Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓድሽ ውዕል “ኢውሮጳዊ ሕብረት-ቱርኪ” ሃስያኡ ንመን፧

By   /  March 20, 2016  /  Comments Off on ሓድሽ ውዕል “ኢውሮጳዊ ሕብረት-ቱርኪ” ሃስያኡ ንመን፧

    Print       Email

h0rn of africaኣብ’ዛ ዝሓለፈት ሰሙን ፥ መንግስቲ ቱርኪ ብመለሳ ገንዘባዊ ሓገዝ ፥ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝጥርዘኦም (ኤርትራውያን ዝርከብዎም) ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተቐቢሉ ንኸጣይስ ዘኽእል ስምምዕ በጺሑ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ፥ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሃገረን ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ብዝኾነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከይተቐየዳ ናብ ቱርኪ ክጥርዛኦም ፥ ናብ ቱርኪ ኣትዮም ጠለብ ዑቕባኦም ሰኒዶም ዝጸንሑ ካልኦት ስደተኛታት ድማ ብሕጋዊ መስርሕ ክቕበለኦም ዘኽእል ተወናጃባሪ ነጥብታት ዝሓዘለ ስምምዕ እዩ። እዚ ብኤውሮጳውያን “ሓደ ሰጒጉካ ሓደ ተእቱ” ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎ ዘሎ ስምምዕ ዕላማኡ ንጹር እዩ ። ኣቐዲምካ ነቶም ናብ ቱርኪ ክትኣልዮም ዝደለኻ ስደተኛታት ተርሕቖም እሞ ፥ ነቶም ካብታ ሃገር ብሕጋዊ መስርሕ ክትቅበሎም ምዃንካ ተመባጺዕካሎም ዘለኻ ምዝጉባት ስደተኛታት ምጥላም ብዙሕ ኣይከብድን።

እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝቕይሮ ዘሎ ፖሊሲታት ዘግህድ ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ውዑል ስደተኛታት ናይ 1952 ፥ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ኩነታቱን ጠለባቱን ብግቡእ ኣጽኒዕካ ክትቅበሎ፥ ጠለቡ እንተነጸግካዮ ድማ ናይ ይግባይ መሰሉ ክትሕልወሉ ፥ እዚ እንተዘይኮነ ድማ ንህላዌኡን መጻኢኡን ክትጻባእ ናብ ዘይትኽእል ሳልሰይቲ ሃገር ከተሰጋገሮ እዩ ዝግባእ። ኤውሮጳ ሕብረት ግና እዚ ኣህጉራዊ ውዕል ክህልዎ ንዝኽእል ድዂም ጎድንታትን ሃጓፋትን ኣብ ምምዝማዝን ምዕማጽን ተጸሚዱ ምህላው በዚ ምስ መንግስቲ ቱርኪ በጺሑዎ ዘሎ እዋናዊ ስምምዕ ንምርዳኡ ዘጸገም ኣይኮነን።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንኸዓግት ፥ ነተን ኣባልነት ዘይወነና ገለ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ፋይናሳውን ዲፕሎማስያዉን ድፍኢታት እንዳኣማሕደር ዶባተን ክሕሉዋ፥ ናብኣተን ዝኣትዉ ስደተኛታት ጉዕዞኦም ከይቅጽሉ ቀይዲ ክገብራ፡ ከምኡ ድማ ናብ ዝተበገሱሉ ቦታ ሻቡ ክመልሳኦም ክድርኽ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ሕብረት ምስ ቱርኪ በጺሑዎ ዘሎ ናይ ኣርባሓኒ ከርበሓካ ስምምዕ ድማ ናይዚ መቐጸልታ እዩ።

እዚ ስምምዕ እዚ ብመሰረቱ ቅኑዕን ሕጋውን ዲዩ፧ ኣይኮነ ኣዩ እቲ መልሲ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ንድሕነት ዝኾነ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን መቕድም ገይሩ ዝተነጽፈ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምዕማጽ ብኣዋጃትቱን ጸጸኒሖም ዝጸፋጸፉ ሕግታቱን ክብልሎም ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝንገር። “ቻርተር መሰረታዊ መሰላት” እቲ ሕብረት ከም ዘነጽሮ፥ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ናብ ሃገረን ዝኣትዉ ጠለብቲ ዑቕባ ብዘይድሌቶም ናብ ዝመጽኡሉ ወይ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰደኦም ግቡእ ኣይኮነ። ነዚ ዘየገላብጥ ቻርተር ንምጥምዛዝ ግና ኤውሮጳዊ ሕብረት ፥ ንተመለስቲ ስደተኛታት ዝምእዝነሉ ጫሌዳ መምርሒ ብምሕንጻጽ ፥ ምስ ኣብ’ቲ ሕብረት ዘይኣተዋ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ስምምዕ እንተበጺሑን፡ እተን ኣባላት ዘይኮና ሃገራት ነቶም ኤውሮጳዊ ሕብረት ከልግሶም ደሊዩ ዘሎ ስደተኛታት ክቕበላ ፍቓደኛታት እንተኾይነንን ፥ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይ ድሌቶም’ውን ይዂን ናብተን ዘይኣባል ሃገራት ክምርሑ ዘኽእል ኣሰራርሓ እዩ ክኽተል ደፊሩ ዘሎ።

እዚ ስለዝኾነ ድማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ከም ሩስያ፥ ጆርጂያ፡ ዩክሬን፡ ኣርሜንያ፡ ሃገራት ባልካን፡ ፓኪስታን፡ስሪላንካ፡ ማልዶቫን ካልኦትን እንዳተዘራረበን ፖለቲካዊ ሕድገታትን ገንዘባዊ ጉንዖታትን እንዳቐረበን ፥ ተመለስቲ ስደተኛታት ክቕበላ ክደፍን ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ሕብረት ፥ ቱርኪ ዋሕዚ ናይቶም ብመሬታ ኣኳሊሞም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምዕጋት ክትክእል ሰሊዑዎ ዝጸንሐ ናይ 3 ቢልዮን ኤሮ እምበኣር ፡ እታ ሃገር ነቶም ዝጥረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ኣብ ስምምዕ ብምብጻሓ ናብ 6 ቢልዮን ክብ ከብሎ እዩ መዲቡ ዘሎ። እቲ ሕብረት ክሳዕ ክንደይ ንኣህጉራዊ ሕግታት ምስ ዘይኣባላቱ ዝኾና ሃገራት ብዝበጽሖም ስምምዓት ይደብዮም ከምዘሎ ከኣ በዚ እዋናዊ ስምምዕ ትርዳእ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ንቱርኪ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ፈጽሚ ገበናት ኲናትን ከኸሳን ክጓኒያን ከምዘይጸንሐ ፥ ኣብ ሕብረቱ ተኸሲቱ ንዘሎ ቅልውላው ስደት ንምዝላቕ ዝምድናታቱ ምስ ቱርኪ ብድርብ ይዕዪሮ ኣሎ።

እቲ ሕብረት ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ንምዕጋትን ነቶም ኣብ’ታ ኣህጉር ድሮ ኣትዮም ዘለዉ ድማ መሳጎጒ ምኽኒታት ንምኽዛንን ስለዝደለየ ጥራይ ምስ’ቲ ብሰንኪ ገሃሲ ምሕደራኡ ጠንቂ ስደት ኤርትራይውን ኮይኑ ምህላዉ ብማሕበረሰብ ዓለም ተፈሊጡ ዘሎ ስርዓት ሓቢሩ ክሰርሕን ሕድገታት ክቕርብን ይረአ ምህላዉ ፥ እቲ ሕብረት ጸገሙ ዘፋዂሱ እምበር ንጸገም ካልእ ወገን ግዲ ዘይገብሩ ፖሊሲታት መሪጹ ይሰርሓሎም ከምዘሎ ዘርኢ ተወሳኺ ኣብነት እዩ።

እዚ እዋናዊ ስምምዕ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ሃገረን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣቲዮም ዝብለኦም ስደተኛታት ናብ ቱርኪ ክጥርዛ ፥ ኣብ መዓስከራት ቱርኪ ተመጽጊቦም ብዓቕሊ ካብ ዝጽበዩ ዘለዉ ካልኦት ስደተኛታት ድማ ኣጽኒዐንን ገምጊመንን ብሕጋዊ መስርሕ ኣሕሊፈን ክወስዳ ዝብል ነጥቢ ኣለዎ። መለሳ ናይ’ዚ ሓደ ሰጒግካ ካልእ ሓደ ምቕባል ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኢደን ንዘሎ ሓደ ስደተኛ ክሰጓ ዘኽእል ግዱብ ግዜ ሓንጺጸን እንተኣተግቢረነኦ ብዛዕባ እቶም ጸኒሐን ክቕበልኦም ከምዝኾና ዘመልክታሎም ኣብ ራሕቂ ዘለዉ ስደተኛታት ዝቕይደን ግዜን ወገንን የለን ። ንሓደ ዝምለስ ስደተኛ ብሓደ ጸኒሐ ዝቕበሎ ካልእ ስደተኛ ክትክኦ ዝብል ስምምዕ ጣቋ ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ።

እዋናዊ ስምምዕ ኢውሮጳዊ ሕብረትን ቱርክን ቀጥታዊ ሃስያኡ ነቶም ኣብ ሃገራት እቲ ሕብረት ዝርከቡ ስደተኛታት ጥራይ እዩ። እቲ ስምምዕ ፥ ቱርኪ ነቶም ስደተኛታት ተቐቢላ በቲ ዝቕረበላ ልዑል መጠን ገንዘብ ከተጣይሶም፡ ኣብ መሬታ ድማ ናይ ስደተኛ መሰል ከተዉሕሰሎም ዝመርሕ’ኳ እንተኾነ፥ መንግስቲ ቱርኪ ነቲ መምርሒ ከተግብር ዘሎ ተስፋ ኣዚዩ ንኡስ እዩ። መንግስቲ ቱርኪ ነዚ ስግንጢር ዝመስል ስምምዕ ክቕበል ዝደረኾ ገዚፍ ምኽንያት – ሃገሩ ኣባልነት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኽትረክብ በቲ ሕብረት ተደናጋጽነት ንምዕዳግ እዩ። ቱርኪ ናብቲ ሕብረት ንምጽንባር ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽቦን ጸኒሑ። መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተጻዒኑ ዘሎ ቅልውላው ስደት ከም ምረቓ ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ዝተገንዘበ እዩ ዝመስል ከኣ ነዚ ስምምዕ ህውሕ ቁሩብነት ኣርእዩ። ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ መሬታ ኣስፊራ ንምምሕዳሮም እትጻገም ዘላ ቱርኪ ሕጂ ተወሰኽቲ ተመለስቲ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትቅበል ምቕራባ እምበኣር ፥ ቱርኪ ነቲ ክዋሃባ ዝኾነ ገንዘብ ዘይኮነ ኪንዮኡ ዝጠመተቶ ዲፕሎማስያውን ማሕበረ-ቊጠባውን መለሳ ከምዘሎ የነጽረልካ።

ካልእ ኣብ’ዚ ክጽቀጠሉ ዝኽእል ገዚፍ ሓቂ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ብመንግስቲ ቱርኪ ዝተበሃገሉ ካልእ ምኽንያት፥ እታ ሃገር ንዝተባህለቶ እንተገይራ ፡ ቱርኪ ቅድሚ ኣባልነታ ኣብቲ ሕብረት ምምስካሩ’ውን እንተኾነ ዜጋታታ ካብን ናብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብነጻ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ክፍጠረሎም ከምዝኽእል ተስፋታት ስለዝተዋህባ እዩ። ቱርኪ ነዞም ምስ ዝተሰለዐ ገንዘብ ዝመጽእዋ ተመለስቲ ስደተኛታት ስለዝተቐበለት ዜጋታታ ናብ ምዕቡል ሸነኽ አውሮጳ ክንቀሳቐሱ ባይታ እንተተፈጢሩላ፥ ነታ ዝበዝሑ ዜጋታት ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ዝነብሩላ ሃገር ዕጽፊዊ ዓወት እዩ ኽኸዉን። ብኻልእ ወገን እዉን ቱርኪ ካብ ኤውሮጳ ንዝጥረዙ ስደተኛታት በብግዜኡ ኣብ እትቕበለሉ ልዑል መጠን ገንዘብ ትረክብ እንተደኣ ኮይና፥ ፈላማ ናብኣ ዝበጽሑ ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ መሊሶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንኽኣትዉ ዶባታ እንዳኸፈተት ንዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ምንጪ ኣታዊ ክትገብሮ ምዃና እመታ ተንተንቲ ኣሎ።

ቱርኪ ፥ ዜጋታታ ናብ መላእ ኤውሮጳ ክንቀሳቐሱ ዘኽእሎም ኤውሮጳዊ ቪዛ – ክቕረበላ እንተኾይኑ’ውን ነቶም ኣብ ሃገራ ዱሮ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን በጺሖም ዘለዉ ሶርያውያንን ዒራቓያንን ቱርካዊ መንነት ብገንዘብ እንዳሸጠት ሓድሽ መስርሕ ስደትን ምንጪ ኣታዉን ከተውሕስ ትኽእል እያ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ሰሪቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዘዋሪ ዓንኬል ኣቐሚጡ ነባሪ ፍታሕ ንኽርከብ ኣጸጋሚ ዝግብር’ዩ።

እዚ እዋናዊ ስምምዕ፥ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት 1952 ከምድላየን ረጊጸን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሃገረን ዝርከቡ ስደተኛታት ዊንታዊ ስጒምትታት ክወስዳ ዘኽእለን እዩ ዝመስል። መንግስታትን ህዝብታትን ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎዎም ጽለኣት ልዕሊ ካልእ እዋን ተጋሂዱ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ጎነጻዊ መልክዕ እንዳሓዘ ይመጽእ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ምስ ቱርኪ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕን ጸጸኒሖም ምስ ካልኦት ሃገራት ምብራቓዊ ኤውሮጳ ክብጽሑ ዝጸንሑ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን ስምምዓትን ግና ነቲ ምስ ቅልውላው ስደት ተላፊኑ ዝርከብ እዋናዊ ኤውሮጳዊ ጸገም ወገናዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለሙ ጥራይ ብምዃኖም ፥ ፋይዳ ናይዞም ዘይልዙባት ተበግሶታት እወታዊ ከምዘይከዉን ግሙት እዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →