Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

‘ደሞዝ ክውሰኽዩ ናብ ኣሃዱኹም ተመለሱ’ ዝብል መፈንጠራ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።

By   /  March 22, 2016  /  Comments Off on ‘ደሞዝ ክውሰኽዩ ናብ ኣሃዱኹም ተመለሱ’ ዝብል መፈንጠራ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።

    Print       Email

satellite dish

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ናይ ደሞዝ መብጸዓ ብምእታው ንኹሎም ንዓመታት ካብ ኣሃዱኦም ዘብኮሩ ኣባላት ሰራዊት ናብ ኣሃዲኡም እንተተመሊሶም ምሕረት ክወሃቦምን ደሞዞም ክጅምርን ሙኻኑ ዘውጸኦም ኣዋጅ ንዝኾነ ካብ ኣሃዱኡ ኣርሒቚ ዝርከብ ዜጋ ከስድዕ ከምዘይከኣለ ምንጭታትና ሓቢሮም።

በቲ ኣዋጅ ተደናጊሩ ናብ ኣሃዱኡ ዝተመልሰ ዋላ ሓደ ኣባል ሰራዊት ከምዘየለ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት ፥ ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ኣሃዱታቶም ተሰዊሮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ውልቃዊ ዋኒኖም ከካይዱ ንዝርከቡ ዜጋታት ብሓይሊ ንምምጻኦም መደባት ይሰርዕ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኣቲዩ ዘሎ ወጥሪ ፥ ንጡፋት ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ጥራይ ዘይኮና ኣሃዱታት ህዝባውን ዕቚርን ሰራዊት እዉን ኣብ ጽዑቕ ታዕሊምን ዳግመ ስርርዕን ከምዝርከባ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ ኣባላት እተን ኣሃዱታት ነቶም ታዕሊማት ነጺጎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት የብሉ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣውጺኡዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ ንኣባላት ሰራዊት ከእምን ዘይኮነ ፥ ሕቡእ ኣጀንዳ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘሎ ዘፍእም ኣዋጅ ኮይኑ ብምህላዉ ቊጽሪ ናይቶም ካብ ኣሃዱታቶም ዝስወሩን ናብ ስደት ዘምርሑን ኣባላት ምክልኻል ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

እቶም ዜጋታት ንሃገሮም ኪከላኸሉ ስለዘይመረጹ ዘይኮነስ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ከይተወለዐ ኣይተርፍን ኣብ ዝበሃል ዘሎ ኲናት ተጸንቢሮም ከምቶም ኣቐዲሞም ዝተሰዉኡን ዝሰንከሉን እሞ መስዋእቶም ከምጽኦ ዝነበሮ ሓርነት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተጨውዮም ወገናቶም ክኾኑ ስለዘይመርጹ ሙኻኖም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰገሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ሰራዊትን ይገልጹ።

ንሳቶም ኣብ መግለጺኦም፥ ህግደፍ ንህዝቤ ኤርትራ ከም መሳገሪ ሽግሩ ጥራይ ክጥቀመሉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ተቖጺሩ ከምዘሎ፥ ሕጂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቲዩዎ ዝመስል ጽምዶ ይዓርግ ብምህላዉ ድማ ንዓመታት ተረሲዑ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ “ምሳና እንተሃሊኻ ኣይንቐጽዓካን ገንዘብ ድማ ክንዉስኸካ ኢና” እንዳተባህለ ዳግማይ ናብ ገደል ንምሽማሙ ይጽዕት ከምዘሎ እዮም ዘረድኡ

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →