Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መድረኽ ሰማዕቲ፡ ርእይቶ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ

By   /  March 20, 2016  /  Comments Off on መድረኽ ሰማዕቲ፡ ርእይቶ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ

    Print       Email

ዝኸበርኩም ረድዮ መድረኽ

ኣቐዲመ ዝኸበረን ንናይ ሃገርናን ህዝብናን ድሕነታዊ ዕላማ መሰረት ዝገበረ ናይ ቃልስን ብጻይነትን ዕዙዝ ሰላምታይ አቕርበልኩም። ቀጺለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 16 ጥቅምቲ 2016 ንህዝቢ ኣብ ረድዮኹም ዝዘርጋሕኩሞ ሓተታ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ መራሒ ፕረሰደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ናይ ቀደምን ሎምን ብምንጽጻር እዚ ሰብኣይዚ ትማሊ ከመይ ነሩ ሎሚኸ ከመይ ኣሎ? ብዝርዝር ብምግላጽ ስለምንታይ ነዛ ንህዝቡን ንሰራዊቱን መሪሑ ተቓሊሱን ጽዒሩን ዘምጽኣ ሃገርን ናጽነታን ኣብ ምዕናዋን ምድቋሳን ከምኡ’ውን ንህዝባ ኣብ ምብታንን ኣብ ምጽናትን ትዓጢቑ ይሰርሕ ኣሎ? ሓበሬታ ንምርካብ ሕቶታት ምቕራብኩም ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ህዝቢ ንኢሳያስ ካባኹም ንላዕሊ ይፈልጦዩ ዝብል እምነት’ኳ እንተዘይብለይ ህዝቢኸ እንታይ ይብል? ርእይቶ ንኽህብ ብምዕዳምኩም ግን ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን። ካብኡ ሓሊፉ ግን ንምዝኽኻርኩም ዝኣክል ብርእይቶይ ካብኡ ዝዓብን ብዝያዳ ዘገድስን ነዚ እዋን እዚ ዘድልን ዘሎ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ገዲፍኩሞ ሓሊፍኩም ኣሎኹም ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ብትሕትና አዘኻኽረኩም።

እቲ ብወገነይ ተረሲዑ ዝብሎ ሕቶ ከኣ ንሱስ ከምኡ ገበረ እንተተቐየረ እውን ሓደ ሰብ ኢዩ። ኣይኰነንዶ ሰብ ከኣ ሰይጣን እውን ቅድሚ ገበን ምግባሩን ካብ ገነት ምድርባዩን ሓለቓ መላእኽቲ ከም ዝነበረ ኢዩ ሃይማኖት ዘምህረና። ስለዚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንፉዕ ነሩ እንተሓመቐ ሕያዋይ ነሩ እንተሓሰመ ማለት ተቐይሩ እንተዀይኑ ብወገነይ ኣዝዩ ዝገርም ኣይኮነን። ብርእይቶይ እቲ በኵሩ ዝብሎ ኢሳያስ ይቀየር ኣይቀየር ንሕና ህዝቢ ኤርትራኸ ተቐይርናዶ ከም ቀደምና ኣሎና? ዝብል ሕቶ ኢዩ። ኣብዚ እቲ መልሲ እወ ተቐይርና ዝብል እንተዀይኑ እቲ ሕቶኹም ተመሊሱ ኣሎ ማለት ኢዩ። ማለት ኢሳያስ እውን ከም ህዝቡ ማለት ኢዩ። ኣይተቐየርናን እንተዀይኑ ግን እቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ሕቶ እሞ ነቲ እዚ ኵሉ ጅግንነትን ታሪኽን ዝፈጸመ ሰለስተ ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ከመይ ኣቢሉ ሓደ ሰብ የጽንቶን ይሳቕዮን ከብክዮ ይውዕልን ኣሎ ክበሃል ንሰምዕ ኣሎና? ዝብል ክኸውን ኢዩ።

ብርእይቶይ ንሕና ሎሚ ብዛዕባ ኢሳያስ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ብዛዕባ ሂወትናን ጸገማትናን ዘይምጥርናፍናን ዘይምስምማዕናን እንተንዛረብ ከኣ እቲ ተቐይሩ ዘሎ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ንሕና ምዃንና መረጋገጽናሞ ፈውሲ ምደለና ብሃላይ ኢየ። ንሕማምና ፈውሲ እንተንረኽበሉ ከኣ ዝያዳ ውጽኢት ምረኸብናሉ። እንደገና ርእይቶይ እቲ ዝድለ ዘሎ ፍታሕ ንምርካብ ኢዩ። እቲ ፍታሕ ዘምጽእ ከኣ ህዝቢ እምበር መራሒ ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ንሕና ከም ህዝቢ ብስንፍናናን ብሕመቕናን ዝወረደና መቕጻዕትን ማእሰርትን ስቓይን ስደትን ከኣ ካብ ንኢሳያስ ጥራሕ ነሰክሞ ንሂወትናን ንስንፍናናን እንተንህቦ ዝቐለለ ምዀነልና ነሩ።

ኣነ ንኢሳያስ ከምቶም ምስኡ ዝበልዑን ዝሰተዩን ዝደቀሱን ዝመኸሩን ብቐረባ እፈልጦየ’ኳ እንተዘይበልኩ በቲ ብማዕዶ ዝፈልጦን ዝከታተሎ ዝነበርኩን ግን ዝተቐየረ ባህሪ ወይ ጠባያት ኣምጺኡ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። እንታይ ድኣ ብርእይቶይ እቲ ቀደም እቲ ሓላፍነት ኣብ ብዙሓት ክኢላታትን ብቑዓት ሰባትን ተዘርጊሑ ኵሉ በብዓቕሙን በብሞያኡን ይሰርሕ ስለዝነበረ ውጽኢቱ ይርኤ ነሩ። ሎሚ ግን እቲ ኵሉ በብዓቕሙ ዝሰርሕን ዘፍርን ዝነበረ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ከይወዳደር ድሕሪ ኵናት ናደውን ምሕራር ኣፍዓበትን ብዘበርከቶ ቃልስን ብዘወፈዮ ኣገልግሎትን ከይኰርዕን ኣብ ሓላፍነት ቍሊሕ ከይብልን ብዝተፈላለየ ሜላታት  ከካብ ዘለዎ ትኣርዩ ዝእሰር ትኣሲሩ ዝጕሓፍ ተጓሒፉ ኢዩ። እቲ ጸገም ኣምጺኡ ዘሎ ከኣ እቲ ኵሉ ሓላፍነትን ስራሕን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ናይቲ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ካብ ቀደሙ እውን እንተዀነ ናይ ካልእ ተንኮላትን ፈላሊኻን ስለያ ኣደልዲልካን ውድብ ምቍጽጻርን እምበር ናይ ሲቪል ኮነ ናይ ወትሃደራዊ ምምሕዳር ዓቕምን ብቕዓትን ናይ ህዝቡ ምምራሕን ናይ ኣዘራርባ ክእለትን ፍትሕን ናይ መራሒ ኣንደበትን ሕልናን ዘይብሉ ናይ ዕዋላን በጋቢንዶን ጠባያት ናብ ዘለዎ ብሓይሉ ፕረሲዳንት ኰይኑ ይመርሕ ናብ ዘሎ ኢሳያስ ስለዝተጠቕለለ ጥራሕ’ዩ።

ንዅሎም ኣሲሩን ኣጥፊኡን ከኣ ሎሚ ንኽእለቱን ብቕዓቱን ንርእሱ ባዕሉ ኣቃሊዑ እዚ ንርእዮ ዘሎና ካብ ህዝቡን ካብ ሕብረተሰብ ዓለምን ትሓቢኡ ኣብ ዓዲ ሃሎን ኣብ ሃለውለውን ዝውዕል ሕሙም ሰብ ኰይኑ ንርእዮ ኣሎና።

ሎሚ እቲ ትማሊ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓንጎል ክእለት ብቕዓት ሜላ ተመክሮ ዝነበሮ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ብቕንዕና ዝቃለስን ዝስዋእን ዝነበረ ሰብ መብዛሕትኡ ስለዝጠፍኤ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ሎሚ ተሪፉ ዘሎ ንኽባላሓት ወይ ንኽውስን እውን ከምቶም ናይ ቅድም ስልጣንን ሓላፍነት ስለዘይብሉ መን ኢሉካ? ትብሃል ሕቶ ኣዝያ ከም ተፍርሖ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ንኽትነብር እምበር ንኽትሰርሕ ሸውሃት የልቦን። ሎሚ ሰሪሕካ ኣይሰሪሕካ ለውጢ ስለዘይብሉ መዓልታዊ ንኽትነብርን ምስ ሂወትካ ብሰላም ደቂስካ ክትሓድር ትጽልየሉ እዋን እምበር ብዛዕባ ሃገር ብዛዕባ ህዝቢ ብዛዕባ መጻኢ ትስከፈሉን ድቃስ ትስእነሉን ከይከውን ብመደብ ዝተገብረ ኢዩ።

ቀደም ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ቃልሲ ህዝባዊ ሓይልታት በቲ ዝናፈስ ዝነበረ ወረታት ጅግንነት ኢሳያስ ተማሪኹ ብዙሕ ህዝቢ ንኢሳያስ ብዓይኑ ክርኢ ኣብ ዝተፈላልየ ዓድታት እናኸደ ኢሳያስ ኣበይ ኣሎ? ኢሉ ይሓትት ከም ዝነበረ ማንም ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር እታ ዝጸልኡዋ ዝነበሩ ከኣ እዛ ኢሳያስ ኣበይ ኣሎ ትብል ሕቶ ኢያ። ምስኦም ከሎ እናርኣናዮ ዕንጨይቲ ወፊሩ ማይ ወሪዱ እናበሉ ህዝቢ ይመልሱን ይግስጹን ከም ዝነበሩ እውን ብዙሓት ዝምስክሩዎን ዘረጋግጹዎን ኢዩ። ኣይኰነንዶ ገባርሲ እቶም ንኢሳያስ ብኣካል ዝፈልጡዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይተረፈ ውሱናት ኢዮም ነሮም። ከምዚ ናይ ሎሚ ርኣዩኒ ስኣሉኒ ዘይኮነ ኣብ ኣጕድኡ ኰይኑዩ ነቲ ኵሉ ክሳብ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ መደባት ስልጣን ዝሕንጽጽ ነሩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ሃገሩን ህዝቡን ለኪሙ ናብ ውድቀትን ጥፍኣትን ይኸይድ ምህላዉ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ። ነዞም ኵሎም ኣሲሩዎምን ኣጥፊኡዎምን ዘለዉ ብጾቱ ኣጥፊኡ ሰላማዊ ናብራ ክነብርን ደቂሱ ክሓድርን ታሪኹ ኣጸቢቑ ክመውትን ግን ኣዝዩ ከም ዝኸብዶ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ማንም ሰብ ሃይማኖት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ሞት ትመጾ ከም ዘላ ኣስተውዒሉ ኮነ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘሎ ኣስተባሂሉ ብገበናቱ ተጣዒሱ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ትዓሪቑ ብሰላም ክነብርን ታሪኹ ኣጽፊፉ ክሓልፍን እንተዘይተበጊሱ ከኣ ዝኰነ ነብሱ ዘይኣምን ሰብ ኣብ እዋን ጥፍኣቱ ንሰላምን ንድሕነትን ንፍትሕን ክሰርሕ ክትጽበዮ ንቡር ኣይኰነን። ስለዚ ብሓጺሩ ብድሕሪኡ ካብዚ ንሱ ከሎ ዘላትና ኤርትራ ዝገደደትን ዝኸፍኤትን እምበር ሰላምን ሓድነታ ዝሓለወትን ምዕብልትን ስምርትን ኤርትራ ገዲፉ ክኸይድ ከም ዘይደሊ ከኣ ብጭብጢ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

እቲ ንሕና ከም ህዝቢ ክንዛረበሉን መፍትሒ ክንረኽበሉን ዝግበኣና ግን ብርእይቶይ ንሕና ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ንግበር ዝብል ክኸውን ይግባእ።

ዝኸበርኩም መድረኻውያን በሉ ብዛዕባ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንዝሓተትኩሞ ሕቶ ብዓቕመይ ቅሩብ መሊሰ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ብወገነይ ከኣ ንመድረኽ ዘሎኒ ሕቶታት ከቕርብ እሞ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ መልስን መብርህን ክትህቡሉ እናተተስፎኹ ኢየ። ኣነ መድረኽ ዝበሃል ምስ ተፈጥረ ካብቲ ዝጸንሖ ጊዜን ካብ ካልኦት ተቓወምቲ ዝተማህሮ ተመክሮን ብምብጋስ ዝሓሸ ኣገባብ ኣቀላልሳ ሓንጺጹ ካብቶም መድረኽ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ቀልጢፉ ገለ ትኣምራት ክሰርሕዩ ብማለት ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ምንባረይ ክሓብኣልኩም ኣይደልን። ብዓቕመይ እውን ንህዝብና ንምትብባዕን ዓቕሊ ገርና ንምጽባይን ዝከኣለኒ ጽሒፈን መኺረን ኢየ። እንተዀነ እናውዓልኩ እናሓደርኩ ዘሰክፈኒ ጕዳያት እርኢ ስለዘሎኹ ብወገነይ’ውን ክሓተሎም ወሲነ።

  1. ስለምንታዩ መድረኽ ሃገር እናጠፍኤት መንገዲ ኣባ ጐብየ ዝኸይድ? ማለት ብዘለዎ ዓቕሚ ንህዝቢ ከለዓዕልን ከእምንን ኣብ ቃልሲ ከዋፍርን ምስ ህዝቡ ሓቢሩ ክሰርሕን ክጓየን ዘይርኤ ዝበሃልሲ ከመዩ?
  2. ብርእይቶይ ዉፉይ እሙን መሪሕነት ዘይረኸበ ህዝቢ ክጥርነፍን ዘዕግብ ኣድማዒ ለውጢ ከምጽእን ስለዘይክእል መድረኽ ነዚ መሃነኑ ጠፊኡዎ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ከዕግብን ከተኣማምንን ዝኽእል ናይ ቃልሲ መደብን ናይ መሪሕነት ብቕዓትን ከርኢ ኣይከኣለን ዝበሃልከ ከመዩ?
  3. መድረኽ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት ኮነ ዝወሰዶም ስጕምትታት ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ጌጋታት እንዳሃለዉ ብግልጺ ምዝራቦምን ምእራሞምን ኣይደፈረን፡ ንዝበሃልከ ርእይቶኹም እንታዩ?
  4. መድረኽ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኣትኣታትዩዎ ዘሎ ናይ ቃልሲ መንፈስን ምትእምማንን ብኸመይ ትግምግሙዎ?
  5. ኣሰራርሓኹም ኮነ ኣካያይዳኹም ዋላ ነቶም ኣባላትኩም ዝበሃሉ ከይተረፈ ንጹርን ግሉጽን ስለዘይኮነ ብኡ ምኽንያት ኣብ መንጎኹም እውን ዘይምትእምማንን ዘይምውህሃድን ኣሎ ዝበሃልከ ሓቂ ድዩ?
  6. ኣሰራርሓ መድረኽ ካብታ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረት ሕብእቲ ስልፊ ዝተቐድሔ ኢዩ ንዝበሃልከ?
  7. ኣብ መወዳእታኡ መድረኽ ብኸምዚ ዝኸዶ ዘሎ መሰጋገሪ ቢንቶ ጥራሕ ኰይኑ ከምጽኦ ዝኽእል ዓወት ከም ዘሎ ክንትኣማምነሉስ ዝወሃበና መተባብዒ እንታዩ?
  8. ሕቶታተይ ካብ ጽቡቕ ድሌት ምትሕብባርን ናይ ሓልዮት መንፈስን ዝተበገሰ ኰይኑ መልስኹም ንዓይ ኮነ ነቶም ኵሎም ብመድረኽ ዝግደሱን ዝሓልዩን ክወሃብ ዘሎኒ ተስፋ ክሓብኣልኩም ኣይደልን።

 

ምስ ብዙሕ ስላምታ

ቀለታ ኪዳነ 18/2/2016

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →