Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ናጽነት ኤርትራ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

By   /  March 27, 2016  /  Comments Off on ናጽነት ኤርትራ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

    Print       Email

ኣብዚ ዓመት ህዝቢ ኤርትራ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክዝክር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዘመን እተን ዳሕረዎት 30 ዓመታት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንሓርነቱን ናጽነቱን ዘካየዶ ቃልሲ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ዝገበረላ ዕለት ማለትዩ።

እዚ ውሑድ መዳርግቲ ዝርከቦ መስተንክራዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ንቕሓት ደሓር ነቲ ንቕሓት ናብ ስርዓት ዝቕይር ውዳበ፤ ቀጺሉ ድማ ነቲ ንቕሓትን ውዳበን ናብ ዘይክማህ ዕጥቂ ዝቕይር ሓይሊ ፈጢሩ እዩ ነዚ ናጽነት ኣረጋጊጽዎ።

ሰውራ ኤርትራ ካብ ምንቃሉ ሓደ ንጹር ዕላማ ምርግጋጽ ናጽነት ሒዙ ስለዝተበገሰ ነዚ ዕላማ እዚ ዝትግብር ንመስዋእቲ ዝቀዳደም መሳርዕ ጀጋኑ፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ ጸኒዑ ብርክን ጽላልን ሰውርኡ ዝኸውን ዋና ህዝቢ ስለዝነበሮ ድማ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ክድገም እዩ ክበሃል ዘይከኣል ቅያ ሰሪሑ።

ኣብዚ ገድሊ ዘይተሳተፈት ኤርትራዊት ስድራ የላን። ገለ ሰለስተ ኣርባዕተ ሞባእ ብደቀን ገለ ውን ብዘይምቕሊ ዝተረፋ ስድራ ውሑዳት ኣይኮናን። ብዘይካ እቲ ናብ በረኻ ወጺኡ ዝተጋደለ ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራን ኣሽሓት ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ኣብ ከብዲ ኣባይ ኮይኖም ውሽጣዊ ስርሒት ዝሰርሑ ውዱባት፥ ናይ ከተማታት ተኣምራት ዝሰርሑ ፈዳይን፥ ናይ ጸላኢ ኣፍቀርቲ መሲለን መስዋእቲ ብፍቕሪ ጸላኢ ዝኸፈላ ምዑታት ደቅንስትዮ ኩሎም ጀጋኑ ኤርትራ እዮም።

እዛ ብሕጂ እትበዓል መበል 25 ይኹን ቅድሚኣ ‘ዝተባዕላ’ ዕለታት ናጽነት ንዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ ትርጉም ኣለወን። ንዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ራእዩ ዘጸልመተ መብጽዕኡ ዝተሰብረ 25 ዓመታት እዩ። ንገሊኦም ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጡን ኢዶም ዘይሓወሱን እዛ ዕለት ናብ ኤርትራ ኬድካ በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝግበሩ ወጋሕ ትበል ለይትታት ብዊስኪ ዝገጻጸቡላ ናይ ቱሪዝምን ድግሳትን ዕንደራን ዕለትያ። ነቲ መዓልታቱ ከናውሕ ዝጽዕር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ኣብ ዶሮና ናይ ድግሳት ተሓቢእካ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ናይ ለውጥን ቃልስን ጉዕዞ ኣቓልብኡ ብኾደብደባትን ጽምብላትን ሰሪቕካ ዝኹልዑ ሉቸታት ወሲኽካ ከምዞም መብራህቲ ደሚቕና ኣሎና ንምባል እዩ።

ልክዕ እዩ ናጽነት ኤርትራ ዕላማታቱን ሕድሩን ብዉሑዳት ሰባት ተጨውዩ ኣሎ። ህዝቢ ሰማእታቱ ዝኸፈለሉ ናጽነትን ሰብኣዊ ክብረትን ሓርነትን ኣይረኸበን። ኤርትራ ብዘይቅዋማዊ መንግስቲ እትመሓደር እንኮ ሃገር ኮይና ኣላ። ህዝባ ናብ ከርተትን ስደትን ዳግማይ ተበቲኑ ኣሎ። ሕግን ስርዓትን ንባዕሉ ስለዝተኣስረ እታ ሃገር ፍትሒ ዘይርከባ ኮይና ኣላ። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ስለዝሰኣኖም ንናጽነቱ ዘንቀልዎ ግፍዕታትን ቡኩራትን ሎሚ ዳርጋ ኩሎም ከምዘለዎም ይድገምዎ ኣለዉ። ማእሰርቲ፤ ቅትለት፤ ስደት፤ ዓመጽ፤ ምሕራም ናጽነት እቶም ዝርዝራት ኣዚዮም ብዙሓት እዮም።

ይኹን ግን እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዘይቅይርዎ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። ናጽነት ኤርትራ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ሰማእታት ሰውራ ኤርትራ ሰማእታት ናጽነት እዮም። ዶባት ኤርትራ ደረቱ ኣዕጽምቲ ስዉኣት እዩ፤ ስለዚ ድማ መሬታዊ፤ ሰማያዊ፤ ባሕራዊ ዶባት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ናይቲ ህዝቢ ድማ ዋንነት እዮም።

ሎሚ ዉሑዳት ጠላማት መብጻዓ ህዝቢ ስለዝኸሓዱ፥ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ምእላይ እዞም ገበርቲ እከይ ምምካርን ንተሓታትነቶም ምስራሕን ንኣድላይነት ናጽነት ኤርትራን ንዕኡ ንምምጻእ ዝተኻየደ ቃልሲን ምኽሓድን ማለት ናይ ኩሎምቶም ኣብ ገድሊ ንናጽነት ኤርትራ ዝወደቑ መላእ ህዝብን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ዝሓለፉ ሰማእታትን መቓብሮም ኩዒትካ የዕጽምቶም ከም ምድርባይ እዩ ዝቑጸር። ህዝቢ ኤርትራ ብብጽእና ሰማእታቱን ናጽነቱን ዝመጾ ስለዘይፈቱ ድማ ዝኾነ ንናጽነት ኤርትራን ንምምጽኣ ዝተኻየደ ገድሊን ዘየኽብር ሓይሊ ይኹን ጉጅለ ሰማእታት ኣብ ዘለዉዎ መታን ከይቆሩ ብቓል ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ውጉዝ ኪኸውን ይግባእ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →