Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ድሕነት ንኤርትራን ህዝባን ይኹን

By   /  March 25, 2016  /  Comments Off on ድሕነት ንኤርትራን ህዝባን ይኹን

    Print       Email

download (1)ምስ ነጻ ምግዳፍ ምሩኻት ተኣሳሲሩ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዙሕ ጋዜጣዊ ጽሑፋት፥ ዓንቀጻት ናይ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታትን ወግዓዊ መግለጺታት ክወጽእ ቀንዩ ኣሎ። ኩሉ ትሕዝቶታቱ ኣብ ሓደ መኣዝን ዝጠመተ ኮይኑ ቆላሕትኡ ኣብ ምምላስ ምሩኻት ጅቡታውያንን ናብ ሃገሮም ዝቐንዐ እዩ። እቲ ቀንዲን ነባርን ግዳይ ማለት ህዝቢ ኤርትራን ከርተቱን ኣብቲ ጽሑፍ የለዉን።
እቲ ካብ መንግስቲ ቀጠር ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ንኣንባቢኡ ብዘገርም ኣገባብ ሃገረ ኤርትራ ወይ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝብል ቃል ፈጺሙ ኣይጠቐሰን። ጅቡታውያን ምሩኻት ነጻ ተገዲፎም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዝበለ እቲ መግለጺ መን ሒዝዎም ዝነበረ ምሩኻት፥ ኣበይ ዝጸንሑ ምሩኻት፥ ንኽንደይ እዋን ተታሒዞም ዝጸንሑ ምሩኻት፥ ብመን ዝተፈነዉ ምሩኻት፥ ስለምንታይ ነጻ ወጺኦም እቶም ምሩኻት፥ በየናይ ስምምዕን ኣበይን ነጻ ዝወጹ ምሩኻ ከይጠቐሰ ከም ግስን በዓልቤትን ዘይብሉ ሓረግ ብጎደሎ ሓሳባት ተጻሒፉ ኣሎ።ከም ትጽቢት ድማ ብቕጽል ዝተተኽተኹ ናይ ዮሃና መግለጺታት ስዒቦሞ።

መንግስቲ ቀጠር ነዚ ብጥንቃቐ ዝጸሓፍዎ መግለጺ በዚ ኣገባብ እዚ ክጽሕፍዎ ዝመረጹሉ ምኽንያት ምስቲ መትሓዚ ዝሰኣኑሉ ባህርያት ናይ መራሒ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ሙኻኑ ንዝኾነ ሀሁ ናይ ፖለቲካ ዝፈልጥ ሰብ ዝኽወሎ ኣይኮነን። ከምቲ ሃሪ ትሩማን “Tact is the ability to step on a man’s toes without messing up the shine on his shoes.” ማለት ‘ዲፕሎማሲ ማለት ንሰብ ጫምኡ ከየበላሸኻ ዓባይዓባይቶ እግሩ ምርጋጽ ማለትዩ’ ዝበሎ መግለጺ መንግስቲ ቀጠር ን8 ዓመት ሓስዩ ምሩኻት የብለይን እንዳበለ ኣሉ ክብል ዝጸንሐ መራሒ እነሆ ቃሉ ሓሶት ኮይኑ ጸኒሑ ጅቡታውይን ምሩኻት ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ ከይበለ ኢሉዎ ኣሎ። መንግስቲ ቀጠር ጫማ ኢሳያስ ኣየበላሸወን ዓባይዓባይቶ እግሪ ኢስያስ ግን ግርም ጌሩ ሓምቲልዎ ኣሎ።

ግደ ሓቂ እቲ ዋና ነገር ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ እንታዩ ሸነኑ? ከም ኩሎም ጉዳያት ብዛዕባ ምፍናው ምሩኻትን እረ ብዓቢኡ ብዛዕባቲ እቶም ምሩኻት ዝተማረኹሉ ውግእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓበሮ የለን። እዚ ጉዳይ ንህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ሃገር እዩ። ጉዳይ ዶቡን መሬቱን እዩ፥ ጉዳይ መስዋእቲ ደቁ እዩ፥ ጉዳይ ናይተን ኣብቲ ኩናት ሰብኡተን ዝተሰውኡ መርዑት፥ ኣቦታቶም ዝተሰውእዎም ዘኽታማት፥ ኣሕዋቶ ዝተሰውእዎም ኣሕዋትን ኣሓትን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱን መጻኢኡን ዘይሕበሮ፥ ብህግደፍ ዝተባህሎ ጥራይ ክገብር ናብ ዘለዎ ብበትሪ ዝመሓደር እኩብ መጓሰ ሰብ ናብ ዝመስል ካብ ዝቕየር ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣገልግሎት ደቁ ነዊሑ መንእሰያቱ ዝዘምዱሉን ዝደርዑሉን እዋን ሓሊፍዎም ኢሉ እንዳስቆርቆረ እቲ ደቁ ዝመንዘዐ ጉጅለ ናብ ህድሙኡ መጺኡ ንስኻ ውን ዕርፍኻን ነዊትካን ደርቢኻ ዕጠቕ ኢሉ ኣዚዝዎ። ደቀይ ወሲድካ ነዓይ ደጊምካ መሬተይን ርስተይንከ ኢሉ ዓው ኢሉ ብኸመይ ግን ብልቡ ምስሃተተ ይባድም ይቓድር ዝብል መልሲ ምህላዉ ተገንዚቡ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ህይወቱ ኣይኮነን። ዝውንና ሩሕ፥ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝእዝዛ ነብሲ የብሉን። ዋና ነብሱ ሓደ ኢሳያስ ዝበሃል ሰብ እዩ። እንተደልዩ የዕጥቖ፥ እንተደልዩ ናብ ምድረበዳታትን ጣሕርታትን የሳድዶ፥ እንተደልዮ ይኣስሮ፥ እንተደልዩ ቴሌፎናቱን ናይ ስድራቤት ህይወቱን ይጸናጸኖ፥ እንተደልዮ ገንዘቡ ይዘምቶ ኣሎ።

እቲ ሓደ ሰብኣይ ነታ ብኸቢድ ዋጋ ዝመጸት ሃገር ምስ ሚልዮናት ህዝባ ከም ናይ ውልቁ ንብረት እንተደልዩ የባጭወላ፥ እንተደልዩ ናብ ኩናት ይሸማ ኣሎ። ከም ኩሎም ሳዲስትስ ውሽጡ ስቓይ ስቓይ እንተሸቲትዎ እቶም ወላ ምልካውያን ውን ዘይጭክኑሎም ህጻናትን ኣዴታትን ከሳቒ እቲ ጨካን ልቡ ባህታ ይወሮ። ኮይኑ ድማ ህጻናት የሳቒ ኣዴታት የንብዕ ኣሎ። መንፈሱ ብዓዛብ ሰባት እዩ ዝረዊ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘይጽወር መከራ ተሰኪሙ ዘሎ ሰነፍ ስለዝኾነ ወይ ድማ ከም ካልኦት ህዝብታት ተኾሚርዎ ንዘሎ ብስጭት ከንቱጎ ስለዘይደለየ ኣይኮነን።ስለዘይከኣለ ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ እቶም ትማሊ ዘይስገር ዝሰገሩ ተጋደልቱ ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ኣፈሙዝ ብረት፥ ምንቅስቓሱ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ምጽንጻን ስለዘሎ እቲ ክገብሮ ዝደሊ ከይገበሮ ተቐዚፉዩ። ንምግባር ምውዳብ እዩ መሰረቱ፥ ምውዳብ ድማ ምብዛሕ እዩ ምስጢሩ። ኣብዛ ኣብ ነብሲወከፍ ኩርናዕ ሰላዩን ሰዋሪን ኣቀሚጡላ ዘሎ ኤርትራ፥ ኣብዛ ሰብ ሓሲብካ ተባሂሉ ዝእሰረላ ሃገር እዚ ስራሕ እዚ ቀሊል ኣይኮነን፥ ምስናይ ክብደቱ ግን ካብ ውሽጢ ሓበሬታ ዝልእኩ፥ ንህዝቢ ንለዓል ዝብሉ፥ ህይወቶም ኣብ ቀጢን ፈትሊ ሞትን ህይወትን ዘጓዕዙ ብዙሓት ምዑታት መንእሰያትን ተጋደልትን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ናብ መእተዊ ጉዳይና ንኽንምለስ ምፍናው ምሩኻት ጅቡታውያን ቅድሚ ኩሉ ንኤርትራውያን ዘገድስ ሕቶታት ኣለዎ። እቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተኸሰተ ውግእ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዶባት ሃገሩ፥ መስዋእቱ ደቁ፥ ብዓቢኡ ድማ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነቱ ስለዝኾነ ስለምንታይ ዘይተሓበረ፥ ሎሚ ድሕሪ 8 ዓመታት እቲ ጉዳይ መፍትሒ ዘይረኸበሉ ምኽንያት ስለምንታዩ፥ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ፥ ወተሃደራዊ፥ ጸጥታዊ፥ ውሳነታት መን ይውስኖም ነይሩ? በየናይ መንግስታዊ መስርሕ፥ ን8 ዓመታት ዝኣክል ምሩኻት የብልናን ምባል ረብሕኡ እንታይ ኔሩ፥ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ሕጊኸ ንኤርትራ ኣብ ምንታይ ደረጃ የውድቓ? ሕጂ ምሩኻት ነጻ ምፍናው ዝተወሰነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፥ ኣብቲ ውሳነ ኣየኖት መንግስታዊ ኣካላት ተሳቲፎም ወይ እንታይ ምምኽኻር ተገይሩሉ? ኤርትራ ካብዚ ጉዳይ እንታይ ከሲራ፥ ኤርትራ ኸ ኣብቲ ኩናት ምሩኻት ኔሮማ ዶ፥ እንተኔሮም ንስለኦም ንምሕላቕ እንታይ ተጌሩ፥ ድሕሪ ሕጂ ካብዚ እተሓሕዛ እንታይ ንመሃር፥ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ እዋኑ ኩናት ኣጋጢሙ ከምዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ድማ እቲ ዘጋጠመ ኩናት በዚን በዚን ምኽንያት ኢዩ ኢሉ ከምዝኣምን እቶም ምሩኻት ድማ ፍቕዶም ክንድዚ እዩ ናብ ቀይሕ መስቀል ድማ ብወግዒ ነረክብ ክብል ዘይመረጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ብዛዕባ ዘጋጠሙ ኩነታትን ዝተኸተሉ ኣገባባትን መርሚራ ንህዝቢ ኤርትራ ርኽበታታን ተሓተትቲን እትገልጽ ሽማግለ ክትቀውም ዲያ፥ ናይ መወዳእታ ተሓታቲ ናይዚ ጉዳይ መንዩ ኪኸውን፥

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅዋም እትመሓደር፥ ልዕልና ሕጊ እምበር ልዕልና ሓደ ሰብኣይ ዘየመሓድራ ንብርቲ ሃገር እንተትኸውን ክሕተቱ ዝግበኦም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታት እዮም ኔሮም። የግዳስ እቲ ንህዝዝቢ ወኪሉ ነዞም ሕቶታት ክሓትት ዝኽእል ዝነበረ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንባዕሉ ውግእ ተኣዊጁሉ፥ እቲ ድምጺ ህዝቢ ኪኸውን ዝኽእል ዝነበረ ናይ ብሕቲ ፕረስ ተሓይሩ፥ ስለዝኾነ ሓታቲ የለን። እቲ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ከይሓትት ድማ ይትረፍ ጉዳይ ምሩኻትን ማዕዶን ጉዳይ ህይወቱን ናቕፍኡን ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ።

እቲ ሓደ ክሓትት ዕድል ዘለዎ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ እዩ። መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ ናብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ዘቕርቦ ሕቶታቱ ን8 ዓመታት መመላእታ ንህዝቢ ኤርትራ ምሩኻት የለዉን ክትብል ጸኒሕካ ሕጂ ግን ምሩኻት ከምዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነ ብወግዒ ከምዝተፈነዉ ብመራኸቢ ብዙሃን ዓለም ተቓሊሑ ኣሎ 1) ስለምንታይ ህዝቢ ሓሶት ሓበሬታ ክወሃቦ ጸኒሑ መወዳእትኡ ውን ጉዳዩ ከሎ ብቐጥታ ብመራኸቢ ብዙሃን ዘይተሓበረ 2) ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ህጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት ገበኖም እንታዩ? በየናይ ሕጋዊ መስርሕ እዮም ተፈሪዶም? መዓስ እዮም ዝፍትሑ ዝብል ኪኸውን ኣይኮነን። እንታይደኣ ሕቶኡ ‘’ ክቡር ፕረሲደንት ንህዝቢ ኤርትራ ተመሓላልፎ ማዕዳን ምኽርን እንታይ ኣሎ ዝብል ሙኻኑ ብኣግኡ ፍሉጥዩ። ህዝቢ ድማ ካብቲ ንደቁን ህይወቱን ዘሳቕዮ ዘሎ ሰብኣይ ነቲ ዝወርዶ ዘሎ ስቓይ ከመይ ክቕበሎ ከምዘለዎ ምኽርን ማዕዳን ክሰምዕ ትጽቢት ክግበረሉ እዩ። ኣሳቓዩ ህዝቢ የሳቒ፥ ኣዳኻሪ የጣቕዕ፥ ህዝቢ ስቅያቱ ይቕጽል – ግን ከኣ ክሳብ መዓልቲ ትኣክል።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →