Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣዕረፍና ሞት! (ግጥሚ ብኣስመረት መድሃኔ)

By   /  April 19, 2016  /  Comments Off on ኣዕረፍና ሞት! (ግጥሚ ብኣስመረት መድሃኔ)

    Print       Email

Screen Shot 2016-04-14 at 7.47.36 AM   

 

 

 

ኣዕረፍና ሞት!                             

 ንብዓት ኣዒንትና ገና ከይነቀጸ 

ጓሂ ውሽጥና ከይነጸፈ

 ውሽጠ ልቢ ከይቀበጸ፥፥

ኣብ ህላዋን ስጥመትን

ሕልና እናንሳፈፈ

ኣጋውላኻ ዕረ እናወሰኸ

ውሽጥና እናሃሞኾ፥፥

ሓንሳብ እባ ኣዕርፈና!

ኣህድኣዮ ንልባትና

ኣሳልዮ ንውሽጥና

ኣዕርፈና ሞት፡፡

ስለዚ ውጹዕ

ምንባር ዝተበቆ

ስለ ንኡስ

ዕምሩ ዘይጸበቆ

ስለ ግዳይ

ዘይበልየሎ ማሕንቆ፥፥

በጃኻ እባ ባሕሪ

ውጽዕኡ ርኣዮ

ጽላል ኮኑ ሽግሩ ግትኣዩ፥፥

ኣዕርፈና ሞት

ኣብርየና ሞት

ስለዞም መንእስያት፥፥

 

ኣስመረት መድሃኔ

18 ሚያዝያ 2016

    Print       Email

You might also like...

Dust whirlwind twister during summer drought on farm, Waikato, North Island, New Zealand, Pacific

ቀጽሪ ፍትሒ፥ ደድሕሪ ንፋስ ዘምጸኦም ዘረባታት ካብ ሙግያይ ክድሕን መታን፥ ናይ ባዕሉ መዛረቢ ኣርእስታት ክህልዎ ይግባእ።

Read More →