Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ተጋዳላይ ዑስማን ስዒድ ከራስ ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

By   /  March 29, 2016  /  Comments Off on ተጋዳላይ ዑስማን ስዒድ ከራስ ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ

    Print       Email

ትግርና ወግዓዊ ሎጎ

ካብ 2006 ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቚርደት ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ስዒድ ከራስ ፥ ልዑል መጠን ገንዘብ ውሕስነት ከቕርብ ተነጊርዎን ካብ ሃገር ክወጽእ ከምዘይኮነ ተሓቢሩን ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ከምእተፈትሐ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣቃሊሖም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ስዒድ ከራስ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ መሳርዕ ዝተሰለፈን በኣእምሮን ጉልበትን ገዚፍ ዕዮ ዘበርከተን ዜጋ ኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝካየድ በደላት ብግህዶ ካብ ዝቋወሙ ዝነበሩ ሓደ ብምዃኑ እዩ ንከባቢ 10 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ኣብቲ ዝኸፍአ ማሕዩር ከባቢ ምዕጥር ተቐይዱ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣማሓዳሪ ንኡስ-ዞባ ኣቊርደት ዝነበረ ዜጋ ኣጽኒዕዎ ዘሎ ናይ ምንቅስቓስ ቀይዲ ፥ ነቲ ዜጋ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንምቕያዱ ዕድላት ንምውሓስ ከይኮነ ኣይተርፍን ይብሉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ።

ገዲም ተጋዳላይ ግዑስማን ስዒድ ከራስ ኣብ 1974 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኮማንዶ ስርሒት ህዝባዊ ሓይልታት መሪሕ ተራ ከምዝነበሮ እዩ ዝጥቀስ።

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቊርደት እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ጠለብቲ ደሞክራስያዊ ለብጢ ክኾኑ ዝተብዑ ሃገራውያን ድማ ብፍላይ ዘርእዮ ዝነበረ ምድንጋጽ ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ስግኣት ተወሲዱ ከምእተሞቕሐ እዩ ዝግለጽ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →