረገጸ ከምዘይኮነን እቲ መሬት ንዓኣቶም ከምዝተጠየሰሎም  ዘመስክር ሰነዳዊ መርትዖታት ከምዝዉኑን ንክፍሊ ሕንጸማ መሬት ዞባ ማእከል ክሕብሩ እኳ እንተጸንሑ ፥ በቲ ክፍሊ ዝተወስደ ዉሳኔ ዕጹው ብምንባሩ ናይቶም ነበርቲ ጠለብ ጸማም እዝኒ እዩ ተዋሂብዎ።

ህዝብና – ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰሙን ቕትለት መንእሰያትን ምዕናው ኣባይቲን ኣብ’ታ ከተማ ምርኣዮ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጊስዎ ንዘሎ ጽለኣት ኣበሪዂ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ወኪላት ድምጺ መድረኽ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንዝደራረቦ ዘሎ ኣደራዕ ክጻወር ዘኽእሎ ዓቕሚ ይጽንቀቕ ምህላዉ ዘግህዱ ምልክታት ይበዝሕ ምህላዎም ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →