Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዘቤታዊ ጸጥታዊ ስርርዕ ዝለዓለ ቀዳምነት ይወሃቦ ምህላዉ ተገሊጹ።

By   /  March 25, 2016  /  Comments Off on ዘቤታዊ ጸጥታዊ ስርርዕ ዝለዓለ ቀዳምነት ይወሃቦ ምህላዉ ተገሊጹ።

    Print       Email

satellite dishፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ 21 መጋቢት ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ፥ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ፥ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፥ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ክሳን ሚኒስተር ጸዓትን መዓድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ኣብ ከተማ ኣስመራ ብፍሉይ ኣኪቡ ሓዲሽ መደባት ስራሕ ከምዝሃቦም ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዘቤታዊ ጸጥታዊ ስርርዕ፥ ኣበዓዕላ ጽምብል ነጻነት፥ ወተሃደራዊ ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ ፡ ምዕባሌታት ደምበ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲን ማእከል ዛዕባ ገይሩ በቲ ፕረዚደንት ዝተዋህበ መደብ ስራሕ ፥ ቀንዲ ዕላማኡ ውሽጣዊን ግዳማዉን ጸቕጥታት ከዝልቚ ኣብ ዝኽእሉ ሜላታት ዓቲብካ ንምስራሕ እዩ።

ኣብቲ መደባት ስራሕ ሰፊሩ ዘሎ ገዚፍ መደብ ፥ ንጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤል መዓልቲ ናጽነት ልዑል መጠን ገንዘብ ኣዉፊርካ ምስሉይ ህዝባዊ ደገፍ ምሽማት ዝብል እዩ ። በዚ መሰረት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ መንእሰያት ህግደፍ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎም ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዮም ኣብ’ቲ በዓል ንኽሳተፉ ዘድሊ ምወላ ክካየደሎም ፥ ንመጓዓዝያኦም መጻኒሒኦምን ዝኸዉን ወጻኢታት ክቕረብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ነቶም ተኣከብቲ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ርክብ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ መብዛሕተን እተን ተቓውምቲ ውድባት ኢለን ዝንቀሳቐሳ ውድባት ብዙሕ ትርጉም ዝወሃበን ከምዘይኮነ የግዳስ ዝበዝሐ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎ ጽልኣት ገዚፍን ስምብራት ዝገብርን ዘሎ ሙኻኑ ነቶም ተጋባእቲ ዝገለጸ ፕረሲደንት እቲ ንህግደፍ ዝጸልእ ሓይሊ እንዳበርተዐ ምኻዱን ክሳብ ናብዚ ደረጃዚ ዝበጽሕ ክግደፍ ከምዘይነበሮን ዘተሓሳስብ ትርር ዝበለ መግለጺ ከምዝሃቦም ተፈሊጡ። ንተቓወምቲ ብዝምልከት እቲ ዘስግእ እቲ ኣብ ዶባት ኮይኑ ግብራዊ ስራሕ ዝሰርሕ ውሑድ ጉጅለ ብሙኻኑ ዝያዳ ናብኡ ቆላሕታ ተዋሂቡ ፥ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን ይምዉሎ ከምዘሎ ዝጠቐሶ ደምበ ንምፍራስ ስለያዉን ቅንጸላውን ወፍርታት ክሕይሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀጺሉ ፥ ደምበ ተቛውሞ ከም ቀዳማይ ጸላኢና ወሲድና ቅድሚ ጽምብል 25 ዓመት ናጽነት ከነጥፍኦ የድሊየና’ሎ ክብል እዉን’ዩ ተሰሚዑ እሎ።

ነቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወጢሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩነታት ብዝምልከት እዉን እቲ ፕረዚደንት፥ ምስ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ ምትፍናን ናብ ኲናት ክዓርግ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ነቲ ኩነታት ድሉው ኴንካ ንምጽናሕ ድማ ዝትግበሩ ዘለዉ ኣልመምቲ ወተሃደራውያን ግፋታትን ጽዑቕ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊትን ምዱብ ሰራዊትን ’፡ምምዝጋብ ዕቚር ሰራዊት ከምኡ’ውን ንጡፍ ሰራዊትን ብዝሓየለ ክቕጽሉ ኣዚዙ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →