Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ልዕሊ 52 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ወጻኢ ኽገሹ ኣብ ዝደልዩሉ ፥ ክሳዕ 200 ሽሕ ናቕፋ ከም ውሕስና ክቕርቡ ዝጠልብ ጥቡቕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

By   /  March 22, 2016  /  Comments Off on ልዕሊ 52 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ወጻኢ ኽገሹ ኣብ ዝደልዩሉ ፥ ክሳዕ 200 ሽሕ ናቕፋ ከም ውሕስና ክቕርቡ ዝጠልብ ጥቡቕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

    Print       Email

satellite dish

ልዕሊ 52 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ናብ ወጻኢ ኽገሹ ኣብ ዝደሊዩሉ ፥ ክሳዕ 200 ሽሕ ናቕፋ ከም ውሕስና ክቕርቡ ዝጠልብ ጥቡቕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ ውኪላት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪላትና፥ ልዕሊ እዚ ተነጺሩ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝኾነ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ፥ ንሕክምና ዲዩ ንኻእል ኣጋጣሚታት ናብ ወጻኢ ክገይሽ ኣብ ዝምድበሉ ፥ ነዚ ገንዘባዊ ቅድመ ኩነት ከማልእ ግድን ከምዝኾነ፥ እቲ ትእዛዝ ንበዓል ዓቕምን ዓቕሚ ዘይብሉን ብኣልማማ ዘመልከተ ብምዃኑ ድማ ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለዘየሎ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምኻድ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽብ ዝደሊ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ኣዉዲቕዎ ከምዘሎ ይሕበር።

እዚ ኣገባብዚ ኣብ ኤርትራ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ዜግነት ዝፈጥር ኮይኑ እቶም ሃብታማትን ሰብ ዘለዎምን ጥራይ ብህይወቶም ክድሕኑን ዓዲ ክገድፉን እቶም ድኻታትን ሰብ ዘይብሎምን ድማ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ዓመጽ ክነብሩ ዝገብር ስርዓት እዩ። እዚ ኣገባብ ዝፈጥሮ ብልሽውና ድማ እቶም ይትረፍ 200 ሽሕ 2 ሚልዮን ከፊሎም ክወጹ ዝኽእሉ ርኹባት ንሰበስልጣን መንግስቲ ኪቆጻጸሩ ልዑል ዕድል ዝህብ እዩ።

ዝኾነ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ልዕሊ ክሊ ዕድመ 52 ኪገይሽ እንተደኣ ኮይኑ ገንዘባዊ ውሕስነት ከምዘመስከረ ዘነጽር ጽሑፋዊ ደገም ከቕርብ ዝሓትት እዚ እዋናዊ ትእዛዝ፥ ትሕቲ 52 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት እንትርፎ ብፍሉይን ዝምልከቶ ኣካል ዝመስከረሉን ጉዳይ ንኽገሹ ክፍቀደሎም ከምዘይኮነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ትሕቲ 52 ዓመት ዝኾኑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኩነታቶም እተጽንዕን ናይ መገሻ ፍቓድ እትሰርዕን ፍልይቲ ኣሃዱ ኣብ ትሕቲ ምእዘና ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይና ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ዝገለጹ ወኪላትና፥ መሰረታዊ ዕላማ እታ ኣሃዱ ካብ’ቶም ከምዘይገሹ ተነጊርዎም ዘሎ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ትሕቲ ክሊ ዕድመ 52 ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ልዑል መጠን ገንዘብ ከምዝኸፍሉ እንዳገበርካ ብርኩት ኣታዊ ንምርካብ እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ተኸሲቱ ኣሎ ብዝበሃል ወተሃደራዊ ወጥሪ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ርኡይ ሃጓፍ ኣመዝጊቡ ከምዘሎ ንዝንገረሉ ቆመና ሓይልታት ምክልኻሉ ንምድራዕ ኣቓልቦኡ ናብ ኣባላት ህዝባዊን ዕቚርን ሰራዊት ኣድሂቡ ከምዘሎ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ህላዌኦም ከፍልጡን ኣብ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክጽመዱን ተገይሩ ኣሎ።

እዚ መገሻታት ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንምቕያድ ሓሊኑ ተመሓላሊፉ ዘሎ ትእዛዝ እምበኣር ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝባዊ ሰራዊት ከም ማእከላይ ምንጪ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሓዝኦ መዲቡ ከምዘሎ ዘነጽር እዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →