Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዉሳኔ ባይቶ ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ

By   /  March 20, 2016  /  Comments Off on ዉሳኔ ባይቶ ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ

    Print       Email

ዉሳኔ ባይቶ ኤሮጳዊ ሕብረት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ።

europen unionባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ እንዳበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኩለዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንመንግስቲ ኤርትራ ዜጠንቅቑ ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህቡ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ብይናት ከምኡ ውን ኣብ ኤርትራ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ግን ከኣ በቲ ስርዓት ዝተጓሕፈ ኤርትራዊ ቅዋም ከም መወከሲታት ወሲዱን ተገንዚቡን ብመንገዲ እቲ ንሱ ዝምረሓሉ ስርርዕ ቅጥዕታት 123(2)ን (4)ን ተማእዚኑ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ዘመልክት እዋናዊ ዉሳኔ በጺሑ ዘሎ ።እቲ ብይን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ምምሕያሽ ኣንፈት ከምዘይብሉ ብምስትብሃል እቲ ብስም ናይ ልምዓት ደገፍ ነቲ መንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ ርእሰማል ኣብቲ ዝተሓለኖ ዕላማ ክውዕል ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ሙኻኑ ብምኽራር ዳግመ ግምት ክገብረሉ ወሲኑ።ልእኽቲ ናይቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ውዕል ዝኸተመ ጉጅለ ልምዓታዊ ደገፍ ድማ ንርእይቶ ናይ ኣባላት ዘይተኽብረሉ ምኽንያት ከምዘየሎ እያ ገሊጻ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብይን እነሆ ከምዘለዎ ተርጉምና ነቕርበልኩም።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ 1993 ጀምሩ ምስ ኤርትራ ክትሓጋገጽ ጸኒሑ ኣሎ። ይኹን ግና ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ተተስፊዮ ዝነበረ ደሞክራስያዊ ኣካይዳን ትካላውነትን ብጉልባብ ምክልኻል ሃገርን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብመንግስቲ እታ ሃገር ተዓፊኑ ይርከብ። ኣብ 1997 ተመዲቡ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫን ተግባራውነቱ ክጸድቕ ዝነበሮ ቁዋምን ዛጊት ክውን ኣይኮነን። ዞባዊ ምርጫታት እታ ሃገር ካብ 2009 ዛጊት ኣይተቓንዑን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ 2002 ዝፈረሰ ሃገራዊ ባይቶ እውን ዛጊት ርክባትን ምርጫታትን ተሓሪሙዎ ይርከብ። ኣብ ኤርትራ ዝወጽኡ ሕግታት’ውን ብተቐያየርቲ ኣዋጃት ዝዉከሉ እዮም።

ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ወጺኣ ኣብ 1993 ልዓላውነታ ምስኣውገዐት፥ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገርን ማሕበረሰብ ዓለምን ልዑል ተስፋ እዩ ተነቢሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባር ኩሉንትናዊ ሰብኣዊ መሰላት ድው ዝበለትን ካብ ዝኾነ ዓዛብን ግህሰትን ሓራ ዝኾነትን ሃገር ክውንን ዝብል ልዑል ተስፋ እዩ ተነቢሩ። በንጻሩ ግና ኣብ’ታ ሃገር ገዚፍ ጸቕጢን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገኒኑ ኣሎ።

ጸብጻባት ፍልይቲ ልእኽቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከምዘነጽሮ፥ ኤርትራ ዝበኣሰ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዕለታዊ ዝምዝገበላ ሃገር ኮይና ከምዘላ፥ እዚ ግህሰት እዚ ድማ ዝኾነ እወታዊ ምምሕያሽ ከይሰቐለ ይቕጽል ከምዘሎ፤ ዝበዝሐ ንኡስ ወለዶ እታ ሃገር ካብዚ ግህሰት እዚን ካብ ገደብ ኣልቦ ባርነታዊ ኣገልግሎታትን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ንምህዳብ ናብ ስደት የምርሕ ምህላዉ፥ ን 18 ኣዋርሕ ዝተኣወጀሉ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ባርነታዊ መልክዕ ሒዙ ናይ ግዜ ስሩዕነቱ ከይሓለወ ይቕጽል ከምዘሎ፤ እዚ ገደብ ኣልቦ ባርነታዊ ኣገልግሎት ንኩሉንትናዊ ቊጠባዊ ቊመና እታ ሃገር ኣልሚሱ ከምዝርከብ፤ መንግስቲ ኤርትራ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕርቦ ዝጸንሐ መሃያ ወሰኽ ገይረሉ ኣለዂ’ኳ እንተበለ እዋናዊ ገንዘባዊ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ንርዝነትን ተወዳዳርነትን ባጤራ ናቕፋ ቀዪዱ ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ፈጢሩ ብምህላዉ እቲ ወሰኻ ደሞዝ ዘምጽኦ እወታዊ ለውጢ ከምዘየለ፥ ነጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝኾነ መዓላ ከምዝውዕል፥ ናይ ስራሕ ዕድላትን ምርጫን ከምኡ’ውን ስድራ ናይ ምምስራት መደብ ብመንግስቲ ቀጥታዊ ቁጽጽርን ቅየዳን ከምዝግበረሉ፥ ነጻነታት እምነት፥ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ከምኡ’ውን ሓርነታት ፕረስ ኣብ ኤርትራ ባይታ የብሎም እዩ ዝብል።

ፈላሚ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣጋሊጹዎ ከምዘሎ እዉን ፥ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት – ብዘይፍርዳዊ መስርሕ ዝትግበር ቀይድን ግፍዕን፥ ጾታዊ ዓመጽን ባርነትን ዘካተቱ መግረፍትታት፥ ናብ ባርነት ዝዘዘወ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ ግዱድ ዕዮን ዕስክርናን፥ ኣብ ልዕሊ ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታት ብኣባላት ሓለዋ ዶብ ዝውሰድ ብረታዊ ስጒምትን ካልእን ዝርከብዎም ኮይኖም፥ እዞም ግህሰታት እዚኣቶም ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝቃረቡ ከምዝመስሉ እዩ በቲ ኮሚሽን ተተንቢሁ ዘሎ።

ኣህጉራዊ ትካል ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ማለት Human Rights Watch ብቐጻሊ ከምዝጠቕሶ እዉን፥ ኣብ ኤርትራ ነጻነታት እምነት ብመሰረቱ ከምዘየሎ ፥ ዜጋታት ብዘይካ ነተን መንግስቲ ዝፈልጠን ኣርባዕተ ሃይማኖታት ሓድሽ ሃይማኖታዊ ተኸታልነት ክመርጹ ከምዘይፍቀዶ፡ ኣብ’ተን ወግዓውያን ሃይማኖታት ዝበሃላ እዉን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ቀጥታዊ ምትእትታዋት ይዛይድ ከምዘሎ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ክብደላ እዩ ዝረኣ። ብፍላይ ኣብ ሰራዊትን ናይ ታዕሊም ማእከላትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ክቕንስ ይረአ የልቦን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ’ዚ ንተሓታትነትን መልሳ ሕጊን ባይታ ዘይህብ ስርዓተ-ምሕደራ ክነብራ ኣጸጊሙወን ይርከብ። ንዜጋታት ዝቐርቡ ጸብብቲ ማሕበራዊ ኣኣገልግሎታት ንደቂ ኣንስትዮ ዝወገነ ይመስል።

ዉልቃዊ ኣጠማምታኦም ስለዝገለጹ ብናይ ሓሶት ክሲ ተጠቂኖምን ናይ ዝዳጎኑ ዚጋታት ቊጽሪ ኣዚዩ ልዑል እዩ። ፍርዳዊ መስርሕ ብዘይምህላዉ ድማ እቶም ዝእሰሩ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ ግዜ ስሩዕ ኣይኮነን። ኣብ ኣምብያ ማእሰርትን መዳጎኒ መዓስከራትን ዘሎ ኣተሓሕዛ ኣዚዩ ሕሱምን መግረፍቲ ዝበዝሖን ኮይኑ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ እዉን እዩ። እሱራት ካብ ብቑዕ ሕክምናዊ ረድኤትን ውሑስ ኣማግቦን ክልኩላት እዮም። ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘምርሓ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ ስለዝሕለዋ ኣብ ልዕሊአን ክፍጸም ዝኽእል ጾታዊ ዓመጽ ልዑል ይገብሮ።

ፍሪዶም ሃውስ ዝተባህለ ንነጻነታት ሓሳብካ ምግላጽ ዝሕለቕ ኣህጉራዊ ኣካል ኣብ ናይ 2015 ጸብጻቡ፥ ኤርትራ ካብተን ሚድያዊ ሓርነታት ባይታ ዘይርከበለን ሕሱማት ከባቢታት ኢሉ ክጠቕሳ እንከሎ፥ እታ ሃገር ኣዚዩ ውሑድ ኣራኽቦ ዋሕዚ ዲጂታላዊ ሓበሬታ ምስ ዘለወን ሃገራት ከምእትስራዕን 1 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ ድማ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ከምዝረክብን ኢዩ ዘገንዝብ።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ትግባሬ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ኤውሮጳ ማለት EEAS ብ 18 መስከረም 2014 ኣብ ከተማ ብራስለን ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ግንዛቤ እንተኣቲዩ’ውን፥ እቲ ክፍሊ ብዛዕባ እቶም ካብ 2001 ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ 11 ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ኣባላት ህግደፍን፤ 10 ጋዜጠኛታት ፥ ከምኡ፡ውን ኣብ 2006 መንፈሳዊ ስልጣኖም ተመንዚዖም ኣብ ናይ ገዛ ቀይዲ ዝርከቡ ካልኣይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቶዋህዶ ኤርትራ ብጹው ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ስክፍታታቱ ኣስፊሩ ነይሩ እዩ።

ነጻነት ፕረስ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ዝተረስዑ ነጻነታት ኮይኑ ኣሎ። ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣካል ብተደጋጋሚ ኣብ ዘቐምጦ ደረጃታት፥ ኤርትራ ንተኸታተልቲ 8 ዓመታት ኣብ ታሕቲ ፈቂዱዋ ኣሎ። ልምዓታዎ ፕሮግራም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት UNDP ንደረጃታት ሰብኣዊ ልምዓት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሰረዖ ናይ ዓመተ 2015 ጸብጻቡ፥ ኤርትራ ካብ 188 ሃገራት ዓለም ንክልተ ሃገራት ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 186 ደረጃ ትርከብ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ፥ ክጽቀጠሎም ኣለዎም እትብሎም 3 ዛዕባታት ኣዮም። ተዘሚቱ ዘሎ ምስትማቓር ቊጠባዊ፥ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፤ መርበብ ንግድን ምስግጋርን ደቂ ሰብ ፤ ከምኡ’ድማ ጉዳይ ናይቶም ብዘይ ዝኾነ መሰነይታ ዶባ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኪንዮኡን ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ። እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ፥ ወርሓዊ 5 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ ሃገር ይወጽኡ ከምዘለዉ እያ እትጠቅስ።

እቲ ብ 26 ሰነ 2015 ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቅርዓት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ቀሪቦም ፥ ኣብ ሃገሮም ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ እቲ ሕብረት ግቡኡ ክገብር ምጽዋዖም እዉን ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ንዘሎ ምልኪ ዘጋልጽ ፍጻሜ እዩ።

ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኩነታት ኣየር ኤል-ኒኖ ዝጠንቊ ከቢድን ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 50 ዓመታት ዝበኣሰ ክስተት ምዃኑን ዝገለጾ ዘሎ ደርቂ ንሕርሻዊ ምህርቲ እዚ ዞባ ካብ 50 ክሳዕ 90 ሚእታዊት ክንኪዮ ምዃኑ እንዳኣመተን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣቐዲሙ ክዳለዉ እንዳተማሕጸነን፥ ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ ፥ ዝኾነ መርትዖታት ከየቕረበ ኣብ ሃገሩ ዝኾነ ባህርያዊ ስክፍታን ንሱ ዘንቀሎ ሕጽረት መግብን ከምዘየለ እዩ ሓቢሩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ጽባሕ ናጽነት ንኤርትራ ልምዓታዊ ደገፉ እንዳሃበ ፥ ብወገን መንግስቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝጸንሐ ቅሩብነት ኣዕጋቢ ኣይነበረን ። ኣብ 2011 መንገስቲ ኤርትራ ካብ’ቲ ሕብረት ዝቐረበሉ ሓገዝ ብባዕላዊ ዉሳኔኡ ድሕሪ ምንጻግ ኣብ ዝደሓሩ ዓመታት ምስቲ ሕብረት ዘለዎ ርክባት ወግዓውነት ከይህልዎን ካብ ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ክሓብኦን እዩ ክፍትን ጸኒሑ። ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት በበድረኻት ናብ ኤርትራ ዝገበርዎ ምብጻሕን ምንቅስቓሳቶምን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል መንግስቲ ኤርትራ ኣቲዩ እዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፥ ዜጋታት ኣታ ሃገር ብልዑል ቊጽሪ ክስደዱ ገይሩ ጥራይ ዘይኮነ ንኤርትራ ምስተን ወሪዱወን ብዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ዜጋታተን ብልዑል ቊጽሪ ዝርሕቚለን ዘለዉ ሃገራት ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ክትስራዕ ኣኽኢሉዋ ኣሎ። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ እዋን ናጽነት ልዕሊ 400 ሽሕ ማለት 9 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣሎ። ወርሓዊ እዉን ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታት ጌና ካብ ሃገር የርሕቊ ኣለዉ። መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ እዩ። ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ስለዝተገንዘባ ኣብ 2015 ናብታ ኣህጉር ኣትዮም ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቶ 69 ሚእታዊት ጠለቦም ኣወታዊ ምላሽ ተዋሂብዎ ኣሎ። ካብ’ዚኦም እቶም 27 ሚእታዊት ዘስደዶም ጠንቂ ፍልይ ዝበለን ተኣፋፊን ብምዃኑ ብመንጽር እቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተተገይሩ ክወርዶም ዝኽእል በደል ተገሚቱ ፍሉይ ሓለፋ ክረኽቡ’ውን ተገይሩ ኣሎ።

ኣብ ሰፊሕ መርበብ ምስግጋርን ንግዲ ደቂ ሰብን ብሓፈሻ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን ሲናይን ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብነጋዶን ጨወይትን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕታት ቀጻልነቱ ኣውሒሱ ምህላዉ፥ ናይ’ዚ ቀንዲ ተነካእቲ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ብዘይ መሰነይቲ ዝስደዱ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመን ስለዝኾኑ ኣብ ልዕሊ እዞም ተጸለዉቲ ወገናት ቀጥታዊ ኣተኩሮን ሓገዝን ክብርኽ ይግባእ።

ጽላት ጸጥታዊ ፕሮግራማት ((ISSP) ዝተባህለ ክፍሊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድን “ሳሃን” ዝተባህለ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝመደበሩ ትካልን ፥ ሰብስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ገለ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ኣብ’ቲ ካብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ክሳብ ኣህጉር ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ዘይሕጋዊ ንግጊ ደቂ ሰብ ብዝለዓለ መልክዑ ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝወቅስ ነጥብታት ዝርከቦ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ብ 22 ለካቲት ዘርጊሑ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ብ ዉሳኔ 1907/ 2009 ዝጹዋዕ እገዳ ኣጽዋር፥ ቀይዲ ምንቅስቓስ ከምኡ፡ውን ምብራድ ገንዘባውን ንዋታውን ትሕዞ ገለ ሰበስልጣን ክጥሕሶ ስለዝጀመረ፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መጋቢት 2010 ናይ ባዕሉ እገዳታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ምጽዓኑ ምዝካር ግቡእ እዩ። እዚ ኾይኑ ግና ኤሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ንምጽጋንን ዘቤታዊ ርግኣትን ደሞክራስያዊ ምዕባለን እታ ሃገር ናብ ግቡእ መኣዝኑ ንምድራኽን ብቐጻሊ ይወፍር ኣሎ። እዚ ወፍሪ እዚ በቲ ብሰንኪ ዘቤታዊ ጸቕጢ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያንን እዚ ዋሕዚ እዚ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣኸቲልዎ ዘሎ ጸቕጥን ተጸሊዩ ድማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጸገም ኤርትራ ፍታሕ ንኽርከቦ ይሰርሕ እነሃለ።

መንግስቲ ኤርትራ ኪንዮ እዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝፍጽሞም ዘሎ ግህሰታት ፥ ኣበየ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘዉፍሮ ዘሎ ጸቕጥታት እዉን ልዑል እዩ። ግዱድ ግብሪ ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ እንተዘይከፍሉ ድማ ዜግነታውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት ክሕረሞም ምዃኑ፥ ንመንግስቲ ከይቃወሙ ዝከታተላ መሓዉራት ብምዉፋር ኣብ ደምበ ተቛውሞ ተጸንቢሮም ንዝበሃሉ ወገናት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቶም እንዳሞቓሕካ ምፍርራህ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም ። እዚ እንዳኾነ ግና ኤውሮጳዊ ሕብረት ብ መበል 11 ኤውሮጳዊ ልምዓታዊ ማዕከን (EDF) ዝተመርሐን 200 ሚልዮን ኤሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝቐረብን ስምምዕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብ 28 ጥሪ ከቲሙ ።

እቲ ገንዘባዊ ሕገዝ ብኤውሮጳዊ ልምዓታዊ ማዕከን (EDF) ተሰሊዑሉ ኣብ ዝነበረ ፈላሚ እዋን ፥ ኮሚቴ ልምዓት – ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ኮሚሽን እቲ ሕብረትን ክፍሊ ትግባሬ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ኤውሮጳ – EEASን ብዛዕባ እቲ ንኤርትራ ክወሃብ ኣለዎ ቢሎም ናብቲ ማዕከን ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ዳግመ ግምት ኪገብሩሉ ኣብ ወረሓት ሕዳር 2015 ተማሕጺኑ ነይሩ። ኮሚቴ ልምዓት-ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምሕጽንታኡ ፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፤ ኣብ ትካላውነትን ክፉትነትን ዘይቀርብ ፊናንሳዊ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፥ ተቐያያሪ ባህሪ እቲ መንግስቲ ኣብ ግምት ክኣቱን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝቕረበሉ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኡ ከውዕሎ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ግንዛቤ ክወሃብን ብምትሕስሳብ ን መዘናኣ ኮሚቴ- ኤውሮጳዊ ልምዓትዊ ማዕከን (EDF) ነቲ ተሰሊዑ ዘሎ ሓገዝ ደዉ ንምባሉ ክትጽዕት እኳ እንተተማሕጸነት ፥ እቲ ምሕጽንታ ሰማዒ ኣይረከበን።

ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኤምባሲታቱን ዘይወግዓውያን መሓዉራቱን እንዳተጠቕመ ክጸናጸንን ጸቕጥታት ከዛይጽን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታት ንዝጠልብዎ ኣገልግሎታት – ናይ ክልተ ካብ ሚእቲ ግዱድ ግብሪን ተወሳኺ ኣበርኮቶን ከም ቅድመ ኩነት እንዳኣቐመጣ እየን ዝምልሳ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ብዓንደ ነገሩ ንስምምዕ ቬና ናይ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጥሕስ እዩ። ጨናፍራት መንእሰያት ህግደፍ እዉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰልያዊ ምጽንጻናትን ምፍርራሃትን እንዳኣከየዳ ህዝባዊ ተቛውሞ ንምቑጻይን ንምዕባስን ይሰርሓ ኣለዋ። ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱን ንጉጉይ ኣካይዳታት መንግስቲ ኤርትራ ዝወቚሱን ሆላንዳውያን ምሁራትን መራኸቢ ብዙሃንን ጀሚሮሞ ዘለዉ ፍርዳዊ ዘመተ ከም ማኣከላይ ኣብነት ክዉሰድ ይከኣል። ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ወ/ሮ ሼላ ኬታሩትን ኣባላታን ካብ መሓዉራት ህግደፍ ምፍርራሃት በጺሑዎም ምንባሩ ምዝካር እዉን ግቡእ ይኸዉን።

  • ስለዝኾነ፥ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነዞም ዝስዕቡ ግንዛቤታት ግቡእ ኣቃልቦ ንኽወሃቦም እምሕጸን።

ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝብሕጎጒ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ብኩራት ግዝኣተ ሕጊ ምስ ዕጹው ነጻነታት ሚድያ ቀጥታዊ ኣቃልቦ ክወሃቦ ።

ግዝኣተ ፍርሕን ናብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝቃረቡ መለሳ ሕጊ ኣልቦ በደላትን ከምዝጽገኑ ተገይሩ ኣብ ኤርትራ ጠፊሹ ንዘሎ ፍትሒ ምጽጋን፥ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ግዝኣተ ሕጊን ናብ ቦታኦም ንኽምለሱ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ቀዳምነታት ክረኽቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ግዜ ገደፍ ተነፊግዎ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስሩዕነቱ ክሕልው፥ ግዱድ ዕስክርና ደዉ ከብል ፥ መንእሰያት ናይ ካልእይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ምርጫኦም ኣብ ግምት ከይኣተወ ናብ መዓስከር ታዕሊም ንምውራዶም ዝደፍእ ሕጊ ደዉ ክብል፥ ንጹር ክሊ ዕድመ ወተሃደራዊ ዕስክርና ተፈሊጡ ብኡኡ ክኽየድ፥ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ከብቅዕ። (ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ፥ መንግስቶም በቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝመጽእ ልምዓታዊ ሓገዛት ተደፊኡ ስሩዕነት ስኢኑ ንዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጽግን ዘይምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት ከምዝገለጹ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ)

ካብ ኮሚቴ ልምዓት ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝቐረበ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተግባራውነቱ ደዉ ንምባሉ ናብ ኮሚቴ ኤውሮጳዊ ልምዓታዊ ማዕከን ዝቐረብ ምሕጽንታ ግምት ክወሃቦ ። ምሕጽንታ ኮሚቴ ልምዓት ናይ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ግንዛቤ ከይተዋህቦ ምስጋሩ ንሓይልን ናይ ምምእዛን ዓቕምን እቲ ባይቶ ዝፈታተን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ባይቶ ኣብ ኩሉንትናዊ ንምዓታዊ ወፍርታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎ ተቖጻጻርነት ዘህስስ ስለዝኾነ ፥ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሉ ኩሉንትናዊ ንጥፈታት ኤውሮጳዊ ልምዓታዊ ማዕከን (EDF) ናይ ምቊጽጻር ስልጣን ክህልዎ ዘኽእሎ ሓይሊ ክምለሰሉ ይጽውዕ።

እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ክወሃብ ተወሲኑ ዘሎ 200 ሚልዮን ኤሮ ኣብ ምቅላስ ድኽነት፥ ምቕናዕ ማሕበረ-ቊጠባዊ ዕቤት፥ ኣብ ምሙዋል ተተካኢ ጸዓትን ተዛመድቲ መሳለጥያታትን፥ ምጽጋን ምሕደራን ካልእን ዝወፍር ምዃኑ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ጥቕሉል ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ስምምዕ ንተገዛእነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕግን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ምሕጽንታዊ መጸዋዕታ ጥራይ ዘንጸፈ ንኡስ ጠለብ እዩ ኣንቢሩ ዘሎ። ብሓጺሩ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን መንግስታት ዝኣትዎ ልምዓታዊ ሽርክነት ከም ቅድመ ኩነት ዘቐምጦ ኣምራት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ’ዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ በጺሑዎ ዘሎ ስምምዕ ከም ቅድመ ኩነት ዘይኮነ ከም ምሕጽንታ እዩ ጸንቢርዎ ዘሎ። ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ምትዕርራያት ይጠልብ።

ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ዝወሃብ ገንዘብ ብልክዑ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ይውዕል ከምዘሎ፥ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሓገዝ እዚ ንዝበዝሐ ሓፋሽ ኣብ ዘርብሕ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ልምዓት የውዕሎን ምህላዉ፥ ከምኡ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ቲ ልምዓታዊ ስምምዕ ንኽበጽሕ ዝተቐበሎም ቅድመኩነታት ስሩዕነቶም ሓሊዮ የተግብሮም ከምዘሎ ምርግጋጽ ከድሊዮ እዩ። በዚ ልምዓታዊ መደባት ዝትግበሩ ስራሓት ምስ ተዛዘሙ ዉን ኣገልግሎታቶም ብዝተወደ ኣገባብ ተመቕሪሑ ዝበዝሐ ሓፋሽ ተጠቃሚ ኮይኑ ምህላዉ ደጊምካ ምርግጋጽ ኣድላዪ ይኸዉን።

ብዘይ መሰንይታ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለው ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ካልኦት ስደተኛታት ፈሊኻ ጉዳዮም ሓለፋታት ብዝማእከሉ ክትትል ክምሕደር ኣገዳሲ ይኸዉን ። ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ኩሎም ስደተኛታት ከም ትሕቲ ዕድመ ተወሲዶም ፍሉይ ኣተኩሮ ክወሃቦም ይግባእ ። ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ተነካኣነተን ዕጽፊ ብምዃኑ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ጉዳየን ዓጸፋ ኣተኲሮ ክገብሩ ግቡእ እዩ።

ማሕበረሰብ ዓለምን ናይ ልምዓት ተሻረኽቲ ኤርትራን፥ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጥታት ብምብራኽ ፥ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቅን ንሱ ዘስዓቦ ሕጽረት መግብን ሰብኣዊ ሃስያኡ ከይበኣሰ እንከሎ ሓገዛት ናብ ኤርትራ ከምዝኣቱ ኣብ ምግባር ክጽዕቱ ይግባእ። ኤውሮጳዊ ሕብረት እዉን ኣብ ኤርትራ ተኸዊሉ ዘሎ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ንምፉዋስን ዉሑስ ቀረብ ማይ ንምክታትን ኣበርቲዑ ክሰርሕ የድሊ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ሰባኣዊ መሰላት ከም ውሁብ ተወሲዱ፥ ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት – መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ውዱዕ ክስን ግሁድ ፍርድን ሓዪርዎም ዘሎ ፖለቲከኛታት፥ ጋዜጠኛታት፥ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን መእመናንን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሕ ይጽውዕ።

ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ጽገና ከተግብርን ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከውሕስን ጸቕጥታት ክገብር ግቡእ ይኸዉን። ነቲ ጉጅለ ዕማም ናይ ኣድማሳዊት ገምጋሚት ኣካል (UPR) ኣብ መበል 18 ኣኼባኣ ዘቐመጠቶም መንግስቲ ኤርትራ ንኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽቲን ናብ ሃገሩ ንኽኣትዉ ከፍቕድ ዝጽውዕ ምሕጽንታ ንኽትግበር እዉን ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓላፍነቱ ከልዕል እዋናዊ ይኸውን።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነጻነት እምነት ከም መሰረታዊ መሰል ደቂሰብ ስለዝርእዮ ፥ ኣብ ተኸታልነት ሃይማኖት ዉልቀሰባት ኣቲኻን ነቲ ተኸታልነት ሰፊርካን ዝፍጸሙ ምዉጋናትን በደላትን ይዂንን።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዘስገድዶ ዘሎ ግብሪ ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ መሰረቱ ይዂንኖ። መንግስቲ ኤርትራ ብኸምዚ መንግዲ ዝእክቦ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ዞባዊ ሃወኽ ንዝነጥፋ ጉጅለታት የዉፍሮ ምህላዉን እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ንዉሳኔ ባይቶ ጸጥታ ዝጥሕስ ምዃኑን ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ይኣምን። ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወሲዂ፥ ነቲ “ገበን ብዝምድና” ዝሰፍር ገሃሲ ኣካይዳታት ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ስድራን መቕርብን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለሱ ዜጋታት ብሕንሕነ ዝቐጽዕ ኣሰራርሓ ደዉ ክብል ኣጥቢቑ ይጽውዕ።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንውዕላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር መግረፍቲ፥ ኢሰብኣውያንን ኣውደቕትን ኣተሓሕዛታት ኣብ ቀረባእዋን ኽኽትመሎምን በቶም ሰብኣዉያን መትከላት ክግዛእን እደሊ። መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራውያን መትከላት ሰብኣውነት እዉን ብምሉእ ዓቕሙ ክሕልዎም ጥራይ ዘይኮነ ኣውሒስዎም ምህላዉ ከመስክር ግቡእ እዩ። እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ ጽላት ኣጽኒዕዎ ዘሎ ቀይዲ ጥዕናኡ ዝሓለወ ቊጠባዊ ንጥፈታት ከይህሉ ይገብር ብምህላዉ፥ ትካላውነት ዝተሓረሞን ብከዉሊ ዝስራዕን ፊናንሳዊ ምሕደራን ባጀታዊ ሕንጻጸን ይቕጽል ስለዘሎ ድማ ዘይሕጋዊ ንግዲ በረትን ዋሕዚ ናይ ወጻኢ ባጤራን ብዘይ ኣፍልጦ ዝኾነ ወገን ይሰላሰልን ኣብ ምብኣስ ዞባዊ ሃወኽ ይወፍርን ከምዘሎ ምርዳእ ግቡእ እዩ።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ኣብ ኤርትራ ወፊረን ዝርከባ ኩባንያታት ወጻኢ ኣብ’ታ ሃገር ሰብኣዊ ክብረትን መሰላትን ክሳዕ ልክዖም ንኽወሓሱ እጃመን ከበርክታ ይላበዉ።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ኩለን ኣባላ ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ሃገረን ንዘሎ መሓውራዊ ምንቅስቓስ ህግደፍ ብጽኑዕ ክከታተላ ፥ ንፖለቲካዊ ዕላማታት መንግስቲ ኤርትራ ዝምግባ ኤርትራውያን ማሕበራት ንጥፈታተን ኣብ ምኹላፍ ብዕቱብ ክሰርሓ ፥ ብኤምባሲታትን ዘይወግዓውያን መሓዉራትን መንግስቲ ኤርትራ ዝእከብ ግብሪ ደዉ ኣብ ምባሉ ክጽዕታ፥ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ሃገረን ዝኣትዉ ተዓቆብቲ ድማ ድሕነቶም ከውሕሳ ኣድላዪ ምዃኑ የገንዝብ።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ፕረዚደንት ባይቶ ነዞም ክብ ኢሎም ዝተደምጹ ዉሳኔታት ናብ ቤት-ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት፥ ሓባራዊ ባይቶ ኣፍሪቃ-ካሪብያን /ኤውሮጳዊ ሕብረት ማለት ACP-EU፡ ቤት ምኽሪ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ምትእኽኻብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽንን ላዕለዎት ወከልቲን ወጻኢ ጉዳያትን ፖሊሲ ጸጥታን ፥ ከምኡ’ውን ናብ ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ከባጽሖ ይእዝዝ።

ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት

8 መጋቢት 2016

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →