Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምምቓል ዝተመንዘዐ ንብረት ብዘስዓቦ ግጭት ሓደ መራሕ ቦጦሎኒ ህይወቱ ስኢኑ

By   /  March 25, 2016  /  Comments Off on ምምቓል ዝተመንዘዐ ንብረት ብዘስዓቦ ግጭት ሓደ መራሕ ቦጦሎኒ ህይወቱ ስኢኑ

    Print       Email

ናብ ሱዳን ክሰግሩ ብኣባላት ሓለዋ ዶብ እቲ ከባቢ ናይ ዝተታሕዙ ዜጋታትና ንብረትን ገንዘብን ፥ ኣዛዚ ቦጦሎኒ እቲ ከባቢ – ካፕቴን ንጉሰ ንበይኑ ክዝምቶ ብምምዳቡ ምስ ዝተቖጥዑ ክልተ መራሕቲ ጋንታ ናይታ ቦጦሎኒ ብ 18 መጋቢት ዝሰዓበ ብረታዊ ጎነጽ እቲ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ሂወቱ ከምዝሰኣነ ወኪልና ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ ሓቢሩ።

ካፕቴን ንጉሰ ንንብረትን ገንዘብን ናይቶ ዝተቐየዱ ሰጋሮ በይኑ ክዉንኖ ኣብ ዝፈተነሉ እቶም ክልተ መራሕቲ ጋንታ ከምዝተቛወምዎ ፡ ሻቡ ናብ ጎነጽ ብዝዓረገ ዘይምርድዳእ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገናት ተዂሲ ፈኲስ ብረት ከምእተኸፍተን እቲ ካፕቴን ሂወቱ ከምዝሰኣነን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ እቶም ክልተ መራሕቲ ጋንታ ንሓንቲ ጋንታ ናይታ ቦጦሎኒ ሒዞም ናብ መሬት ሱዳን ከምዝኣተዉ ዘመልከተ ወኪልና ፥ ክሳዕ መሬት ሱዳን ኣትያ ክትሕዞም ካብ ኣደርሰርን ኣዲባራን ተዋጺኣ ዝተላእከት ፍልይቲ ኣሃዱ ክትዕወት ከምዘይከኣለት የረድእ። ኣብቲ ናይ 18 መጋቢት ፍጻሜ መራሒ ካልኣይ ሓይሊ ናይታ ብ ካፕቴን ንጉሰ እትእዘዝ ዝነበረት ቦጦሎኒ ዝኾነ ተለንተ ኪዳነ እዉን ኣብ ሞንጎ እቲ ጎነጽ ብምርካቡ ከቢድ መቚሰልቲ ወሪዱዎ ናብ ሕክምና ኣደርሰር ከምእተወስደ ወኪልና ይሕብር።

ነታ ዝሃመደመት ጋንታን መራሕታን ኣብ ምሓዝ ዘይተዓወቱ ኣባላት ናይታ ዝተላእከት ፍልይቲ ኣሃዱ ፥ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ጠንቊ ንምዂዋል ፥ ነቶም ክልተ መራሕቲ ጋንታ ኣብ ምጽላምን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወደበ መደብ ዘተግበሩ ምዃኖም ኣብ ምጥቃንን ትሃልኽ ከምዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ጋንታ ናብ መሬት ሱዳን ብሰላም ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ካፕቴን ንጉሰ ምስ ላዕለዋይ ሓላፊኡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ክፍላይ ( ማንጁስ) ተሰማሚዑ ንብረትን ገንዘብን ናይ’ቶም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ዝተሓዙ ዜጋታትና ኣብ ምዝማት ነዊሕ ከምዝሰርሐ ፥ ካብቶም ዜጋታት ዝውሰድ ገንዘብን ንብረትን ድማ ብዘይ ዝኾነ ናይ ምርኽኻብ ሰነድ ዝትግበር ብምዃኑ ካብ ነዊሕ እዋን ዘይዕጉብነቶም ክገልጹ ምጽናሖም ኣነጺሮም።

ላዕለዎትን ማእከሎትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይተን ኣብ ሓለዋ ዶባት ዓስኪረን ዝርከባ ኣሃዱታት፥ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ዜጋታት ኣለዉ ኣብ ዝሰምዑሉ ንብረትን ገንዘብን እቶም ዜጋታት ንምጥርናፍ ጥራይ ከምዝቀላቐሉ ፥ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ደዉ ክብል ዘይምነዩሉ ምኽንያት ድማ ፥ ኣብ እቲ ዋሕዚ ዝተሓዙ ዜጋታትና ኣብ ኢዶም ንዝጸንሕ ንብረትን ምስ ተቐየዱ ንኽፍትሑ ዝጥለቦም ገንዘብን ምንጪ ውልቃዊ ረብሓታቶም ይኸዉን ስለዘሎ እዩ፡ ይብሉ እቶም ናብ ሱዳን ኣትዮም ዘለዉ ክልተ መራሕቲ ጋንታ።

ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብን ሰሜናውን ዶባት ኤርትራ ማለት ካብ ቃሩራ ክሳዕ ኦም-ሓጅር ንዝርከባ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶብ ዝእዝዙ ዘለዉ ሓለፍቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ብግህዶ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዘመልክቱ ምንጭታትና፥ ብፍላይ ብረብሓ ዝዓርኩ ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ሰሪቱ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ከም ምንጪ ኣታዊ ገይሮምን ዝተወደበ መልክዕ ኣትሒዞምን የቐጽልዎ ከምዘለዉ ይንገር።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →