Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዘይንቡር ሃዋህው ይረአ’ሎ።

By   /  April 13, 2016  /  Comments Off on ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዘይንቡር ሃዋህው ይረአ’ሎ።

    Print       Email

Kassalla-City-Centerካብ ሰንበት 10/04 ናይ ምሸት ጀሚሩ ካብ ቃሩራ ክሳብ እምንሓጀር ዶባት ክዕጸውን ዝኾነ ምንቅስቃስ ከይግበርን ጽኑዕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም። ድሕሪ እዚ ትእዛዝ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ካብ ስንበት ምሸት ኣትሒዙ ብግርማይካን ኣርባዕታ ዓሸርን ናይ ንግዲ መካይን ይኹና ካልኦት ናኣሽቱን ዓበይትን መካይን ተዓጊተን ይርከባ። ብሕልፊ ኣብ ግርማይካ ልዕሊ 10 ዝኾና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማካይን ከም ተዓጊተን ምህላወን  እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብዘይካዚ ኣብ ከባቢ ተሰነይን ከሰላን  ንግዚኡ ጠንቁ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ዘይንቡር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ጸቢብ ምቁጽጻርን ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኮሎ ኣብ ፋንኮ ብሰሉስ 12 ሚያዝያ ኣጋ ምሸት ሓንቲ ማኪና መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ብኣርብጂ ከም ተሃረመትን ዝሓበሩ ምንጭታትና እታ ዋንነታ ናይ ምክትታል ዶባት ዝኾነት ማኪና ሓደ ንግዚኡ ስሙ ዘይተረጋገጸ ሓላፊ ተሳፊርዋ ከም ዝነበረን ኣብታ ማኪና ካብ ዝነበሩ ጠቕላላ ተሳፈርቲ ድማ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ተፈሊጡ።

    Print       Email

You might also like...

Former Eritrean fighters injured in their 30-year war of independence against Ethiopia and their current  border war with the same country at a rehabilitation camp south of the capital Asmara.

56 ስንኩላን ኩናት ስሞምን ክታሞምን ብምስፋር ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

Read More →