Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ውልቀመላኺ ክንቀትለኩም ሓግዙና ዝብለሉ ዘመን

By   /  March 21, 2016  /  Comments Off on ውልቀመላኺ ክንቀትለኩም ሓግዙና ዝብለሉ ዘመን

    Print       Email

ስርዓት ህግደፍ ዘብቅዓሉ እዋን ይኣክል ከምዘሎ ዘርእዩ ብዙሓት ምልክታት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ብብዝሒ ይኽሰቱ ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይግህስ ዝምስክሩ ቕጥዕታት፡ ዝተፈትሑ ፖለቲካውያን እሱራት መሲሎም ምስጋናኦም ነቲ ኣሲርዎም ዝነበረ ስርዓት ዝገልጹ ሃሱሳት፡ ምውሳኽ ደሞዝ ከምዝተገብረ ዝገልጽ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢንተርነት ዘመተ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝተመደበ ረድኤት ንምርካብ ዝገበሮ ክፉት ዘመተን መግለጺ ታሕጓስን ውልቀ መላኺና ኣብ ምቕዛፍ ንጹሃት የመናውያን ብዝተጻወቶ ተራ ኣብ ታቤላ ስእሉ ተሰቒሉ ተባሂሉ ዝተገበረ ናይ በሃማት ዳንኬራ ውሑዳት ምልክታት ምኽታም ስርዓት ህግደፍ’ዮም።

ኣብ መወዳእታ 2015 ብመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዝቐርብ ጸብጻባት ዝኽሕድ ቅጥዕታት ናብ ኤምባሲታት ብምዝርጋሕ ብለመናን ብምፍርራሕን ዜጋታት ክመልእዎ ይጽዕር ኣሎ። እቲ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ከም ገበናት ኣንጻር መላእ ዓሌት ደቂሰብ ክቝጸር ዝኽእል ግህሰታት ክብርን ድሕነትን ዜጋታት ይፍጸም ከምዘሎ እንተገሊጹ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ብቕልጡፍ ሓቂ ወይ ሓሶት ምዃኑ ክገልጽ ይግብኦ። እቲ ዝተጋለጸ ግህሰታት ሓቂ እንተዀይኑ፡ እቲ ስርዓት ክእለ ወይውን ብቕልጡፍ ርኡይን ተጨባጥን ለውጢ ኸምጽእ ይግብኦ። ነቲ ዝቐረበ ኣማኢት ገጻት ዘለዎ ጸብጻብን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንዓመታት ዝሓለፎ መከራን ይኽሕድ እንተዀይኑ ኸኣ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ዝርከቦም ነጻ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ሃገር እናተዘዋወሩ ነቲ ዝጥቀስ ኩነታት ክምርምርዎ ከፍቅድን ምሉእ ምትሕብባር ክገብርን ይግብኦ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ነታ ኣብ ሃገር ኣትያ ነቲ ዝተባህለ ግህሰታት ከይትምርምር ዝኸልከላ ኮሚሽን፡ ነቶም ንልዕሊ 14 ዓመታት ናብ ስደት ዝወሓዙ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብምሕታት ንዝረኸበቶ ሓበሬታ ጠርኒፋ ጸብጻባ ምስኣቕረበት፡እቲ ዓማጺ ተዓመጽና እናበለ የእዊ ኣሎ። ህግደፍ ዝሕባእ ማእለያ ዘይብሉ ጉድ እንተዘይብሉ ነጻ መርመርቲ ኣካላት ኣብ ሃገር ክኣትዉTORTUREን ክዕዘቡን ዘኸልክል የብሉን። ህግደፍ ንዝጨበጦም ንኣሽቱ ዓወታት ንባዕዳውያን ናይ ምርኣይ ልዑል ባህግን ልምድን ዘለዎ ጉጅለ’ዩ። ማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ኣብ ርእሰኸተማ ጥራይ ክዛወሩ ንዝተፈቕደሎም በጻሕቲ ሃገር እናኣዛረባ፡ ወጻእተኛታት ብርግኣትን ጽባቕን ከተማ ኣስመራ ከምዝድነቑ ኣጋዊሐን ኣይጸግባሉን’የን። ነዚ ካብ ባህሊ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዝብገስ ርግኣትን፡ ነቲ ዝወሰኹሉ ዘይብሎም እኳ ደኣ ፍሒሮምን ኣእሪጎምን ዝደወንዎ ኣብ ቦትኡ ዝጸንሖም ጽባቐ ከተማ ኣስመራን ክንድዚ ዝምክሑሉ እንተዀይኖም፡ ባዕሎም ዝዓመምዎ ንእሽቶ ጽቡቕ እንተዝርከብ ንዝደለየን ዘይደለየን እናዕደሙ ከርእዩ ካልእ ስርሖም ምረስዑ ኔሮም። ይትረፍ መርማሪት ኮሚሽን ግህሰት መሰላት፡ ንተራ በጻሕቲ ሃገር ካብ ርእሰኸተማ ክወጹ ዝኽልክል ህግደፍ፡ ሃገር ብምልእታ ዘይብቕዓቱን ዓመጻቱን ዘጋልጽ ጉድ መሊኣ ኸምዘላ ስለዝፈልጡ ዝወሰንዎ’ዩ።

ቀዳማይ ጸላኢ ህግደፍ ልዕልና ሕጊዩ። ነጻ ኣካል ዘይሻራዊ መርመራ ፍርዳዊ መስርሕ ጭብጥታት ክሲ ትካላዊ ኣካይዳ ዓለማውን ሃገራውን ሕግታት ወዘተ ከም ኣምር ጓና ከም ኣሰራርሓ ድማ ጸላእቲ ውልቀምልኪ ስለዝኾኑ ከም ዓንዴል እዮም ዝመርዎ ነቲ ስርዓት።

ብመሰረቱ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክትቀውም ዝተደልየሉ መኽንያት፡ ነቲ መናብርቲ ኤርትራውያን ኰይኑ ዘሎ ዛንታታት ግፍዒ ብነጻ ዝዀነ ደጋዊ ኣካል ንምርግጋጹ’ዩ። ህግደፍ ዝሕባእ የብለይን እናበለ ነታ ኮሚሽን ናብ ኤርትራዊ ምእታው ከሊኡ፡ ነቶም ስለዝተበደሉ በቲ ዓለማዊ ውድብ ጉዳዮም ክምርመረሎም ዝተደልየ ዜጋታት ከምዘይተበደሉ ኽምስክሩሉ ይልምኖምን ይሓቶምን ኣሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ፍጹም ዝረኸሰ ስነምግባራዊ ሕልና ህግደፍ ዘግህድ መጋድድቲ ሕሉፍ በደላት’ዩ። እዚ ህግደፍ ኣበጊስዎ ዘሎ ግዱድ ዘመተ ምስክርነት ሓሶት ንመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝደመቐ መረጋገጺ ግዝኣት ፍርህን ግህሰት ኩሎም ሰብኣዊ ኽብርታትን ድሕነታትን’ዩ። ህግደፍ በዚ ዝገብሮ ዘሎ ዜጋታት ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ኣገዲድካ እዚ ዝንተዘይገርኩም ኣብ ሃገር ዘለዉ ስድራቤትኩም ክንጎድእ ኢና ዝብል መፈራርሂ ንመርማሪት ኮሚሽን ዝያዳ መርተዖ ዝህብ እዩ። ኣብ ወጻኢ ካብቲ ጨካን ኣእዳዉ ርሒቖም ንዘለዉ ዜጋታት ከምዚ ዝገበረ ኣብቲ ዜጋታቲ ቆርጢሙ ዝውሕጥ መንጋግኡ ዘለዉ መሳኪን ዜጋታት እንታይ ኑሮ የሕልፉ ኣለዉ ንዓለም ድሙቕ ምስክር እዩ።

ነዚ ኣንጻር ገዛእ ርእሶም ዝምስክሩሉ ቅጥዕታት እንተመሊኦሞ፡ ኣብተን ንኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዑቕባ ሂበን ዘለዋ ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን ነተን ሃገራት ቀሊል መፍትሒ ንጸገም ብዝሒ ስደተኛታት ክዀነን’ዩ። እተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓታ ዘለዋ ሃገራት፡ ንኹሎም’ቶም መንግስቲ ኤርትራ ፍትሓዊ ምዃኑን ኣብ ሃገር በደላት ከምዘይፍጽምን ዝገልጹ ስደተኛታት፡ ብዘይወዓል ሕደር ናብቲ ብኽታሞም ዘረጋገጽዎ ሰላም፡ ፍትሕን ራህዋን ዝመልአ ሃገሮም ክመልስኦም’የን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ዞባውያን ውድባትን ጸለውቲ መንግስታትን እቶም ንበዳሊኦም ዝውድሱ ዝብልዎ ብዘየገድስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውሁብ ኩነት ክኽሕድኦ ኣይክእላን’የን። እንተዀነ ግና ነቶም ብኽታሞም ንስርዓት ህግደፍ ኣድናቖቶም ዝገልጹሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ጸገም ብመሰረት ቃሎም ጸገም ስለዘይብሎም ናብ ሃገሮም ክመልስኦም ክግደዳ’የን። ምስ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣረኣእየን፡ ነቶም ኣብተን ሃገራት ነዊሕ ዝጸንሑ፡ ቅድሚ’ዚ ናይዚ እዋን ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብተን ሃገራት ዝኣተዉ’ውን፡ ብዛዕባ ፍትሓውነት ስርዓት ህግደፍ ብሓሶት ምስዝምስክሩ ናብቲ ፍትሒ ኣለዎ ዝብልዎ ሃገር ክሰጕኦም ክግደዳ’የን። እቲ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት’ተን ሃገራት ዝኣቱ ዘሎ ጉዳይ ብዝሒ ስደተኛታት ብርቱዕ ጠመተ ይወሃቦ ስለዘሎ፡ ንሕበረተሰባተን ከህድኣ ሰፊሕን ኣጠቓላልን ስጉምትታት ክወስዳ ዝግደዳሉ ግዜ’የን ዝኣትዋ ዘለዋ። ንኣህጉራዊ ዝምድናታትን ንስመንን ክብላ ንዘይደለይኦም ስደተኛታት ክቕበላ ነብሰን ይግድዳ’ኳ እንተለዋ፡ ነቶም ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብዎ ጉዳያት ሓሶት ምዃኑ ዝገልጹ ናብ ሃገሮም ከግዕዝኦም ኩሉ ቅቡል መኽንያታት ክዀነለን’ዩ።

ህግደፍ ንህዝቡ ንዒቑ ካብ ኩሎም ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ኣካላት ምስረሓቐ፡ ደንቆሮ ትምክሕቱ ክቐትሎ ከምዝዀነ ሎሚ ይረኣዮ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ንህዝቢ ንምጥባር ዝከኣሎ ዘበለ መደባት ኣውጺኡ ይሰርሕ ኣሎ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ክመውት ዝቐርበሉ ዘሎ፡ ንመላእ ህዝቢ ክሕሱ ዝሓተሉ ዘሎ ናይ ሞት ግዜኡ ኸይተረፈ፡ እቲ ዘካይዶ ዓመጻት ይውስኽ ኣሎ። ቁጽሪ ዝእሰሩን ዝቕተሉን ይውስኽ፡ ህዝቢ ብስም ምቕያር ባጤራ ገንዘቡ ተመንጢሉ ይጠሚ፡ መንእሰያት ተማሃሮ ኣብ መዓስከር ሳዋ ብሓለፍቲ ይዕመጻ፡ መንእሰያት ሃገሮም ክገድፉ ኣስገርቲ ህግደፍ ኣሽሓት ዶላር ተቐቢሎም ናብ ነጋዶ ሰብ ይሸጥዎም፡ ኤምባሲታት ነቶም ዜግነቶም ዝኽሕድኦም ፈርሙልና ይብልኦም፡ ኣረጋውያን ብረት ተሰኪሞም ኣብ ቀዝሒ ቑርን ኣብ ነዲ ጸሓይን ይካላበቱ ሃገር ብውሳነ ናይ ሓደ ፊን ዝበሎ ዝገብር ዘይርጉእ ኣእምሮ ዝውንን ሰብኣይ ብዝወስዶም ውሳኔታት ኣብ ኩናት ስግር ባሕሪ ትኣቱ ኤርትራውያን ድማ ኣብዘይ ጉዳዮም ይሞቱ ኣለዉ።

ብሰንኪ ግፍዕታት ህግደፍ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቀታሊኦምን ቀታሊ ኣሕዋቶምን ዝዀነ ህግደፍ እናወደሱ ብጽቡቕ ክምስክሩሉ ዘይኰነ፡ ነቶም ካልኦት ኣብ ስደት ምስኦም ዝነብሩ ብኣምልኾ ህግደፍ ዝዓወሩ’ውን ከንቅሕዎም ክሳዕ ዝከኣሎም ክሰርሑ ይግባእ። ህግደፍ ኣብ ዜጋታት ኣብ ሃገር ከይነብሩ ኸልኪሉ፡ ኣብ ስደት እናርከበ ኣብኡ ዝነብርዎ ናብራ ከኽፍእ ብመገዲ ኤምባሲታቱ ዜጋታቱ ይሃድን ኣሎ። ዜጋታት ነዚ ፍጹም ንዕቀት ህዝቢ ኤርትራ ዘበገሶ ኣሰራርሓ ብንጥፈት ተበጊሶም ከፍሽልዎ ይግባእ። ኣብቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ መጽናዕቲ መርማሪት ኮሚተ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንተላይ እዚ ናይ ሕጂ ምግዳድ ምምላእ ቅጥዕታት ዝርከቦ ኩሉ ዝወረዶም በደል ከቕርቡ ይግባእ። ንህዝቢ ሰጒጉ፡ ንሃገር ኣዕንዩ ክነብር ዝደሊ ስርዓት ውልቀመላኺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክንቀትለኩም ሓግዙና ክብሎ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ምምላእ ቅጥዕታት ምስክርነት ሓሶት ክመልእ ዝተሓተተ ዘበለ ዜጋ፡ ነቲ ስርዓት ውልቀመላኺ እዚ ሕቶ ብምሕታቱ ዝግሃሶ ኽብሪ ከምዘይድገም ንምርግጋጽ፡ ናብ መርማሪት ኮሚተ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብኣካል ይኹን ብደብዳቤ እናቐረበ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ዘበለ ግፍዕታት ከመዝግብ ኣለዎ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →