Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምሩኻት ወተሃደራት ጅቡቲ ተለቒቖም ብዛዕባ ኤርትራውያን ምሩኻት ግን ዝተጠቕሰ የለን

By   /  March 22, 2016  /  Comments Off on ምሩኻት ወተሃደራት ጅቡቲ ተለቒቖም ብዛዕባ ኤርትራውያን ምሩኻት ግን ዝተጠቕሰ የለን

    Print       Email

satellite dish

ምስ ጂቡቲ ፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ግጭት ከምዘየጋጠመ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ፥ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዝርከቡ ምሩኻት ወተሃደራት ጂቡቲ 4 ለቒቚ።

እቶም 4 ጂቡታውያን ምሩኻት፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ 15 መጋቢት ናብ ሃገረ ቐጠር ድሕሪ ምምራሑ ዝተፈትሑ ኮይኖም፥ ቀጥታዊ ጸቕጢ መንግስቲ ቐጠር ልዑል ጽልዋ ከምዝነበሮን ኣብቲ ርክብ ልዑል ሃገረ ቀጠር ሃገሩ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለዋ ፖለቲካውን ጸጥታውን ወፍረኣውን ገስጋስ ሕጉስቲ ከምዘይኮነ ብፍላይ ድማ ንጉዳይ ዶብ ጅቡቲን ኤርትራን ብዝምልከት ቀጠር እቲ ጉዳይ ለውጢ ዘየምጽእ ተኾይኑ ናብ ማሕበራት ሃገራት ዓረብን ሕቡራት ሃገራትን ከተሰጋግሮ ሙኻና  ብትሪ ከምዝገለጸሉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ጂቡቲ ዝተኸስተ ጸገም ንኽፍታሕ ይጽዕርን ብዝተበጽሑ ስምምዓት ይቕየድን ብዘይምህላዉ ምስ መንግስቲ ቐጠር ዝጸነሖ ዝምድናታት ክሕርፍፍን ፥ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ቐጠር ካብ መሬት ኤርትራ ተኣሊዩ ናብ ወገን ጂቡቲ ከርሕቕን ከምእተራእየ ዝዝከርዩ።

መንግስቲ ኤርትራ እቶም ኣብ’ቲ ናይ ሳልስቲ ግጭት ዝማረኾም ወተሃደራት ጂቡቲ ብሂወት ምህላዎም ከነጽር ብመንግስቲ ቐጠርን ኣህጉራዊ ማሓበረሰብ ዓለምን ጻውዒታት ክመጽኦ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ መንግስቲ ጂቡቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ምሩኻት ብኣሰካፊ ኣተሓሓዛ ቀዪድዎም ከምዘሎ’ኳ ዝሕበር እንተኾነ ብሂወት ከምዘለዉ ግና ብተደጋጋሚ ክገልጽን ከመስርክን እዩ ጸኒሑ።

ምስ ጂቡቲ ኲናት ኣይነበረን ክብል ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ 4 ጂቡታውያን ምሩኻት ምልቃቚ ፥ እቲ መንግስቲ ክሳዕ ክንደይ ንሓቂ ካብ ህዝቡ ዓቢጡ ነታ ሃገር ኣብ ከዉሊ የማሕድራ ምህላዉ ዘነጽር’ዩ ዝበሉ ገለ ተንተንቲ፥ ብዛዕባ እቶም ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩኻት ክሕለቕን ንምፍታሖም ክጽዕርን ዘይምርኣይ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኤርትራን ጁቡትን ዶባዊ ዋንነት ብዝጠንቊ ካብ 10 ክሳዕ 13 ሰነ ናይ ዓመተ 2008 ኣብ ከባቢታት ራስ-ዱሜራ ኩናት ከምዘካየዳን እቲ ኲናት ብሞንጎኝነት ሃገረ ቐጠር ንዝተነጽፈ ስምምዕ ሰላም ማእከል ገይሩን ቐጠር ንምዕቃብ ሰላም እቲ ኸባቢ ሰራዊታ ክትሰድድ ፍቓድ ሂቡን ድማ ዝግ ከምዝበለ ዝዝከርዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →