Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ከባቢ ዛራ ዛጊት መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ወገን ናይ ዲብያ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

By   /  March 29, 2016  /  Comments Off on ኣብ ከባቢ ዛራ ዛጊት መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ወገን ናይ ዲብያ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

    Print       Email

ትግርና ወግዓዊ ሎጎኣብ ከባቢ ዛራ ዓስኪራ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣሃዱ  ክፍለ-ሰራዊት 63 መንነቶም ዛጊት ካብ ዘይተፈልጡ ወገናት ናይ ዲብያ መጥቃዕቲ ብምክያዱ ኣብታ ኣሃዱ ከፊላዊ ሃስያ ምውራዱ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እዚ ብዕለት 24 ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንመዐደኒ ቦታ ዛራ ክትሕሉው ሓዲራ ናብ ቦታኣ ትምለስ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መስርዕ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ድብያ ምንባሩ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ፥ በቲ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ 3 ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 63 ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ድማ ምስ መውጋእቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ ከምዝተበታተኑ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲን ተሓታቲኡን ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣየውጸአን ።

ድሕሪቲ ፍጻመ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 63 ኮለኔል ወዲ ዕምረ ብህጹጽ ካብ ከረን ናብ ዛራ ብምምራሕ ብዛዕባቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መብርሂ ክዋሃቦ ካብ ኣብ ጽፍሒ መራሕቲ ሓይሊታት ክሳብ መራሕቲ በራጊት ዝርከቡ ኣዘዝቲ ኣኪቡ ከግባዕባዓሎም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብቶም ኣዘዝቲ ተሪር ግብረ መልሲ ከም ዝገጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ኣዘዝቲ፥ ኩነታት ናይዚ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝረከብ ንማለቱ’ካ ሓቲትካን በዚ ኸባቢ ተዛዊርካን ዘይትፈልጥ ትራይ ዘይኮንካ ወርሓዊ ወይ ውን ዓመታዊ ኣኼባ ክትገብር ዘይትረአ ኣዛዚ ከመይ ገርካ ሓላፍነት ከተሰክመና ትፍቲን ኢሎም ክወቕስዎ እንከለዉ ፥ ምሉእ ሓላፍነት ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሳቶም ዘይኮኑ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 63 ኮረነል ወዲ ዕምረ ዝስከሞ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ንኩሉዓይነታዊ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከዕኑው ክሰርሕ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፥ ነቶም ሃገር ካብ መግዛእቲ ከውጽኡን ልዑላዉነታ ክሕልዉን ዝሓለፉን ነቶም ገና መትከሎም ዘየሕመቚን ተሓለቕቲ ሃገር ረሲዑ ኣቶም ሓንቲ ዘየበርክቱ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝምድሩ መንእሰያት ከምዘቶኩር እዩ ዝፍለጥ።

ብሰንኪ ኣካይዳ ህግደፍ ህይወት ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ገና ኣብ ዕላማ ዘይብሉ ኩናትን ካልእ ፍጻመታትን ብቐጻሊ ክጠፍእ ምርኣይ ካብቶም ንህዝቢ ኣዝዮም ዘሕዝኑ ተርእዮታት ናይ ሎሚ ኤርትራ እዮም።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →