Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓለዋ ባሕሪ መንግስቲ ኤርትራ 9 ፍሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ

By   /  April 7, 2016  /  Comments Off on ሓለዋ ባሕሪ መንግስቲ ኤርትራ 9 ፍሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ

    Print       Email

ሓለዋ ባሕሪ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ጥሑሶም ኣቲዮም ንዝበሎም 9 ፍሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ ከምዘሎ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።ANNOUNCEMENT SATELITE

እዞም ኣብ’ዚ ሳልስቲ እዚ ዝተቐየዱ ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ’ቲ ኣብ’ዚ እዋን ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ’ኳ ከይጥቀሙሉ ተኣጊዶሙሉ ዘለዉ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ጥሒሶም ስለዝኣተዉ ተቐዪዶም ምህላዎም ዘቃለሓ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ ፥ ኣብ ከተማ ካይሮ ናይ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ፊሊፒንስ ብዛዕባ ድሕነት ናይቶም ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ጀሚሩ ከምዘሎ ይሕብራ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ብኣሃዱ ሓለዋ ባሕሩ ተቐዪዶም ዝርከቡ 9 ፊሊፒናውያን ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝገዘፈ ማያዊ ግዛኣት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ዕላማ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ ልዕሊ የመን ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣስሚሩ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ብክፍሊት ሓዚኡዎ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ ፥ ንኤርትራዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ዝበዘሓ ማርሳታትን ዓሳ ዝገፉሉ ማያዊ ሕዛእቲን ኣሳጒጉዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ኪንዮ ገንዘባዉን ጸዓታዉን ሓገዛት ናይ ኣጽዋር ግንዖ’ውን ኣዉሒሱ ምህላዉ ዝንገረሉ መንግስቲ ኤርትራ ፥ ነቶም ኣብ ሃገሮም ወዲቚ ብዘሎ ጸጥታ ተዳፊኦም ናብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዘምርሑ የመናውያን ስደተኛታት፡ ኣባላት ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲን ዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ዓሳን ከምዝኾኑ ኣምሲሉ ኣንዳቐየደ ፥ ኣብ ምርግጋእ እቲ ማያዊ ከባቢታት ልዑል ተራ ይጻወት ከምዘሎ ኣምሲሉ ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራትን ተወሳኺ ሞሳ ክቕበል ይሃልኽ ከምዘሎ እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሕብሩ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →